ቅልውላው ትግራይ፡ “ካብ ኢትዮጵያ ኢድኩም ኣልዕሉ” ሰልፈኛታት

ሰልፈኛታት

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንተቓውሞ ዝወጽኡ ሰልፈኛታት “ካብ ኢትዮጵያ ኢድኩም ኣልዕሉ” ዝብል ጭርሖ ተሓንጊጦም ማሕበረሰብ ዓለም ካብ ዘቤታዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኢዶም ክእርንቡ ጸዊዖም።

እቲ ሰልፊ ድሕሪ እቲ ማሕበረሰብ ዓለም ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ሻቕሎት ከም ዘለዎ ምግላጹ እዩ ተኻይዱ።

እንተኾነ እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ከምቲ መጀመርታ ብመንግስታውያን ሚድያን ማሕበራዊ ሚድያን ተዋዓዊዕዎ ዝነበረን ዝተገመተን ከም ዘይኮነ ተገሊጹ’ሎ።

ነቲ ሰልፊ ዝወደቡ ኣካላት ብናይ ሓፋሽ ማሕበራት፣ ትካላት ሃይማኖትን ውድባት ፖለቲካን ዝተፈረመ ደብዳቤ ናብ ኤምባሲታት ናይ ምብጻሕ መደብ’ኳ እንተነበሮ እተን ኤምባሲታት ኣቐዲመን ስለ ዝዓጸዋ ደብዳቤ ናይ ምብጻሕ መደቦም ከም ዘይቀንዖም ተገሊጹ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ኤምባሲ ኣመሪካ ብሰንኪ እቲ ኣቐዲሙ ዝወተወደበ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንትማሊ ዓርቢ ኣገልግሎት ከም ዘይህብ ኣቐዲሙ ብሓሙስ ምግላጹ ይፍለጥ።

ኣመሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓን ካልኦት ዓለም ለኻዊ ትካላትን እቲ ሻውዓይ ወርሑ ዝሓዘ ኵናት ትግራይ ደው ክብልን ኤርትራ ወተሃደራታ ካብ ትግራይ ክትስሕብን ክጽውዑ ጸኒሖም ኣለዉ።

5.2 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ተጸባይ ህጹጽ ረድኤት ከም ዝኾነ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ተሳተፍቲ ኣካላት ናይቲ ኵናት ሰብኣዊ ሓገዛት ምብጻሕ ኣጸጋሚ ኮይኑ ከም ዘሎ ኣብ ሕቡራት ሃገራት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝኾነ ‘ኦቻ’ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ግን ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ክሲ ይነጽጎ።

“ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ብዝግባእ ይበጽሕ ኣሎ’ዩ፣ ኢትዮጵያ ዘቤታዊ ጉዳያታ ብኸመይ ክትፈትሕ ከም ዘለዋ ናይ ወጻኢ ሃገራት ማዕዳ ኣይትጠልብን” ክብል ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ተዛሪቡ።

ብሰንኪ እቲ ኵናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ዝሞቱ ኮይኖም 1.7 ሚልዮን ሰባት ድማ ካብ ቤት መረበቶም ተመዛቢሎም ኣለዉ።

ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ከኣ ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ተሰዲዶም።

መግለጺ ቪድዮ,

“ኣቦ ሓሙሽተ ደቀይ ቀቲሎሞ” ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበለት