ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ኣኽባሪት ሕጊ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳ ኣልዒላቶ

ዳኛ ፋትዋ ቤንሶዳ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣመሪካ ኣብ እዋን ምሕደራ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ላዕለወይቲ ኣኽባሪት ሕጊ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት (ICC) ዳኛ ፋትዋ ቤንሶዳ ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳ ኣልዒላቶ።

እቲ እገዳ ኣብ እዋን ምሕደራ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዝተነበረ ኮይኑ፡ እቲ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበናት፡ ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ከምኡ’ውን መላፍንቲ ኣመሪካ ዝኾነት እስራኤል ኣብ ፍሊስጤም ፈጺመነኦ ዝብሃለ ናይ ኵናት ገበን ክምርምር ምስ ጀመረ፡ ኣመሪካ ከም ግብረ መልሲ’ያ ኣብ ልዕሊ ላዕለወይቲ ኣኽባሪት ሕጊ እቲ ቤት ፍርዲ ፋትዋ ቤንሶዳ እገዳ ኣንቢራ።

ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ነቲ እግዳ ከምዝተለዓለ ኣብ ዝሓበረሉ፡ እቲ ተገይሩ ዝነበረ እገዳ “ዘይግቡኑን ዘይውጽኢታውን’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ ኣመሪካ ምስቲ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ብጽምዶ ክተሰርሕ ድልውቲ ምህላዋ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ,

ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን

ኣመሪካን እስራኤልን ኣባላት ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበናት ኣይኮናን።

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እቲ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ዝኾነ ፓኪሶ ማቸኮኮ ኣንቢራቶ ዝነረት ናይ መገሻ እገዳ’ውን ኣልዒላቶ ኣላ።

ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “እቲ ቤት ፍርዲ ብዛዕባ ኣፍጋኒስታንን ፍሊስጤምን ኣመልኪቱ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዝገብሮ ዘሎ መርመራ ሕጂ’ውን ንቃወሞ ኢና” ብምባል እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ኣባላቱ ዘይኮና ከም ኣመሪካን እስራኤልን ዝኣመሰላ ሃገራት ገበናዊ መርመራ ከካይድ ስልጣን ከምዘይብሉ ገሊጹ።

ብሊንከን ብምስዓብ “እንተኾነ እቲ ንሕና ዘለና ተቃውሞ ምስ ኣባለት እቲ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበናት ተቐራሪብካን ተላዚብካን እምበር ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ኣባላቱን እግዳ ብምግባር ዝፍታሕ ኣይኮነን” ኢሉ።

ኣመሪካ ዋላ እኳ ኣባል እቲ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣይትኹን፡ ነቲ ቤት ፍርዲ ገበናት ንዝፈጸሙ ኣብ ሕጊ ኣብ ምቕራብ ኣመሪካ ጸጋታታ ብምቅራብ ክትተሓጋገዝ ቅርብቲ ምህላዋ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ገሊጹ ኣሎ።

ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት፡ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ጣሊባንን ሰራዊት ኣፍጋኒስታንን ኣብ ኣፍጋኒስታን ናይ ኵናት ገበን ፈጺሞም እንተኾይኖም ንምጽራይ ስርሑ ምስ ጀመረ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ልኡላውነት ኣመሪካ ኢዱ የእቱ ኣሎ ብምባል ነቲ እገዳ ከምዘንበሮ ይዝከር።

ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ብወገኑ፡ እቲ ዝተነበረ እገዳታት፡ ንዓለምለኻዊ ፍትሕን ልዕልና ሕግን ዝግህስ እዩ ብምባል መልሲ ሂብሉ ነይሩ።

ዳኛ ፋትዋ ቤንሶዳ ዝነበራ እብረ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሰነ ወዲኣ ካብቲ ጽፍሓ ክትእለ እያ፡ ንዓኣ ተኪኡ ኸኣ ብርጣንያዊ ዳኻ ካሪም ክሃን እዩ ኣኽባሪ ሕጊ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበናት ኮይኑ ክሰርሕ።