ሓገዝ ድምፃዊ ኣቤል ተስፋዬ፡ ኣብ ትግራይ ን2 ሚልዮን ሰባት ምግቢ ንምቕራብ ክውዕል’ዩ- ፕሮግራም ምግቢ ዓለም

ዘ ዊክንድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

'ዘ ዊክንድ' ብዝብል ዝፍለጥ ድምፃዊ፣ ደራሲ ግጥምን ዜማን ኣዋሃሃድን ኣቤል ተስፋዬ: ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ስራሓት ንምሕጋዝ 1 ሚልዮን ዶላር ወፍዩ።

ድምፃዊ ኣቤል፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ህፃናት ክሳብ ሽማግለታት ብጭካነ ክቕተሉን፡ መረበቶም ገዲፎም ክመዛበሉን ክሰምዕ፡ ልበይ ይስበር” ክብል፡ ብመገዲ ትዊተር ገሊፁ።

ስለዝኾነ፡ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ንዝተመዛበሉ ክልተ ሚልዮን ምግቢ ንምቕራብ ዘኽእሎ፡ ሓደ ሚልየን ዳላር ሓገዝ ከምዝገበረ፡ ድምፃዊ ኣቤል ተስፋዬ ኣፍሊጡ። ካልኦት ተመሳሳሊ ሓገዝ ክገብሩ ድማ ፀዊዑ።

ካብ ኢትዮጵያውያን ስድርኡ ኣብ ካናዳ ተወሊዱ ዝዓበየ ኣቤል ተስፋዬ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዘ ኣብ ዓውዲ ሙዚቃ ዓብይ ቦታ ዝወሃቦም ሽልማታት ኤምቲቪ፣ ቪኤምኤን ሙዚቃ ኣሜሪካን ረኺቡ እዩ።

ድምፃዊ ኣቤል፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ብኣሜሪካውያን ልዑል ቦታ ኣብ ዝወሃቦ ፀዋታ ኩዕሶ እግሪ ሱፐር ቦውል ምድራፉ፡ ዓብይ ናእዳ ተጎናፂፉ እዩ።

ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፡ ካብ ድምፃዊ ኣቤል ዝረኸቦ ሓገዝ ሓደ ሚልዮን ዳላር፡ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝተወልዐ ኩናት ተመዛቢሎም ረድኤት ንዝፅበዩ ዜጋታት ከምዘውዕሎ ኣፍሊጡ።

እዚ ሓገዝ፡ ኣብ ትግራይ ረድኤት ምግቢ ንዘድልዮም ክልተ ሚልዮን ዜጋታት ኣብ ዝቕፅሉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ምግቢ ንምቕራብ ከምዝሕግዝ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ገሊፁ።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፡ ረድኤት ምግቢ ካብ ምግባር ብተወሳኺ፡ ንህፃናት፣ ነብሰ ጾራት ዘጥብዋ ኣደታትን ዝተመጣጠነ ምግቢ የቕርብ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ፕረዝደንት ምግቢ ዓለም ባሮን ሴጋር፡ “ኣብ ትግራይ ዘሎ ጉዳይ ውሕስና ምግቢ ኣዝዩ የሻቕለና እዩ” ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ 4.5 ሚልየን ዜጋታት ህፁፅ ረድኤት ምግቢ ከምዘድልዮም ብምግላፅ፡ ካብዚኦም፡ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ን 1.4 ሚልዮን ዜጋታት ረድኤት ከቕርብ ከምዝተሓተተ እቲ ትካል ኣፍሊጡ።

ኣብ ትግራይ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝተወልዐ ኩናት፡ ዘራእቲ ኣብ ዝሕፈሰሉ ግዘ ምግጥጣሙ፡ ነቲ ኩነታት ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ከምዝገበሮ፡ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣፍሊጡ።