መምርሒታት ኮቪድ 19 ዝጠሓሱ ሓደሽቲ ሩዋንዳውያን መርዑት ኣብ ደገ ክሓድሩ ተገዲዶም

ውጭ ያደሩት ሙሽሮች

ምንጪ ስእሊ, RwandaTelevision

መምርሒታት ኮሮናቫይረስ ጥሒስኩም ዝተባህሉ ሓደሽቲ ሩዋንዳውያን መርዑት፡ ስድርኦምን ዘሰንይዎም ዝነበሩ ዕዱማትን ብምልኦም ኣብታ መዓልቲ መርዓ ኣብ ስታድዮም ክሓድሩ ተገዲዶም።

ኩነታት እዞም መርዑት፣ ስድራን ኣጋይሽን ዕላዊ ምስኮነ፡ ሓያል ተቓውሞታት ኣስዒቡ ኣሎ።

ሓንቲ ኣብ ስታድዮም ክትሓድር ዝተገደደት መርዓት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ “ኣብ መዓልቲ መርዓይ ዘጋጠመ ሕማቕ ዝኽሪ፡ ኣብ ምሉእ ህይወተይ ዘይርሳዕ እዩ” ኢላ።

ፖሊስ ኪጋሊ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ በዓል ፋሲካ፡ ልዕሊ 20 ዕዱማት ዝነበሮም ሰለስተ መርዓታት ጠጠው ኣቢሉ እዩ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ንማዕከናት ዜና ሩዋንዳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ብዙሓት ሰባት ጓይላ (ውራይ) ብምድላው፡ ሕግታት ይጥሕሱ ኣለዉ” ኢሉ። ፖሊስ ድማ እዚ ክቕፅል ከምዘይፈቅድ ሓቢሩ።

ገለ ሰባት ግና፡ ሰብመዚ “ልዕሊ ዓቐን ብምሕላፍ” ሰባት ኣብ ስታድየም ክሓድሩ ይኣስሩ ኣለዉ ብምባል ተቓዊሞም። ካልኦት ድማ “ንዕኦም ንምውሓስ” እዩ ክብሉ፡ ንስጉምቲ ፖሊስ ንኢዶም።

ካብ ሞንጎ እቶም ብመገዲ ትዊተር ተቓውሞታቶም ዝገለጸት ስነ-ጥበባዊ ክላሪሰ ካራሲራ፡ “እዚ ተግባር ሰብኣውነት ዝጎደሎ እዩ። ነቶም መፃምድን ደቆምን ድማ ንዝንተኣለም ዝነብር ስቓይ እዩ” ኢላ።

ሩዋንዳ ኮቪድ-19 ንምምካት ትወስዶም ዘላ ስጉምትታት፡ ብማሕበረሰብ ዓለም ናእዳ ረኺቡ'ዩ።

ነጠፍትን ተቓወምትን እታ ሃገር ግና፡ ኣብ ተግባራውነት፡ ሰብኣዊ ግህሰታት ይፍፀም ኣሎ ብምባል ይኹንንዎ። ኣብ ሩዋንዳ፡ ዛጊድ ልዕሊ 22 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉን፡ 311 ሰባት በዚ ቫይረስ ከምዝሞቱን ይግለፅ።