ኮሮናቫይረስ፡ ዝዓበየ መወከሲ ሆስፒታል ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሕጽረት ኦክስጅን ኣገልግሎት መጥባሕቲ ደው ኣቢሉ

ኦክስጂን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ኬንያ ዝርከብ ኣብ ምብራቕ ኣፈሪቃ ዝዓበየ ሪፈራል ሆስፒታል ኬንያታ፡ ብምኽንያት ሕጽረት ኦክስጅን፡ ክህቦም መደብ ሒዙሎም ዝነበሩ ኣገልግሎታት ሕክምና መጥባሕቲ ደው ከምዘበለ ኣፍሊጡ፡፡

ሓላፊ እቲ ማእከል ጥዕና ዶ/ር ኢቫንሰን ካሙሪ፡ ግልጋሎት መጥባሕቲ ቀረብ ኦክስጅን ምስተማለአ ከምዝጅምር ገሊጹ'ሎ፡፡

ናይ ሓደጋ ግዘ መጥባሕቲ፣ ምስ ካንሰር፣ ወሊድን ኮሮረናቫይረስን ዝተተሓሓዙ መጥባሕቲታትን ኣገልግሎታትን ግን ይወሃቡ ከምዘለዉ እቲ ሓላፊ ሓቢሩ።

ብምኽንያት ምውሳኽ ብዝሒ ሓገዝ መተንፈሲ ቬንቲሌተራትን ኣገልግሎት ጽኑዕ ሕክምናን ዝደልዩ ሰባት፡ ነቲ ሆስፒታል ዘድሊ መዓልታዊ መጠን ኦክስጅን ካብ 4 ሽሕ ሊትር ናብ 8 ሽሕ ሊትር ዓብዩ እዩ፡፡

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ሚኒስተር ጥዕና ኬንያ ሙታይ ካግወ፡ እታ ሃገር ሕጽረት ኦክስጅን ኣጋጢሙዋ ከምዘሎ ኣፍሊጡ ነይሩ፡፡

ንሱ ውልቀ ሰባት፣ ሆስፒታላትን ካልኦት ትካላትን ኦክስጅን ዝሓዙ ሲሰሊንደራት ሓቢኦም ከዚኖም ክብል ወቒሱዎም እዩ፡፡

ኣብ መላእ ኬንያ ኣብ ዝርከቡ ሆስፒታላት ልዕሊ 200 ሰባት ኣብ ክፍሊ ክንክን ጽኑዕ ሕሙማት ዘለዉ እንትኾን፡ 53 ብቬንቲሌተር ዝሕገዙን 253 ድማ ብካልእ ኣማራጺ ኦክስጅን ዝረኽቡን እዮም፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኩሎም ናይ ጽኑዕ ኣገልግሎት ሕክምና ዝህቡ ትካላት ጥዕናታታ ብሕሙማት ከምዝመልኡ ዝገለጸት ኬንያ፡ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሓየለለን ከተማታት ካብን ናብን ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ብምኽልካል፡ ብኣቆጻጽራ ሰዓት እታ ሃገር ካብ ሰዓት 8 pm ምሸት ዝጅምር ሕላፍ ሰዓት ኣዊጃ እያ፡፡

ዓባይ ብሪጣንያ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ፡ ካብ ሃገራት ኬንያ፣ ፊሊፒንስ፣ ባንግላድሽን ፓኪስታንን ዝብገሱ ተጓዓዝቲ ከምዘይትቕበል ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ምግላጻ ዝዝከር እዩ፡፡