ልኡል ፊሊፕ ኣብ መበል 99 ዓመቶም ከምዝዓረፉ ቤተንግስነት ዓባይ ብሪጣንያ ኣፍሊጡ

መስፍን ኤዲንብራ

በዓልቤት ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ልኡል ፊሊፕ፡ ኣብ መበል 99 ዓመቶም ከም ዝዓረፉ ቤተንግስነት ዓባይ ብሪጣንያ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤተንግስነት ኣብ ዝሃቦ መገለጺ፡ "ግርማዊት ንግስቲ ንሞት ብዓልቤተን፡ መስፍን ኤዲንብራ ልኡል ፊሊፕ ምስናይ ዓᎁቕ ሓዘን ገሊጸን ኣለዋ።

"እቶም ልኡል ሎሚ ንጉሆ ብሰላም ኣብ ቤተንግስነት ዊንዘር ዓሪፎም።"

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን፡ "ንቁጽሪ ዘይብሎም መንእሰያት ኣርኣያ ዝነበረ'ዩ" ክብል ገሊጽዎ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ቤተንግስነት ኣብ ሚዛንን ሓጎስን ሃገራዊ ሂወትና ኣገዳሲ ትካል ኮነኑ ክቕጽል ኣብ ምቕላስ ዝሓገዘ'ዩ ነይሩ" ኢሉ።

ናይ ስኮትላንድ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኒኮላ ስተርጀን ብወገና፡ ብሞት ናይቲ መስፍን "ከምዝሓዘነት" ገሊጻ።

ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃበቶ ግብረመልሲ፡ "ብስመይን ብስም መንግስቲን ህዝብን ስኮትላንድ ዝተሰምዓና መሪር ሓዘን ንግርማዊት ንግስቲን ቤተሰበንን እገልጽ።"

እቲ ልኡል፡ ልእልቲ ኤልሳቤጥ ንግስቲ ቅድሚ ምዃና ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት፡ ኣብ 1947 እዩ ተመርዒይዋ። በዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ብሪጣንያ ንዝነውሐ ዓመታት ዝጸንሑ ንጉሳውያን መጻምድቲ ኮይኖም ኣለው።

ክልቲኦም ኣርባዕተ ክወልዱ እንከለው፡ ሸሞንተ ደቂ ደቆምን 10 ውሉድ ደቂ ደቆምን ክርእዩ በቒዖም'ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ ንሓደ ወርሒ ኣብ ሕክምና ኣትዮም ድሕሪ ምጽናሕ ካብ ሆስፒታል ወጺኦም ነይሮም።

ኣቐዲሙ ምስ ዝነበሮም ሕዱር ናይ ልቢ ጸገማት ብዝተኣሳሰር'ውን ኣብ ሓደ ኣብ ለንደን ዝርከብ ሰንት ባርቶሎመው ዝተባህለ ካልእ ሆስፒታል መጥባሕቲ ተገይርሎም ነይሩ።

ወዶም፡ መስፍን ዌልስ፡ ልኡል ቻርለስ፡ ኣብ 1948 ክውለድ እንከሎ፡ ልእልቲ ኣን ኣብ 1950፡ ልኡል ኣንድሪው ኣብ 1960፡ ልኡል ኤድዋርድ ድማ ኣብ 1964 ተወሊዶም።

ልኡል ፊሊፕ፡ ኣብ ግሪኽ፡ ኣብ ሓንቲ ኮርፉ ዝተባህለት ደሴት ብ10 ሰነ 1921 ተወሊዶም።

ኣቦኦም፡ ኣንድሪው ልኡል ናይ ግሪኽን ዴንማርክን፡ ሓዉ ንንጉስ ሄለነስ ጆርጅ ቀዳማይ ዝነበረ'ዩ።

ኣዲኦም፡ ልእልቲ ኣሊስ ድማ፡ ጓል ሹም ሊዊስ ማውንትባተንን ጓል-ጓል ንግስቲ ቪክቶርያን እያ ነይራ።