ኣብ ትሽዓተ ወረዳታት ቄለም ወለጋ ማይን መብራህትን ካብ ዝቋረፅ ሓደ ወርሒ ሓሊፉ

ከተማ ደምቢዶሎ

ምንጪ ስእሊ, Miidiyaa Hawaasummaa

መግለጺ ስእሊ,

ከተማ ደምቢዶሎ

ኣብ ቄለም ወለጋ ደምቢደሎ ሓዊሱ፡ ኣብ ትሽዓተ ወረዳታት እቲ ዞባ ኣግልግሎት መብራህትን ማይን ካብ ዝቋረፅ፡ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ከምዘቑፀረ፡ ምምሕዳር እቲ ዞባ ንቢቢሲ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን እቲ ዞባ ኣይተ ሃምባ ረጋ፡ ካብ ደምቢደሎ ናብ ጋምቤላ ዝተዘርገሐ መስመር፡ ኣንፊሎ ኣብ ዝበሃል ቦታ ብምቁራፁ፡ ከምኡ’ውን ናይ ኤሌክትሪክ ተሸካሚ ዓንዲታት ጉድኣት ስለዝወረዶን፡ ኣብቲ ዞባ ኣገልግሎት መብራህቲ ከምዝተቛረፀ ገሊፁ።

ዋና ከተማ እቲ ዞባ ኣብ ዝኾነት ደምቢደሎ ሓዊሱ፣ ሰዩ፣ ጅማ ሆሮ፣ ጋዎ ቄቤን ያማ ሎጊ ወለልን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ካብ ሞንጎ ዝተቛረፀን ወረዳታት እየን።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ መብዛሕትኡ ቀረብ ማይ እቲ ዞባ ምስ ሓይሊ መብራህቲ ዝተትሓሓዘ ስለዝኾነ፡ ደምቢደሎ ሓዊሱ ኣብ ትሽዓተ ወረዳታት፡ ማይ ካብ ዝቋረፅ ልዕሊ ወርሑ ከምዘቑፀረ፡ ኣይተ ሃምባ ገሊፁ።

ነበርቲ ደምቢደሎን ከባቢኡን፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ካብ ከባቢኦም ርሑቕ ተጓዒዞም፡ ካብ ሩባ ማይ ቀዲሖም ከምዝጥቀሙ፣ ካልኦቶም ከኣ ማይ ዝናብ ብምዕቛር ከምዝጥቀሙ ንቢቢሲ ገሊፆም።

እኽሊ ንምጥሓን፡ ካብ ዘለውዎ ርሒቑ ናብ ዝርከብ ብነዳዲ ዝሰርሕ መጥሓን ብምኻድ ከምዘጥሕኑ ዝገለፁ እቶም ነበርቲ፡ “ኣብ ከቢድ ፀገም ኢና ዘለና፤ ንበልዖ ክንስእን ንኽእል ኢና” ክብሉ፡ ስግኣቶም ተዛሪቦም።

ምንጪ ስእሊ, Godong

መንቀሊ እቲ ፀገም እንታይ እዩ?

ካብ ደምቢደሎ ናብ ጋምቤላ ኤሌክትሪክ ንምምሕልላፍ ዝተዘርግሐ መስመር፡ “ብዕጡቓት ኦነግ ሸኔ ከምዝተቛረፀ” ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን እቲ ዞባ ይገልፅ።

“መንግስቲ ነቲ ዝተቛረፀ መስመር ንምፅጋን፡ ናብቲ ቦታ ሸውዓተ ሰብሞያ ልኢኹ ኔሩ። ግና እቶም ዕጡቓት ዋንነተን ናይቲ ዞባ ጨንፈር ቤትፅሕፈት ዝኾና፡ ዝጓዓዙለን ዝነበሩ ክልተ መኻይን፡ ሓንቲ ፒክኣፕን ሓንቲ ኣይስዙን ብምቅፃል፡ ንዕኦም’ውን ንሰለስተ መዓልቲ ዓጊቶም ወቒዐሞም፤ ኣብ ራብዓይ መዓልቲ እዮም ሰዲደሞም” ይብል፡ እቲ ሓላፊ።

እዚ ተግባር ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተፈፀመ ዝገልፅ እቲ ሓላፊ፡ እቶም ሰብሞያ ኣብ ኣንፊሎ ወረዳ፡ ኣብ ሞንጎ ዳዎ ቶፒን ያሬድን ዝበሃል ከባቢ ከምዝተጠቕዑ ሓቢሩ።

“ሕዚ እቶም ሰብሞያ ተሓቢኦም እዮም ዘለዉ፤ ንዕኦም ረኺብና ስራሕቲ እቲ ፅገና ክነቐፅል ኣይከኣልናን” ዝብል እቲ ሓላፊ፡ ብወገን ምምሕዳር እቲ ዞባ፡ ነቲ ዝተቛረፀ መስመር ንምፅጋን ድሉውነት ከምዘሎ ሓቢሩ።

ሕዚ’ውን፡ ኣብ ከም ጊዳሚን ኣንፊሎን ዝበሉ ወረዳታት እቲ ዞባ፡ ስግኣት ፀጥታ ከምዘሎ ገሊፁ።