ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ምውጻእ ከም ዝጀመሩ ኢትዮጵያ ገሊጻ

ታንኪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ድሕሪ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተላዕለ ኲናት: ዶብ ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተው ወተሃደራት ኤርትራ፡ ምውጻእ ከም ዝጀመሩ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

እቲ ሚኒስትሪ ነዚ ዘፍለጠ፡ ብዓርቢ ሃገራት ጉጅለ-7 ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ኣመልኪቶም ንዘውጽእዎ መግለጺ ኣብ ዝሃቦ መልሲ እዩ።

ብሪጣንያ፡ ኣሜሪካን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ዝርከብዎ እቲ ብጉጅለ (G-7) ዝፍለጥ ምትእኽኻብ ብኢንዱስትሪ ናይ ዝማዕበላ ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ጎኒ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ከም ዝተሰለፉ ዝገለጾም ወተሃደራት ኤርትራ ክወጽኡ ሓቲቱ ነይሩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እተገለጸ፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ ህወሓት ዶብ ዝሰገሩ ወተሃደራት ኤርትራ፡ ሕጂ ክወጽኡ ጅሚሮም ኣለው፤ ነቲ ከባቢ ዶባት ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተረኪብዎ ኣሎ" ኢሉ።

እቲ ሚኒስትሪ ወሲኹ፡ ሃገራት ጉጅለ-7፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ንምምሕያሽ ብዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ንዝተመዝገቡ እወታዊ ውጽኢታት ኣብ ግምት ዘየእተወ መግለጺ እየን ኣውጺአን ክብል ወቒሱ።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ ዘሎ ሰራዊቱ ክስሕብ ከምዝተሰማምዐ ገሊጹ ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣብይ ኣሕመድ ንኣባላት ወከልቲ ህዝቢ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብ ሰራዊት ሕወሓት መጥቃዕቲ ከይመጽኦም ብምስጋእ ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተዉ ገሊጹ ነይሩ።

መንግስቲ ፌደራል ቅድሚ ሓሙሽተ ወርሒ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ከም ዘብጽሑ ብምግላጽ ኣብ ትግራይ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ምስ ጀመረ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ኲናት ተሳትፎ ኣለዎም ተባሂሉ ብተደጋጋሚ ክልዓል ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

መንግስታት ክልቲአን ሃገራት ነዚ ክነጽግዎ እኳ እንተጸንሑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ኣመልኪቱ ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝርከቡ ቦታታት ተቐጻጺሩ ከም ዝርከብ ንፈለማ እዋን ተኣሚኑ።

ጉጀለ እተን ሸውዓተ ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም መቕተልቲ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ዒላማ ዘይፈልይ ደብዳብ ከቢድ ብረትን ነበርትን ስደተኛታትን ብሓይሊ ምፍንቓል ከም ዝኹንን ብምግላጽ፡ እቶም ተፈጺሞም ዝበሃሉ ዘለው ገበናት ግሉጽን ነጻን መርመራ ተኻዪዱ፡ እቶም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፈጸሙ ተሓተትቲ ክኾኑ" ጠሊቡ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ,

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ናይ ትግራይ ወተሃደራዊ ወፍሪ ዋላ ሓደ ሲቪል ጉድኣት ከምዘይበጽሖ ክገልጽ ጸኒሑ'ሎ

እቲ ጉጅለ ወሲኹ፡ ኣብ ከባቢ እቲ ጎንጺ ዝተኻየደሉ ስፍራ "እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ሕጽረት መግቢ" ከም ዘተሓሳሰቦ ብምግላጽ፡ "ብቕልጡፍ ዘይተገደበ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት" ክጣጣሕ ሓቲቱ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብወገኑ፡ ዓለምለኻዊ መራኸቢ ብዙሓን ናብ ክልል ትግራይ ክኣትው ምፍቃድ ዝርከቦም ዘይተገደበ ኣቕርቦት ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዝተመቻቸወን፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት መርመራ ክጅመር ምዃኑን ሓቢሩ።

መንግስቲ ነዚ ሰራሓት እኳ እንተኣሳለጠ፡ ንሰብኣዊ ረድኤትን ልምዓትን ብዝምልከት ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዘሎ ድጋፍ ካብቲ ዝድለይ ዝተሓተ ምዃኑ ብምግላጽ: ኣብቲ ክልል ንዘሎ ብድሆታት ንምፍታሕ ኣድላዪ ሓገዛት ምቕራብ ቀዳምነት ክወሃቦ ከም ዝግባእ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ን4.2 ሚልዮን ሰባት ሓገዝ ንምቕራብ ጻዕርታት ይገብር እኳ እንተሎ፡ እቲ ዓለምለኻዊ ሓገዝ ካብቲ ዝድለይ ሓደ ሲሶ'ውን ከም ዘይበጽሕ እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ።

ድሕሪ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወልአ ጎንጺ፡ ልዕሊ 70,000 ሰባት ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ከም ዝተሰደዱ ትካላት ረድኤት ይገልጹ።

ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ: ኣብቲ ክልል ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት ከም ዝተመዛበሉን ልዕሊ 4 ሚልዮን ድማ ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረድኤት ኮይኖም ምህላዎም ይገልጽ።

ኣመዓባብላ ናይቲ ኵናት

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።

ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ዓትዒትዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ።

ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለዘይተቐበሎ ከምዝወጽእ ኣነጺሩ። ኣብ ክፍላ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ። በዚ ድማ ብልጽግና ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ፡ ህወሓት ከኣ ከም ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዶ/ር ኣብዪ ዝምራሕ ብልጽግና ደው ኢሉ።

ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን።

እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ "ዘይሕገመንግስታዊን" "ዘይሕጋውን" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤትምኽሪ ነጺግዎ። ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከምዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ።

እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ'ውን፡ እታ ኣፈጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝነበረትን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ዝነበረት ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም እቲ ውሳነ ከይሓለፈ እንከሎ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ወሪዳ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ድሕሪ ምጽዳቑ ኸኣ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ብ12 ሰነ 2020 ወሲኑ።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ክልላዊ ምርጫ ከካይዶ'ኳ ብወገን ትግራይ ጠለብ ቀሪቡሉ እንተነበረ፡ ስለዝነጸጎ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ከቕውም ተገዲዱ።

ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ።

ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።

ብወገን ህወሓት፡ ዝርርብ ክካየድ እንተኾይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕን ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክፍጠርን ዝብል ቅድመ ኵነት ቀሪቡ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ እናኸረረ ዝመጸ ምትፍናንን ወጥሪን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕን ሰፊሕን ኲናት ኣምሪሑ፡ ኣብቲ ክልል ከቢድ ቅልውላዉ ፈጢሩ ይርከብ።