ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ 27 ሚልዮን ሰባት ብርቱዕ ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልይዎም ከምዘሎ ተገሊጹ

ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ 27 ሚልዮን ሰባት ንብርቱዕ ሓደጋ ጥምየት ተቃሊዖም

ምንጪ ስእሊ, AFP

ክልተ ትካላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ 27 ሚልዮን ሰባት ሕሱም ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልይዎም ከምዘሎ ገሊጸን።

እዚ ከኣ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ሓደ ሲሶ ዝሓቁፍ ኮይኑ፡ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛት እንዘይተገይርሎም እቲ ቅልውላው ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ክዓርግ ከምዝኽል እተን ትካላት ኣጠንቂቐን።

እቲ ብውድብ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን፡ ትካል መግብን ሕርሻን ዝወጸአ ጸብጻብ፡ ልዕሊ 27 ሚልዮን ዜጋታት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ህጹጽ ሰብዓዊ ሓገዛት ከምዘድልዮም ብምጥቃስ፡ ኣብ ሓንቲ ሃገር ክንድዚ ዝኣክል ብዝሒ ህዝቢ፡ ንሕሱም ጥምየት ክቃላዕን ተጸባዩ ህጹጽ ረድኤት ክኸውንን ኣብ ዓለም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ከምዝኾነ ሓቢረን።

ክልቲኤን ኤጄንሲታት ነቲ ቁጽሪ "ዘሰንብድ'ዩ" ኢለን ብምግላጽ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ዜጋታቱ ኽቅልብ ንክኽእል ሰብኣዊ ሓገዛት ክግበረሉ ጸዊዐን ኣለዋ።

ቀንዲ ጠንቂ እቲ ጥምየት እቲ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ እታ ሃገር ብብዙሓት ዕጡቃት ጉጅለታት ዝግብር ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቓዕትታት ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።

ውድብ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ትካል መግብን ሕርሻን ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ ጸብጻብ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሓፈሻዊ ቁጠባዊ ቅልውላውን፡ ህሉው ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ነቲ ዘሎ ሓደጋ ጥምየት የጋድዶ ከምዘሎ እየን ዝጠቕሳ።