ኣብ ኣመሪካ ዋሽንግተን ዲሲ ካፒቶል ሂል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓደ ፖሊስ ተቐቲሉ

ምስተ ነቲ ህንጻ መከላኸሊ ተባሂሉ ዝተተኸለ ዶጎል ዝተጋጨወት መኪና

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ኣመሪካ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ቤት ጽሕፈት ኮንግረስ ኣመሪካ ካፒቶል ሂል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓደ ፖሊስ ክመውት እንከሎ ሓደ ኸኣ ተሃሪሙ ናብ ሆስፒታል ኣትዩ ኣሎ።

እቲ ሓደጋ ሓደ ሰብ ናብቲ ከባቢ እቲ ህንጻ ብመኪና ብምምጻእ ምስቲ ነቲ ህንጻ መከላኻሊ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ዶጎል ድሕሪ ምግጫው፡ ካብታ መኪና ካራ ሒዙ ብምውጻእ’ዩ ኣብ ልዕሊ እቶም ፖሊስ መጥቃዕቲ ፈጺሙ። ብድሕሪ እዚ ካልእ ፖሊስ ነቲ ጥርጡር ቶኵሱ ከምዝቐተሎ ፖሊስ ዋሽንግተን ዘውጽኦ መግለጺ የነጽር።

ሰበ ስልጣን ጸጥታ ኣመሪካ እቲ መጥቃዕቲ ምስ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕትታት ዘተሓሕዝ ከምዘይኮነ ገሊጾም ኣለዉ።

ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ’ውን ደገፍቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ናብቲ ህንጻ ብሓይሊ ብምእታው መጥቃዕቲታት ከምዝፈጸሙ ዝዝከር እዩ።

ናይ ዋሽንግተን ዲሲ ሓላፊ ፖሊስ ምክታታል ውሽጣዊ ክፋላት ዝኾነ ሮበርት ኮንቴ “እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ይፈጸመ ዋላ ኣብ ካልእ ተራ ዜጋ፡ ናይቲ ጉዳይ ሱር መሰረት ፈሊና ናይ ምፍላጥ ሓላፍነት ኣለና፡ ነዚ ኸኣ ክንገብሮ ኢና” ኢሉ።

ምክትል ሓላፊ ፖሊስ ሓለዋ ካፒቶል ሂል ዝኾነ ዩጋናዳ ፒትማን ብወገኑ “ኣዝዩ ሓዘን እናተሰማዓኒ ሓደ ካብ መሳርሕትና በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሞይቱ ኣሎ” ኢሉ።

እቲ ብስሕለት ተወጊኡ ዝሞተ ፖሊስ ዊልያም ኢቫንስ ዝብሃል ኮይኑ ንዝሓለፈ 18 ዓመታት ከም ሓለዋ ፖሊስ ካፒቶል ሂል ኮይኑ ዝሰረሐ’ዩ።

ነቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝምርምሩ ዘለዉ ክልተ ፖሊስ ንማዕከን ዜና ሲቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀ ሰብ ኖሃ ግሪን ዝብሃል ወዲ 25 ዓመት ነባሪ ኢንድያና ምዃኑ ገሊጾም።

ምንጪ ስእሊ, US Capitol Police

ኖሃ ግሪን ፡ ቅድሚ ሕጂ ብዝኾነ ምስ ገበን ብዝተሓሓዝ ጉዳይ ኣብ ፖሊስ ቀሪቡ ከምዘይፈልጥን ስሙ ኣብ መዝገብ ፖሊስ ከምዘየለን’ውን እቶም ክልተ መርመርቲ ሓቢሮም።

ኖሃ ግሪን፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ናይ ፌስ ቡክ ኣድራሽኡ፡ ስራሕ ከምዝገደፎ ዝሕብር ጽሑፍ እኳ ለጢፉ እንተነበረ፡ ጸኒሑ ግን ደምሲስዎ።

ንሱ እቲ ስራሕ ብሕማም ምኽንያት ይገፍፎ ከምዘሎ ብምሕባር እቲ ቀንዲ ምኽንያት ግን ህይወቱ ከዕሪ ኢሉ ዝገብሮ ዘሎ ምዃቡ ጽሒፉ ነይሩ።

“ስኣን ኣፍልጦ ዝወስዶ ዝነበረኩ ዕጸ ፋርስ ጎድናዊ ሳዕቤን ስለዘምጽኣለይ’የ” ብምባል ብሰንኪ እቲ ዝወስዶ ዝነበረ ሓሺሽ ይሳቐ ምንባሩ ኣብቲ ድሒሩ ካብ ፌስቡክ ዝደምሰሶ ጽሑፍ ጠቂሱ።

ውሃቢ ቃል ፌስቡክ፡ እቲ ብሽም ኖሃ ግሪን ዝተመዝገበ ኣድራሻ ፌስቡክ ብርግጽ ናይ ኖሃ ግሪን ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ካፒቶል ሂል ኣብ ጽኑዕ ሓለዋ እያ ዘላ።

ኣባላት ኮንግረስ ኣመሪካ ኣብ ዓመታዊ ዕረፍቲ ስለዝርከቡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ ኣብቲ ህንጻ ኣይነበሩን።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ በቲ ዝተፈጸመ መትቃዕቲ ከምዝሓዘነ ብምግላጽ፡ ንስድራ ግዳይ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ ሰዲዱ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዋይት ሃውስ ትርከብ ባንዴራ ኣብ ፍርቂ ተሰቂላ ክትውዕል ኣዚዙ ኣሎ፡

መግለጺ ቪድዮ,

ኣመሪካ፡ 56 ዓመታት ኣብ ስራሕ ፖሊስነት