ኮቪድ-19፡ ኣብ ብራዚል ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ 4000 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ብራዚል ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ 4000 ሰባት ብኮቪድ ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ብራዚል ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ልዕሊ 4000 ሰባት ሞይቶም። እዚ ከኣ እቲ ለበዳ ካብ ዝጅምር ኣብታ ሃገር ዝልዓለ ቁጽሪ ኮይኑ ተመዝጊቡ'ሎ።

እቲ ቀንዲ ጠንቂ፡ ሓድሽ ዓይነት ቫይረስ ኣብታ ሃገር ብብዝሒ ኣስፋሕፊሑ ስለዘሎ ተባሂሉ እዩ ዝግመት።

ኣብታ ሃገር ብምልኦም ሆስፒታላት ብተሓከምቲ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ መሊኦም ኣብ ገለ ከተማታት ሰባት ንኽሕከሙ ሪጋ እናተጸበዩ ይሞቱ ከምዘለዉ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብ ብራዚል ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ሞት ኣስታት 337 ሸሕ በጺሑ ኣሎ። እዚ ኸኣ ብደረጃ ዓለም ድሕሪ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይስራዕ።

እዚ ኹሉ እናኾነ'ውን ፕረዚደንት እታ ሃገር ጀይር ቦልሶናሮ ቀንዲ ተቓዋማይ ዕጽዋ እዩ ኮይኑ ዘሎ። እቲ ፕረዚደንት ብዕጽዋ ዝስዕብ ቁጠባዊ ቅልውላው ልዕሊ ኮሮናቫይረስ ክቐትለና'ዩ ዝብል መርገጺ'ዩ ዘለዎ።

ፕረዚደንት ጀይር ቦልሶናሮ ዕጽዋን ውሸባን ንሰባት ናብ ክሰዐን ኣእምሮኣዊ ጸቕጥን ከቃልዖም'ዩ ዝብል ሓሳብ'ውን ሓደ ካብቲ ዕጽዋ ከይእውጅን ሰባት ከይውሸቡን ንኸእምን ዘምጽኦም ሓሳባት እዩም።

እንተኾነ ትማሊ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ 4195 ሰባት ድሕሪ ምሟቶም ዝሃቦ ርእይቶ የለን።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ክሳብ ሎሚ ኣብ ብራዚል ልዕሊ 13 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ኣብ ወርሒ መጋቢት ጥራይ 66570 ሰባት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ከምዝሞቱ ጸብጻብ ሚኒሰትሪ ጥዕና እታ ሃገር ይሕብር።

ህሉው ኩነታታት እታ ሃገር እንታይ ይመስል?

ኣብ ዝበዝሓ ዞባታት እታ ሃገር ልዕሊ 90 ሚእታዊት ክፍሊ መእለዩ ጽኑዕ ሕሙማት ብሕሙማት ኮሮናቫይረስ እዩ ተታሒዙ ዘሎ።

ብዙሓት ዞባታት እታ ሃገር ሕጽረት ቀረብ ኦክስጅንን ፈውሲ ቃንዛን ኣጋጢምወን ከም ዘሎ እየን ዝሕብራ፡ እዚ እናኾነ እንከሎ ግን ኣብታ ሃገር ብዙሓት ዞባታት ነቲ ተነቢሩ ዝነበረ መጠናዊ እገዳ ምንቅስቓስ ሰባት ከፍኵሰኦ'የን ዝርኣያ ዘለዋ።

ምንጪ ስእሊ, EPA

ዳይረክተር ኢኒስቲቱት ጥዕና እታ ሃገር ሚጕየል ላጎ ንኤፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እቲ ቀንዲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ዘረባ ጸረ ዕጽዋታት ፕረዚደንት ጀይር ቦልሶናሮ'ዩ" ኢሉ።

ንሱ ብምስዓብ "ከንቲባታትን ኣመሓደርቲ ዞባታትን ብፖሎቲካዊ ድፍኢትን ብመደረ ናይ ፕረዚደንትን ተደፋፊኦም ዋላ ነታ ኣካላዊ ምርሕሓቕ ከተግብርዋ ኣይደልዩን'ዮም፡ ብዓቢኡ ኣታዊኦም ክጎድሎም ዘይደልዩ ሰብ ትካላት ከኣ ሰዓብቲ ሓሳባት ናይ ፕረዚደንት ጀይር ቦልሶናሮ'ዮም" ኢሉ።

ፕረዚደንት ጀይር ቦልሶናሮ ነቲ ቫይረስ ብምንእኣስን፡ ንክታበት ኮሮናቫይረስ ብምንጻግን እዩ ዝልለ። ከቢድ ነቐፌታ ምስ በዝሖ ግን ዓመተ 2021 ዓመተ ክታበት ብራዚላውያን ከምእትኸውን ደጋጊሙ ይዛረብ ኣሎ።

ክሳብ ሕጂ ተኻይዱ ብዘሎ ክታበት፡ ካብ ህዝቢ ብራዚል 8 ሚእታዊት ጥራይ'ዮም ተኸቲቦም ዘለዉ።

ክኢላ ተላባዕቲ ሕማማት ኢተል ማሰል ብወገና፡ ኣብ ብራዚል መስርሕ ክታበት ኣዝዩ ዚሒሉ ከምዘሎ ብምግላጽ "በዚ ንኸዶ ዘለና ዝሕቱል ክታበት፡ ነዚ ብቅልጡፍ ዝላባዕ ዘሎ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ብውሕዱ ን20 መዓልታት ምሉእ ዕጽዋ ከድልየና'ዩ'' ኢላ።

ኣብ ብራዚል ዘሎ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ብራዚል 92 ዓይነታት ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኣዩን ካብኦም እቲ ፒ 1 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ከምዝርከቦም ሰብ መዚ ጥዕና እታ ሃገር ይጠቕሱ።

እዚ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ብቅልጡፍ ዝላባዕ ከምዝኾነ ዝተኻየዱ መጽናዕትታት ይሕብሩ።

እዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ዞባ ኣማዞን ንመጀመርታ ግዜ ምስ ተራኣየ፡ ናብ ርእሰ ከተማ እታ ዞባ ዝኾነት ከተማ ማናኡስ ቀልጡፉ ስለዝተላበዐ፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ጥሪ 2021 ካብቶም ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም እቶም 73 ሚእታዊት በዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ እዮም ነይሮም።