ኤርትራ፡ "ዓዲ ክንሃንጽ ኣይኮንነን ነቲ ዝነበረ'ውን ክንዕቅቦ ኣይከኣልናን" ዶክተር ተስፋማርያም

ዶክተር ተስፋማርያም መሓሪ

ዶክተር ተስፋማርያም መሓሪ፡ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ድሕሪ ምምረቕ፡ ካብ 1988 ክሳብ 1992 ንኣርባዕተ ዓመት ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ከም መምህር ናይ ስነ-ቁጠባ ኮይኑ ሰሪሑ። ኣብ 1993 ሓደ ዓመት ንሃገሩ ድሕሪ ምግልጋል ናይ ትምህርቲ ዕድል ረኺቡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብምኻድ 'ብማክሮ ኢኮኖሚከልስ ካልኣይ ዲግሪ ሒዙ፡ ነዚ ስዒቡ ኣብ 1998 ምስ ምጅማር ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ሊቨርፑል ብዶክትረይት ተመሪቑ።

"መጽናዕታዊ ጽሑፈይ ቁጠባዊ ሕብረት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ'ዩ ዝብል ነይሩ" ዝብል ዶክተር ተስፋማርያም መሓሪ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ኖቲንግሃም፡ ሊቨርፑል፡ ሎንዶን ግሪንዊች ከም መምህር ኮይኑ ዝሰርሐ ኮይኑ፡ ኣብቲ ንሱ ዝምህረሉ ዘሎ ዩኒቨርስቲ ሎንዶን፡ ዳይረክተር ዓለምለኻዊ ሽርክና ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ።

ብምኽንያት መበል 30 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ኣመልኪትና ንቁጠባዊ ኩነታት ኤርትራ ኣመልኪቱ ምስ ዶክተር ተስፋማርያም መሓሪ ዝገበርናዩ ቃለ መሕተት ይስዕብ።

ቢቢሲ፡ ቁጠባ ሓንቲ ሃገር ዱልዱሉን ድኹምን ንክብሃል እንታይ ረቋሒታት ኣብ ግምት ኣትዩ'ዩ ሚዛን ዝውሃቦ? ኣብዚ ረቋሒ እዚ ተሞርኲስና ቁጠባ ኤርትራ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣሎ ክንብል ንኽእል?

ዶክተር ተስፋማርያም፡ ቁጠባ ናይ ሓንቲ ሃገር ምዕቡል ወይ ድኹም ንኽንብሎ፡ ምስ ምምዕባለ ብቐጥታ ዝተኣሳሰር እዩ፡ ስለዚ ሓንቲ ሃገር ምዕብልቲ እያ ክንብል እንተኾይንና በቲ ዝቀለለ መንገዲ ንምግላጹ፡ ሓንቲ ሃገር ማዕረ ክንደይ ንዜጋታት ውሕስነትን ምርጫ ትህብ ብዝብል እዩ ዝግለጽ።

ቁጠባ ናይ ሓንቲ ሃገር ውሕስነት ናይ መግቢ ይህብዶ? ውሕስነት ናይ ህይወት ይህብዶ? ዝብል ረቋሒታት እቲ ዝተሓተ ኮይኑ ከምኡ እናበለ ቀረባት ሕክምና፡ ትምህርቲ፡ ትሕተ ቅርጺ እናበለ ይዓቢ፡ ብሓፈሻ ግን ሓንቲ ሃገር ምዕብልቲ ንኽንብላ በቲ ንሳ ንዜጋታታ ትህቦ ምርጫ እዩ ዝምርኮስ።

ኣብዚ ተሞርኵስና ቁጠባዊ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣሎ ክንብል እንተኾይንና፡ ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ዝበልዖ፡ ዝሰትዮ፡ ዝንቀሳቐሶ ይመርጽዶ ወይ ከም ምርጭኡ ይኸውንዶ እንተኢልና 'ኣይፋል' እዩ እቲ መልሲ።

ቢቢሲ፡ ቁጠባ ሃገራት ክግለጽ እንከሎ፡ ዓመታዊ ጃምላዊ እቶት ወይ GDP ዝብል ቃል ብተደጋጋሚ ክጥቀስ ይስማዕ እዩ፡ቅልል ብዝበለ መንዲ ጂዲፒ እንታይ እዩ?

ዶክተር ተስፋማርያም፡ ጂዲፒ ወይ ዓመታዊዊ ጃምላዊ እቶት ወይ ፍርያት ክንደይ እዩ ተባሂሉ ንብዝሒ ህዝቢ ናይታ ሃገር ምስ ተመቐለ እቶት ብነብሲ ወከፍ ዜጋኣ ይፍለጥ ማለት እዩ።

ሓደ ሓረስታይ ዓመት ሓሪሱ ዘእትዎ ፍርያ ንገሊኡ ንሱ ምስ ስድርኡ ኮይኑ ክበልዖ'ዩ፡ ገሊኡ ኸኣ ናብ ዕዳጋ ብምኻድ ሸይጡ እቲ ኣብ ግራቱ ከፍርዩ ዘይክኣለ ክሽምተሉ እዩ፡ ናይ ሃገር'ውን ብተመሳሳሊ በዚ ክርአ ይክኣል እዩ።

ቢቢሲ፡ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራትከ ቁጠበኣን ኣብ ምንታይ እንተተሞርኮሰ እዩ ዕዉት ኮይኑ ክወጽእ ዝኽእል?

ዶክተር ተስፋማርያም፡ ምስኣ ኣቐዲምና ኣልዒልናያ ዝነበርና ኣተሓሒዘ ክምልሳ፡ ቁጠባ ሓንቲ ሃገር በቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈሪ ክልካዕ ይክኣል እዩ። ካልእ መለክዒ ኸኣ GNP ዝብል ኣምር'ውን እቲ ካልእ መግለጺ ኮይኑ እዚ ሓንቲ ሃገር ብናታ ጸጋታት ኣብ ምሉእ ዓለም ዝፈሪ እቶት ዝልክዓሉ እዩ።

ዋላ እኳ ብምርጭኡ ኣይኹን፡ ኤርትራዊ ኣብ መላእ ዓለም'ዩ ፋሕ ኢሉ ዝርከብ፡ ስለዚ እቲ ኤርትራዊ ኣብ ፈቀዶ ሃገራት ኮይኑ ዘፍርዪ ዘሎ ፍርያት እንተርኢናዩ ሓደ ስእሊ ክህበና ይኽእል።

ኣብ ኤርትራ እቲ ካብ ደገ ናብ ስድራ ዝስደድ ሰልዲ (ረሚታንስ) ምስቲ ኣብ ሃገር ዝፈሪ ተሓዊሱ እዩ ዓመታዊ ፍርያት ናይታ ሃገር ክልካዕ ዝከኣል፡ ካብዚ ብምብጋስ ዝዓበየ ክፋል ቁጠባ ኤርትራ ኣብ 'ረሚታንስ' ዝተጸገዐ ምዃኑ ክንርዳእ ይክኣል እዩ።

ቢቢሲ፡ ኤርትራ ካልእ ቁጠባዊ ሕርያ ስለዝተሰኣነ ድያ ኣብ 'ረሚታንስ' ተሞርኵሳ ዶ ዋላስ ዘይተመዝመዘን ዘይተሰርሐን ስለዘሎ እዩ?

ዶክተር ተስፋማርያም፡ ከም ግቡእ ድልዱል ቁጠባ ክትሃንጽ እነተኾይንካ እቲ ዝዓበየ ክፋሉ ኣብ ሃገር ምስ ዝፈሪ እዩ፡ ንኣብነት ኣነ ካብዚ ዝሰዶ ሰልዲ ኣብ ሰናይ ፍቃድ ናይታ ኣነ ዝነብራ ሃገር እዩ ዝምርኮስ። ብወገን ኤርትራ'ውን እቲ ናቅፋ ኣብ ኢዱ ስለዝኾነ መጠነ ሸርፊ ከምድላዩ ክገብሮ ይክእል እዩ. ኣብ ውሽጢ ሃገር ማሕለኻታት ዝበዝሖ ቁጠባዊ ስርዓት ስለዘሎ ግን እቲ ንቁጠባ ክቅልስ ዝግብኦ ኣውፋሪ ኮነ ህዝቢ ተሓሊኹ እዩ።

ቢቢሲ፡ ብዙሓት ሃገራት ንባሕራዊ ትሕቶን ወደብን ከም ዓንዲ ሕቖ ቁጠበኣን ገይረን ክሰርዐኦ ይርኣያ እየን? ኤርትራ ንዓቕሚ ወደባታ ኣብ ዝሓለፈ ሰላሳ ዓመታት ናጽነት መዝሚዛቶዶ ትብል? ብሕጂኸ እንታይ ክግበር ይከኣል?

ዶክተር ተስፋማርያም፡ ሕማቅ ዕድል ኮይኑ ኤርትራ ምስቲ ናጽነታ ጸጋታታ ክትረብሓሉ ዘይክኣለት ሃገር እያ፡ ቁጠባ ኤርትራ ካብ ባሕርና ብመንግዲ ወደባዊ ኣገልግሎት፣ ቱሪዚም፣ ባሕራዊ ትሕዝቶን [ዓሳን ክልእን] ክንረብሕ ንኽእል ነይርና ኢና፡ እንተኾነ እዚ ክግብር ኣይተኸኣለን።

እቲ ቀንዲ ምኽንያት ኸኣ ፖሎቲካና ስለዘይተዓራረየ'ዩ፡ ምስ ጎረባብትና'ውን ኣብ ረጽሚ ስለዝኣተና ብጀካ እተን ድሕሪ ናጽነት ዝነበራ ሽዱሽተ ሸውዓተ ዓመት ዝተረፈ ዝባኸነ ግዜ ኮይኑ'ዩ ሓሊፉ።

ነቲ ባሕርና ንኽንጥቀመሉ ኣብ ኤርትራ ብዝምዕብል ኢንዱስትርያዊ ፍርያት ንኤርትራ ዓባይ ዕዳጋ ምግባራ ይከኣል ነይሩ። ኣይተገበረን። ካልኣይ ኤርትራ ንኢትጵያን ብፍላይ ሰሜናዊ ክፋል፡ ንደቡባዊ ምብራቃውን ሱዳን ቀንዲ ውሃቢት ኣገልግሎት ወደብ ኮይና ኣፍደግኤን ክትከውን ትኽእል ነይራ'ያ እዚ'ውን ኣይተገበረን። ስለዚ ብሕጂ'ውን እዚ እንተተገይሩ'ዩ ኤርትራ ካብ ባሕራዊ ትሕዝቶን ካብ ወደባታን ክትከስብ ትኽእል።

ቢቢሲ፡ ኣብ ዓለም ካብ ናይ ወደብ ኣግልግሎት ብዝረኽብኦ ኣታዊታት ቁጠበኣን ዝሃነጻ ሃገራት ብዓል መን ከም ኣብነት ክንጠቅስ ንኽእል?

ዶክተር ተስፋማርያም፡ ብዙሓት ክጥቀስ ይከኣል እዩ፡ ምዕባለ ሲንጋፖር ሓደ ካብኡ'ዩ፡ ዱባይ'ውን ብተመሳሳሊ ወደባታ'ዩ ናብ ትሩዚም ኣምሪሕዋ። ሰብ ሰልዲ ኣብታ ሃገር ከይዶም ከምዝሕሽሹ ገይራቶም ዘላ። ጁቡትን ግብጽን'ውን ካብ ጎረባብትና ክንጠቅስ ንኽእል ኢና።

ቢቢሲ፡ ኤርትራ ዘለዋ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣን ከምቲ ዝገዝእዋ ዝነበሩ ሓይልታት ገይሮም ዝኸሰብሉ ኣይረበሐትሉን ይብሃል እዩ? ብሓቂ ኤርትራ ዘለዋ ስትራተጂካዊ ኣቐማምጣ ብዓይኒ ቁጠባ ተባሃጊ ድዩ?

ዶክተር ተስፋማርያም፡ ኣዝዩ! እዚ ባሕሪ እዚ መሰረት ምዕባለ ናይ ህዝቢ እዚ ከባቢ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። እቲ ቅድሚ ሃገራት ምምስራተን ዝነበረ ኣኩሱማዊ ምዕባለ ከምኡ'ውን ናይ ኣዶሊስ ምዕባለ፡ ቁጠብኡን ንግዳዊ ነጥፈታቱን ኣብ ባሕሪ ዝተመርኮሰ'ዩ ነይሩ። እዚ ቅድሚ 1500 ዓመታትን ቅድሚኡን ዝነበረ እዩ።

እቲ ቀደም ኣበርክትኡ ተፈሊጡ ኣብ ረብሓ ዝወዓለ ባሕሪ'ዩ ኣብዚ ዘበናዊ ግዜ ቃዲሩ ዘሎ። ባጽዕ ልክዕ ክምዚ ሕጂ ዱባይ ኢልና ንጠቅሳ ዘለና፡ ኣብዚ ዞባ ኣዝያ ጽልዋ ዝነበራ ወደብ እያ ነይራ።

እዚ መስመር እዚ ንገዚፍ ቁጠባ ኤስያን ኣውሮጳን ዘራኽብ መስመር እዩ፤ ስትራተጂካዊ ከም ምዃኑ መጠን ጠመቲ'ውን ክብዝሕዎ ንቡር እዩ። ስለዚ ንኹሉ ነዚ ዝቅልስ ዓለም ኣብቲ መስመር ናይ ቀይሕ ባሕሪ ውሕስነት ዝህባ ሓደ ጽፉፍ ፖሎቲካዊ ኣካይዳ ክህልወና የድሊ።

ቢቢሲ፡ ኤርትራ ነቲ 'ኢንትርናሽናል ዋተር ላይን' ከተማሓድሮ ወይ ጸጥትኡ ከተውሕስ የጸግማ ድዩ'ሞ?

ዶክተር ተስፋማርያም፡ ከተማሓድሮ ኣይትክእልን እያ። ከተማሓድሮ'ውን ኣይግብኣን'ዩ፡ ዓለምለኻዊ መንገዲ እዩ። ኒል [ናይል] ከም ኣብነት ክንወስድ ንኽእል ኢና። ካብ ኢትዮጵያን ካብ ብዓል ኡጓንዳን'ዩ ዝብገስ፡ ኢትዮጵያ ይኹን ኡጓንዳ ኣብ ውሽጢ ዓደን ኮይነን ዝገብርኦ ነገራት ንግብጺ ዘይክምልከታ ይኽእል እዩ፡ ንዓኣ ብመንግዲ እቲ ንሳ ትምርኮሰሉ ፈለግ ኒል ዝጸልዋ እንተኾይኑ ግን ግድን'ዩ ክምልከታ፡ እዚ ናይ ባሕሪ ጉዳይ'ውን ብኸምኡ መልክዕ ንርኣዩ።

ቢቢሲ፡ ልዕሊ 100 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ጎሮቤት ኤርትራ ዝኾነት ኢትዮጵያ ወደብ ኣልቦ ከም ምዃና መጠን ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ካብ ቀረብ ኣገልግሎት ወደብ ክትከስቦ ትኽእል ዝነበረት ኣታዊታት ክትመን ይክኣልዶ?

ዶክተር ተስፋማርያም፡ ሓደ እዋን [ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር] መለስ ዜናዊ ኣብ ኣመሪካ ከይዱ ምስ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ "ንምንታይ ኢና ወደብ ዓሰብ ዘይንጥቀም?" ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ ንሱ ምስቲ ዝነበረ ኵናት ብምዝማድ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ገንዘብ እዩ ዘድልዩ፡ መታን ገንዘብ ከይረክብ ኸኣ ጅቡቲ ንጥቀም ኣለና ዝብል መልሲ እዩ ሂቡ።

እዝን ክምዚ ዝኣመሰለን ኣሉታዊ ፖሎቲካ እዩ ጸኒሑ።

ንወደብ ቀንዲ ጎሮሮ ህዝቢ፡ መስመር ምዕባለ እዩ ኢልካ ምግላጽ፡ ዕብላለኻ ንምርኣይን መፍደዩ ሕነን ገይርካ ትሓስቦ እንተኾይንካ፡ ንኹልኻ ዘብርስ እዩ።

ብኣሃዝ እኳ ክንድዚ ኢልካ ምግላጹ ዘጸግም እንተኾነ ክልቲኤን ሃገራት ቢልዩናት ዶላራት እየን ከሲረን። እዚ በቲ ወደባዊ ኣግልግሎት ጥራይ ሓጺርና ከይርኣና፡ እቲ ወደብ እንተዝሰርሕ ነይሩ ከምጽኦ ዝኽእል ዝነበረ ቁጠባዊ ምዕባለን፡ ሰብ ኣታዊታት እናወሰኸ ክኸይድ እንከሎ መንግስቲ ክረኽቦ ዝኽእል ዝነበረ ኣታውን እንተወሲኽካሉ ኸኣ እቲ ዝተኸሰረ ዕድላት ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምዃኑ ይበርሃልካ።

ቢቢሲ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ኢትዮጵያ ቁጠባዊ ሕብረት ዝብሃል ሓሳባት ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ምሁራት ኢትዮጵያውያንን ብተደጋጋሚ ክዝረብ ይስማዕ እዩ፤ እዚ ንኤርትራ የርባሓዶ ዋላስ ናብቲ ናይ ሓምሳታት ዝነበረ ፈደሬሽን ክመልሳ ይኽእል? እዚ ዝብለሉ ዘለኹ በዚ መልክዕ ዝጥምትዎ ብዙሓት ሰባት ስለዘለዉ'የ።

ዶክተር ተስፋማርያም፡ ፖሎቲካን ቁጠባዊ ረብሓን ዝመላላእ እኳ እንተኾነ ፈላሊና ምርኣይ ከድልየና እዩ። ቁጠባዊ ሕብረት ክብሃል እንከሎ ሓደ ዘይነበረ ሕጂ ዝፍጠር ዘሎ የስምዕ እንተኾነ ቁጠባና ካብ ቀደም ሕቡር እዩ። ዋላ ቅድሚ ጣልያን ምምጽኡ'ውን ሓደ ቁጠባ ዝነበሮ ህዝቢ እዩ።

ብሃይማኖት፡ ብቁጠባ፡ ብማሕበራዊ ኣነባብራን ብጥንታዊ ምዕባለን ብዙሕ ሕብረት ዝነበሮ ከባቢ እዩ። ኣነ ብውልቀይ፡ ኣይኮነንዶ ቁጠባ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብኡ ንላዕሊ እንተሰፈሐ'ውን ደጋፊኡ እየ።

እንተኾነ ምስ ጎረባብቲ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ሽርክነት መራሕቲ ስለዝተሰማምዑ ወይ ስለዝተዓራረኹ ዘይኮነ ብድሌት ህዝቢ፡ ንዕኡ ዝውክል ሃገራዊ ባይቶን ንኹሉ ዘማእክል ቅዋምን እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ እዚ እቲ ቀንዲ ነጥቢ እዩ።

እዚ ከይተማለአ ዝግበር ነገራት ግን ኣቐዲምና ውጽኢት ከምዘየምጽእ ተመክሮ ስለዘለና ካብኡ ክንምሃር ይግባእ።

ናብ ሓደ ቁጠባዊ ውህደት ክትኣቱ እንተኮይንካ፡ እቲ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝግበር ፖሊሲ ነተን ካልኦት ምሳኻ ኣብ ቁጠባዊ ሸርክና ዝኣተዋ ሃገራት ክጸልወን'ዩ።

ስለዚ ፖሊሲ ክትነድፍ እንከለኻ ነተን መሻርኽትኻ ሃገራት ኣብ ግምት ብምእታው ኢኻ ትነድፎ ስለዝኾነ ኸኣ'ዩ ቁጠባዊ ውህደት ምሽራኽ ልኡላውነት (Sharing of sovereignity) ተባሂሉ ዝግለጽ።

ናጻ ምልውዋጥ ዕዳጋ ክህልወካ እንተኾይኑ እንታይ ዓይነት መጠን ሸርፊ እዩ ክህልወካ ሓባራዊ ምርድዳእ ክህልወካ የድሊ እዩ፡ ኣይኮነን ግን ኣብታ ሓንቲ ኣዝዩ ክቡር ኣብታ ሓንቲ ኸኣ ኣዝዩ ሕሱር እንተኾይኑ ንዕሩይ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ።

ከምዚ ሃገራት ኣውሮጳ ዝወሰነኦ ሓደ ዓይነት ባጤራ ክህልወካ ምውሳን ኸኣ ሓደ ኣማራጺ ኮይኑ ክውሰድ ይከኣል እዩ።

ቢቢሲ፡ ኤርትራውያን ኣውርቲ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃን ሃገራት ምዕራብን ፋሕ ኢሎም እዮም ወፍሪ ኣብ ምክያድ ዝርከቡ፡ እዚ ጸጋ ንዋትን ዓቕሚ ሰብን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኑ ከይሰርሕ ዝዓግቶ ነገር እንታይ እዩ ? ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ንኸውፍርከ መንግስቲ እንታይ'ዩ ክገብር ዘለዎ?

ዶክተር ተስፋማርያም፡ እዛ ሕቶ እዚኣ ዝኾነ ኤርትራዊ ክምልሳ ዝኽእል ሕቶ እያ፡ ፖሎቲካና ስለዝተዘረገ እዩ። ኣብ ኤርትራ ኣይኮነን ከነውፍር ረጊእና ክንነብር'ውን ዕድል ኣይረኸብናን።

ብኽንደይ መስዋእቲ ዝተረኸበ ናጽነት ኤርትራ ዝሓሸ ራህዋ፡ ዝሓሸ ቅሳነት ዝሓሸ ምዕባለ ከምጽእ እዩ ነይሩ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ዘጋጠመና ግን ተገላቢጦሽ'ዩ።

ኤርትራዊ ንውሕስነት ናይ ህይወቱ ምርግጋጽ ስኢኑ፡ ኤርትራዊ ናብታ ዓደይ ዝብላ ሃገሩ ንምኻድ ዓሰርተ ግዜ ዝሓስበሉን ነግ ፈረግ ዝብልን ሰብ ኮይኑ።

ካብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት እቲ ዝገዘፈ ክፋሉ ናይ ራዕዲ እዋን እዩ ኮይኑ ሓሊፉ። ውሕስነት ናይ ህይወት ኣብ ዘይብላ ሃገር ውሕስነት ናይ ወፍሪ ክትረክብ ኸኣ ዘይሕሰብ እዩ። ብሰንኪ እዚ ብዙሓት ሰብ ርእሰ-ማል ካብ ሃገር ወጺኦም ኣብ ካልኦት ሃገራት ወፍሪ ከካይዱ ተገዲዶም።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ እቲ ኣብ ዓደይ ወፍሪ ከካይድ እየ ኢሉ ዘለዎ ጠቕሊሉ ናብ ኤርትራ ዝኸደ ከሲሩ ጥራይ ኢዱ እዩ ተመሊሱ።

እቲ ኣብ ማላእ ዓለም ፋሕ ኢሉ ዘሎ ኤርትራዊ ዘሳልጦ ዘሎ ስራሕ ርኢኻ ትሕጎስ፡ ኣብ ውሽጢ ህዝቡን ሃገሩን ዘይምዃኑ ምስ ዘከርካ ኸኣ እቲ ዝተኸሰረ ዕድላት ዝያዳ የሕምመካ።

ጣልያን ንኣስመራ ከተማዊ ቅርጺ ኣትሒዙ፡ ካብ ባጽዕ ኣስመራን ካልእን ዝተዘርገሐ ጽርግያታት፡ ገለራይታት ዘለዎ መንግዲ ባቡር ኣብ 30 ዓመታት ዘይመልእ ግዜ እዩ ሃኒጽዋ።

ናጽነትና 30 ዓመታት ገይሩ ኣሎ። ዓዲ ክንሃንጽ ኣይኮንናን ነቲ ዝነበረ'ውን ክንዕቅቦ ኣይከኣልናን። ብዙሕ ነገራት እዩ ተኸሲሩ ነዊሕ ግዜ እዩ ጠፊኡ።

ሕጂ'ውን ቅዋምና እንተተኺሉ፡ ባይቶና እንተቆይሙ፡ ልዕልና ሕጊ እንተተኸቢሩ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ገደብ እንተተገይርሉ ዘይዕረ ነገር የለን።

ቢቢሲ፡ ኣብ መወዳእታ ክትብሎ ትደሎ ነገር እንተሃልዩ ዶክተር ተስፋማርያም

ዶክተር ተስፋማርያም መሓሪ፡ 30 ዓመታት ነዊሕ ግዜ እዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ስሩዕን ምዕቡልን ናይ ገዛእ ርእሱ ሕግታታት ዝነበሮ ህዝቢ እዩ።

እዚ ህዝቢ እዚ ብቀደሙ ዲሞክራስያዊ ዝነበረ ህዝቢ እዩ፡ ብዘይ ፖሊስን መንግስትን ክነብር ዝኽእል ህዝቢ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ግን ኤርትራዊ ንኤርትራዊ ዝፈርሓሉ፡ ኤርትራዊ ኵሊቱ ዝተሸጠሉ ኣብ ባሕሪ ዝጠለቐሉ ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ፋሕ ዝበለሉ ግዜ እዩ ኮይኑ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነዚ መበል 30 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ከም ዕድል ተጠቒሙ ንህዘቡ ኤርትራ ክድብሶ ኣለዎ ይብል። እታ ደብስ ኸኣ ምሕረት ምእዋጅ እያ።

ቢቢሲ፡ የቐንየልና ዶክተር