እስራኤልን ፍልስጤምን ተኵሲ ደው ምስ ኣበላ ናብ ጋዛ ረድኤት በጺሑ

እስራኤልን ፍልስጤምን ተኵሲ ደው ምስ ኣበላ ናብ ጋዛ ረድኤት በጺሑ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ዕጡቓት ፍልስጤምን ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ተኵሲ ደው ምብል፡ ፈላሞት ሰብኣዊ ረድኤት ዝጽዓና መካይን ናብ ጋዛ ኣትየን።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብኣሽሓት ዝግመቱ ፍልስጤማውያን ናብ ገዛውቶም ይምለሱ ከም ዘለዉ ተገሊጹ።

ብሰንኪ እቲ ኵናት ዝዓነዉ መንበሪ ኣባይቲ ዳግማይ ንምጽጋን ግን ዓመታት ክወስድ ከም ዝኽእል ሰበ ስልጣን ፍልስጤም ገሊጾም።

ውድብ ጥዕና ዓለም ብግዲኡ ዝቖሰሉ ሰባት ናብ ካልእ ቦታ ንምዝውዋር መገድታት ክኽፈት ጸዊዑ'ሎ።

ወሃቢት ቃል ውብድ ጥዕና ዓለም ማርጋሬት ሃሪስ፡ እቲ ግዝኣት ብቁሱላት ከም ዘዕለቕለቐ ብምግላጽ እቲ ከባቢ ንቀረብ መድሓኒትን ሰብ ሞያ ጥዕናን ክፉት ክኸውን ኣለዎ ኢላ።

ኣብቲ 11 መዓልትታት ዝወሰደ ኵናት ልዕሊ 250 ሰባት ከም ዝሞቱ ዝተገለጸ ኮይኑ መብዛሕቲኦም ደቂ ጋዛ ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ።

እስራኤል ኮነት ሓማስ ናይቲ ኵናት ተዓወትቲ ከም ዝኾኑ እዮም ዝገልጹ።

ነበርቲ ደቡባዊ እስራኤል በቲ ግዝያዊ ተኹሲ ደው ኣብል ስምምዕ ሓጎሶም ይገልጹ'ኳ እንተለዉ ገለ ሰባት ግን ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ካልእ ግጭት ምልዓሉ ኣይተርፎን ብዝብል ሻቕሎት ኣለዎም።

እስራኤል መሳገሪ መገዲ ከረም ሻሎም ዳግም ስለ ዝኸፈተቶ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ከምኡ'ውን ምስ ሕቡራት ሃገራት ቅርበት ዘለዎም ትካላት ረድኤት መድሓኒት፣ መግብን ነዳድን ዝጽዓና መካይን ናብ ጋዛ ኣብጺሖም።

ዕጥቛት ሓማስ ካብ ዝቖጻጸርዎ ግዝኣት ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ከም ዝተመዛበሉን ልዕሊ 800 ሽሕ ድማ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ከም ዘይብሎም ሴቭ ዘ ችልድረን ኣፍሊጡ።

ሰበ ስልጣን ፍልስጤም ንዳግመ ህንጸት ብሚልዮናት ዝቑጸር ገንዘብ ከም ዘድሊ ይገልጹ።

ናብ ገዛ ዝግበር ምንቅስቓስ ሰባት ኮነ ኣቑሑት ብናይ እስራኤልን ግብጽን ድልየት ዝተደረኸ እዩ ነይሩ።

ምኽንያቱ ድማ ክልቲኤን ሃገራት በቲ መገዲ ኣቢሉ ናብ ሓማስ ኣጽዋር ኵናት ክሰግር ይኽእል እዩ ዝብል ሻቕሎት ስለ ዘለወን እዩ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ፍልስጤም፡ ቀንዲ ዋኒኑ ነቶም ተመዛበልቲ መሚኻ ዘድልዮም ሓገዝ ምግባር ከም ዝኾነ ብምግላጽ ንዘካይዶ ስራሕቲ 38 ሚልዮን ዶላር ህጹጽ ሓገዝ ገንዘብ ከም ዘድልዮ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትሪ መንበሪ ኣባይቲ ጋዛ ብቕድሚ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ 1800 ገዛውቲ መጠናዊ ጽገና ከም ዘድልዮምን ሓደ ሽሕ ገዛውቲ ድማ ከም ዝዓነዉን ዕላዊ ገይሩ።

"ክልተ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ኵናት ዝዓነወ ነገር ንምጽጋኑ ዓመታት ምናልባት'ውን ዓሰርተ ዓመታት ክወስድ ይኽእል'ዩ" ክብል ኣብ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ሓላፊ ማእኸላይ ምብራቕ ፋብሪዝዮ ካርቦኒ ገሊጹ።

ሰሚራ ዓብደላ ናስር ብሰንኪ እቲ ኵናት ኣብ ጥቓ ቤት ሃናዉን ዝርከብ ገዛውታ ብከቢድ መሳርሒ ተወቒዑ ከምዝፈረሰ ገሊጻ።

"ናብ ገዛውትና ተመሊስና ኣለና፣ እንተኾነ ግን ኮፍ እንብለሉ መጸግዒ'ኳስ የብልናን፤ ማይ፣ መብራህቲ፣ ዓራት ኮነ ካልኦት ነገራት የብልናን። ኮይኑና ናብ ዝዓነዉ መንበሪ ኣባይትና ኢና ተመሊስና ዘለና" ክትብል ንሮይተረስ ሓቢራ።

ካልእ ነባሪ ኣዝሃር ናስር ንኣሶሽየትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል "ከምዚ ዝበለ ዕንወት እንትርኢ ኣብ ህይወተይ ንፈለማ እዋን'ዩ" ኢሉ።

ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን ዘጋጠመ ጎንጺ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት 10 ዝተጀመረ ኮይኑ ዛጊድ ብውሕዱ 248 ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።

ካብዚኣቶም እቶም 100 ሰባት ነበርቲ ጋዛ ኮይኖም ቆልዓ ሰበይቲ ዝርከቦም ከም ዝኾኑ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ዕላዊ ዝገበሮ መረዳእታ የመልክት።

እስራኤል 225 ዕጥቛት ሓማስ ከም ዝቐተለት ክትገልጽ እንከላ ሓማስ ኣብ ልዕሊ ዕጥቛቱ ዘጋጠመ ጉድኣት እንታይ ከም ዝኾነ ዕላዊ ኣይገበረን ኣሎ።

ኣብ እስራኤል ድማ ክልተ ህጻናትን ሓደ ወተሃደርን ዝርከቦም 13 ሰባት ከም ዝሞቱ መረዳእታ ሓካይም የመልክት።