ግድብ ህዳሰ፡ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ኣብ ኪንሻሳ ዘካየድኦ ዘተ ብዘይስምምዕ ተበቲኑ

ግድብ ህዳሰ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን፡ ኣብ ጉዳይ ዓብይ ግድብ ህዳሰ፡ ብሸምጋልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ኪንሻሳ ከካይድኦ ዝቐነያ ዘተ፡ ብዘይስምምዕ ተበቲኑ።

ነዚ ስዒቡ ሚንስትሪ ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ “ኢትዮጵያ ሃገራዊ ረብሓኣ ኣብ ዝጎድእ ስምምዕ ከምዘይትኣቱ” ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ፡ “ፍትሓውን ምኽንያታዊ ዝኾነን፡ ናይ ሕዝን ናይ መፃእን ማይ ኣባይ ናይ ምጥቃም መሰላ ዝግድብ ዝኾነ ዓይነት ውዕሊ ኣይትፍርምን” ኢሉ፡ እቲ ሚኒስቴር።

ኣብቲ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝተኻየደን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ብተዓዛብነት ዝተሳተፋሉን ዘተ፡ ላዕለዎት ሰብመዚ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ተዘራሪቦም።

ካብ ሞንጎ እዚኦም፡ ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኣውሮጳን ኣሜሪካን ብተዓዛብነት ክቕፅላ እንክትስማማዕ፡ ሱዳንን ግብፅን ግና፡ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ መዓረ ግደ ክህልወን ንዝቐረበ ሕቶ፡ ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ፡ “ግደ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘትሕት እዩ” ብምባል እያ፡ ነዚ ሓሳብ ውድቂ ጌራቶ ዝበለ እቲ ሚኒስተር፡ እንተኾነ እቶም ተዓዘብቲ ከይዲ እቲ ልዝብ ክድግፉን፡ ሰለስቲአን ሃገራት ብሓሳብ ምስተሰማምዓ ጥራሕ ሓሳብ ክህቡን ተሰማሚዓ።

ኣብ መዛዘሚ እቲ ዘተ ብዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎን ብሕብረት ኣፍሪቃን ንዝቐረበ ረቂቕ መግለፂ፡ ኢትዮጵያ ከምዝተቐበለት ዝሓበረ መግለፂ ሚንስትሪ ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ኢትዮጵያ ፡ ግብፅን ሱዳንን ግና፡ ከምዘይተቐበልኦን፡ “ክልቲአን ሃገራት እቲ ልዝብ እወንታዊ ውፅኢት ከይህልዎ፡ ዕንቅፋት ኮይነን” ብምባል ከሲሱ።

ግብፅን ሱዳንን ብወገነን፡ ኣብ ጉዳይ ዓብይ ግድብ ህዳሰ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ የካይድኦ ዝነበረ ዘተ ብዘይውፅኢት ምብታኑ ብምግላፅ፡ ነዚ ድማ፡ ኢትዮጵያ ተሓታቲት እያ ኢለን።

ማዕኸን ዜና ሮይተርስ እውን፡ እቲ ብሱዳንን ግብፅን ዝቐረበ ሓሳብ ኢትዮጵያ ከምዘይተቐበለቶ ፀብፂቡ።

ምንጪ ስእሊ, EDUARDO SOTERAS

ሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ግብፂ፡ “እዚ ቅዋም፡ ኢትዮጵያ ብቕኑዕ ልቦና ንምሽምጋል ፖለቲካዊ ድሌት ከምዘይብላ ዘርእይ እዩ” ኢሉ።

ሚኒስተር መስኖን ማይን ሱዳን ብወገኑ፡ “እዚ ናይ ኢትዮጵያ ነቓፅ ቅዋም፡ ሱዳን ድሕንነታን ህዝባን ንምሕላው ካልእ ኣማራፂ ክትደልይ ዝገብራ እዩ” ምባሉ፡ ሮይተርስ ፀብፂቡ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ፡ ኣብዚ እንደገና ዝተጀመረ ዘተ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ከብፅሕ ዘኽእል ስጉምቲ ስለዘየለ፡ ውፅኢታዊ ክኸውን ከምዘይኽእል ገሊፁ።

ሚንስትሪ ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ኢትዮጵያ፡ ኢትዮጵያ፡ እቲ ግድብ ኣብ ምምላእ፣ ኣታሕዛ ማይን መጠን ፍሰትን ንምስምማዕ ድልውቲ ከምዝኾነትን “ክልቲአን ሃገራት ግና፡ እቲ ልዝብ ብፅሒት ማይ ኢትዮጵያ ዝግድብን ኣለና ዝብልኦ ክፍፍል ማይ ንክፀንዕ ኣብ ዘገድድ ስምምዕ እንተድኣ ዘይተበፂሑ ዝብል ቅዋም ምሓዘን” ኣብ ምርድዳእ ከምዘይተበፅሐ ሓቢሩ።

ንካልኣይ ዙር ዝካየድ ምምላእ እቲ ግድብ፡ ቅድሚ ሕዚ ብመሰረት ዝተበፅሐ ስምምዕ፡ ኣብ ዝተመደበሉ ግዘ ከምዝካየድ ከኣ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

እቲ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣብ ኪንሻሳ ንኽልተ መዓልታት ክካየድ ዝተዳለወ ዘተ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዘሰማምዕ ነጥቢ ብዘይምብፅሐን፡ ክሳብ ትማሊ ሰሉስ ንሳልሳይ መዓልቲ ከምዝቐፀለ ተገሊፁ።

እንተኾነ ብዘይስምምዕ ስለዝተበተነ፡ ኣብ ቀፃሊ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ክካየድ ትፅቢት ይግበር።

ህንፀቱ ካብ ዝጅመር ዓስራይ ዓመቱ ዘቑፀረ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምምላእ ማይን ቀፀልቲ ስራሕትን፡ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ንዓመታት ክካየድ ዝፀንሐ ሽምግልና፡ ፍረ እንከየፍረየ ክሳብ ሕዚ ቀፂሉ ኣሎ።

ኢትዮጵያ፡ ኣስታት ሓሙሽተ ቢልየን ዳላር ብምውፃእ እትሃንፆ ዘላ ዓብይ ግድብ ህዳሰ፡ ንክዛዘም 20 ሚእታዊት ይተርፎ፤ ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝኸውን ድማ ይግለፅ።

እቲ ግድብ ሙሉእ ብሙሉእ ስርሑ እንክጅምር፡ ልዕሊ 5 ሽሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ኣለዎ።

ፕረዝደንት ግብፂ ዓብደል ፋታሕ ኣልሲሲ፡ ኢትዮጵያ ትሃንፆ ብዘላ ግድብ ምኽንያት፡ ግብፂ ንትረኽቦ መጠን ማይ እንተድኣ ዝፀሉ ኮይኑ “ዝገደደ ከባብያዊ ፀገም” ክፍጠር እዩ ክብል፡ ኣጠንቂቑ እዩ።

ፕረዝደንት ኣልሲሲ "ዝኾነ ይኹን፡ ካብ ናይ ግብፂ ማይ ሓንቲ ንጣብ ክወስድ ኣይኽእልን፤ እዚ እንተኾይኑ ድማ፡ ኣብቲ ከባቢ ልዕሊ እቲ ዝግመት ዘይምርግጋእ ክፍጠር እዩ" ኢሉ።

ኢትዮጵያ፡ እቲ ማይ ኣብ ግዝኣታ ውሽጢ ንዝተርፉ ፕሮጀክታት ከምዘይትጥቀመሉ እያ ትሕብር፤ ሱዳን፡ ብፍላይ ከኣ ግብፂ ፡ ዝኾነ ዓይነት ኣብቲ ማይ ዝፍፀም ስራሕ፡ ናተን ፍቓድ እንከይረኸበ ክካየድ ከምዘይብሉ ይገልፃ።