ልኡል ፊሊፕ፡ ብዓል-ቤት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልኣይቲ ኣብ መበል 99 ዓመቶም ዓሪፎም

ልኡል ፊሊፕ፡ ብዓል-ቤት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልኣይቲ ኣብ መበል 99 ዓመቶም ዓሪፎም

ኣብ 1921 ዝተወልዱ ልኡል ፊሊፕ ማዉንትባተን ኣብ ኮሌጅ መሰልጠኒ ባሕረኛታት ሕጹይ መኮነን ኣብ ዝነበርሉ ልእልቲ ኤልሳቤጥ ኣብቲ ኮሌጅ ምብጻሕ ንምግባር ምስ ከዳ እዮም ተላልዮም።

እቶም 20 ሕዳር 1947 ሓዳር ዝመስረቱ ንጉሳውያን መጻምድቲ ንልዕሊ 70 ዓመታት ኣብ ሓዳር ጸኒሖም። ኣብቲ ዝተመርዓውሉ እዋን፡ ሌተናንት ፊሊፕ ማውንትባተን ወዲ 26 ዓመት፡ ልእልቲ ኤልሳቤጥ ድማ ጓል 21 ዓመት ነይሮም። ልኡል ፊሊፕ ንንጉሳዊ ስድራ ብሪጣንያ ዘመናዊ ኣብ ምግባር ልዑል ኣበርክቶ ዝገበሩ ኮይኖም፤ ኣብ ግብረሰናይን ስፖርታውን ንጥፈታት ብዝነበሮም መብጽዓ ብፍሉይ ይዝከሩ።