ቅልውላው ትግራይ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፈጺምዎ ንዝተባህለ ጃምላዊ ቅትለት ሓሶት እዩ ኢሉ

ሜጀር ጀነራል መሐመድ ተሰማ

ምንጪ ስእሊ, ENA/FB

መግለጺ ስእሊ,

ሜጀር ጀነራል መሐመድ ተሰማ

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከም ዝተፈጸሙ ዝግለጽ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት 'ሓሶት' እዩ ክብል ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማ ሓቢሩ።

ዋና ዳይሬክተር ኢንዶክትሪኔሽን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማ ንመራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ትግራይ፡ እቲ ሰራዊት ንንጹሃን ብጃምላ ቐቲሉ ዝብል ናይ ሓሶት ወረ ብልኡኻት ህወሓት ዝተወሃሃደ'ዩ" ክብል መሊሱ።

ወሲኹ'ውን እቲ ሰራዊት ምክልኻል ብዝወሰዶ ስጉምቲ "ጉጅለ ህወሓት ንሓንሳብን ንሓዋሩን ከም ዝተደምሰሰ" እኳ እንተተዛረበ፤ ገለ ገለ ኣባላት እቲ ጉጅለ "ናይ ሽፍትነት ባህሪ ተላቢሶም ኣብ ገለ ከባቢታት ኣብ ህዝቢ ዝምታ ምንግልታዕን መቕተልትን ይፍጽሙ ኣለው" ክብል ከሲሱ።

በዚ ድማ እቶም ዕጡቓት ሰላማውያን ሰባት ብምጭፍጫፍ፡ እቲ ተግባር ብሰራዊት ምክልኻል ከም ዝተፈጸመ ንምምሳል ዝተፈላለዩ ተግባራት ይፍጽሙ ኣለው ኢሉ።

ፕሮግራም 'ኣፍሪካ ኣይ' ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ መርመራ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከብ ማሕበረ ዴጎ ኣብ ዝበሃል ስፍራ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ጨፍጫፍ ምፍጻሞም ዘመላኽት መረዳእታ ከም ዝረኸበ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምግላጹ ይዝከር።

በዚ'ውን ዝተፈላለዩ ኣገባባት ብምጥቃም እንተወሓደ 15 ሰባት ዝተቐትልሉ ንጹር ስፍራ ከለልይ ክኢሉ እዩ።

ብረት ዝዓጠቑን ወተሃደራዊ ክዳውንቲ ዝለበሱን ሰባት ንዘይዓጠቑ ደቂ ተባዕትዮ ናብ ሓደ ጸድፊ ብምውሳድ፡ ንገሊኦም ካብ ቐረባ ርሕቀት ብጥይት ብምቕታል ነቲ ኣስከሬናት ናብቲ ጸድፊ ክድርብዩ ዘርእይ ቪድዮ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ እዩ 'ኣፍሪካ ኣይ' ነቲ መርመራ ኣካዪዱ።

ቢቢሲ እቲ ተግባር ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ህወሓት ኣብ ኲናት ኣብ ዝርከበሉ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከብ ማሕበረ ዴጎ ካብ ዝተባህለ ከተማ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ከም ዝተፈጸመ ኣረጋጊጹ እዩ።

ቢቢሲ ኣብቲ እዋን ዝረኸቦ ጭብጥታት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምቕራብ ምላሽ እኳ እንተሓተተ፤ መንግስቲ "ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወጹ ነገራትን ክስታትን ከም ጭብጢ ክውሰዱ ኣይኽእሉን'ዮም" ብምባል "ነጻ መርመራ ንምክያድ ክልል ትግራይ ክፉት እዩ" ክብል ምላሽ ሂቡ ነይሩ።

ድሒሩ ግና ኣብ ብሪጣንያ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ፡ ፖሊስ ፌደራልን ዋና ኣኽባር ሕግን መርመራ ንምግባር ናብቲ ስፍራ ተንቀሳቒሶም ምህላዎም ዝሕብር መግለጺ ኣውጺኡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ'ውን ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ተፈጺሙ ዝበሃል ግህሰት ኣድላዪ መርመራ ተኻዪዱ እቶም ዝኣበሱ ብሕጊ ክሕተቱ ምዃኖም ሓቢሩ ነይሩ።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ እንታይ'ዩ ኢሉ?

እቲ ሰራዊት ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ህወሓት ነቲ መቕተልቲ ብምፍጻም፡ ናይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ብምድላው ሰራዊት ምክልኻል ከም ዝፈጸሞ ኣምሲሉ ብምዝርጋሕ ናይ ጠቐነ ፈተነ ከም ዝገበረ ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ፡ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ስራሓት ሚድያ ዝኾነ ብሪጋደር ጀነራል ኩማ ሚደክሳ፡ ኣብቲ ቪድዮ ዝርዝር መብርሂ ሂቡ።

በዚ መሰረት ኣብቲ ቪድዮ ዝረኣዩ ልባስ ሰራዊት ምክልኻል እኳ እንተወደዩ፡ ኣባላት ከም ዘይኮኑ ብምግላጽ እቲ ክዳውንቲ ብሓይልታት ህወሓት ከም ዝተዘምተ ተዛሪቡ።

ነዚ'ውን ንኣባላት ሰራዊት ዝወሃብ ክዳውንቲ ብዓቐኖም ዝተዳለወ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ ቪድዮ ዝረኣዩ ግና ልዕሊ ዓቐኖም ዝኾነ ልባሳት ከም ዝተኸድኑ ኣብ ኣእዳዎም ከም ዝፍለጥን እቲ ዝዓጠቕዎ ዕጥቂ ናይቲ ሰራዊት ከም ዘይኮነን ሓቢሩ።

እቲ ዳይሬክተር "እቲ ቪድዮ ናይ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ምስልታትን ስፍራታትን ብምውህሃድ ዝቐረበ ናይ ሓሶት እዩ" ብምባል፡ እቲ ቪድዮታት ብሞባይልን ብካሜራን ዝተሳእለን ዝተፈላለዩ ቦታታት ዘመልክት ምዃኑን ገሊጹ።

እቲ ናይ መጀመርታ ቪድዮ ብካሜራ ከም ዝተሳእለ ዝገለጸ እቲ ዳይሬክተር፡ ካብቲ ካልኣይ ቪድዮ ዝተፈለየ እዩ ብምባል እቲ ፍልልይ ኣብ ጎልጎልን ኣጻድፍን ዝተሳእለ'ዩ ኢሉ።

እቲ ሳልሳይ ቪድዮ ኣስከሬናት ዝረኣየሉ ከም ዝኾነን ብሞባይል ከም ዝተሳእለ'ውን ተዛሪቡ።

ብርጋደር ጀነራል ኩማ ኣብቲ ተንቀሳቓሲ ምስልታት ዝረኣዩ ዝርዝራት ብምጥቃስ ብዝተፈላለየ ንዋትን ቦታታትን ኮነ ተባሂሉ ተዳልዩ ዝተሳእለን ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ምዃኑ ሓቢሩ።

ወሲኹ'ውን ሰራዊት ምክልኻል ተሪር ናይ ትእዛዝ ሰንሰለት ዘለዎን ቁጽጽር ዝግበረሉን ብምዃኑ ነፍሲ ወከፍ ክስተት ስለ ዝፍለጥ ከምዚ ዓይነት ገበን ኣይፍጽምን እዩ ክብል ነጺግዎ።

ወተሃደራዊ ግጭት ክልል ትግራይ

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።

ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ዓትዒትዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ።

ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለ ዘይተቐበሎ ከም ዝወጽእ ኣነጺሩ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስ ተቐየረ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ።

በዚ ድማ ብልጽግና ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ፡ ህወሓት ከኣ ከም ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዶ/ር ኣብዪ ዝምራሕ ብልጽግና ደው ኢሉ።

ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከም ዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን።

እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ "ዘይሕገመንግስታዊን" "ዘይሕጋውን" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤትምኽሪ ነጺግዎ።

ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከም ዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ።

እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ'ውን፡ እታ ኣፈጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝነበረትን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ዝነበረት ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም እቲ ውሳነ ከይሓለፈ እንከሎ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ወሪዳ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ድሕሪ ምጽዳቑ ኸኣ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ብ12 ሰነ 2020 ወሲኑ።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ክልላዊ ምርጫ ከካይዶ'ኳ ብወገን ትግራይ ጠለብ ቀሪቡሉ እንተነበረ፡ ስለዝነጸጎ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ከቕውም ተገዲዱ።

ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ።

ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም።

እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።

ብወገን ህወሓት፡ ዝርርብ ክካየድ እንተኾይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕን ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክፍጠርን ዝብል ቅድመ ኵነት ቀሪቡ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ እናኸረረ ዝመጸ ምትፍናንን ወጥሪን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕን ሰፊሕን ኲናት ኣምሪሑ፡ ኣብቲ ክልል ከቢድ ቅልውላዉ ፈጢሩ ይርከብ።