ክታበታት ፒፋይዘርን ኣስትራዘኔካን ዓሌት ኮሮናቫይረስ ህንዲ ኣብ ምክልኻል ውጽኢታዊ ተባሂሎም

ክታበታት ፋይዘርን ኣስትራዘኔካን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ክልተ ዙር ክታበታት ፒፋይዘርን ኣሰትራዘኔካን፡ ኣንጻር ዓሌት ኮሮናቫይረስ ህንዲ ውጽኢታዊ ከምዝኾኑ መጽናዕቲ ሓቢሩ።

ብኡ መሰረት፡ ክልተ ብልቃጥ እዞም ክታበታት፡ ክንድቲ ኬንት ንዝተባህለ ዓሌት ዝከላኸልዎ፡ ነቲ ኣብ ህንዲ ዝተረኸበ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ምክልኻል ይኽእሉ እዮም።

ኮይኑ ግና ሰለስተ ሰሙናት ድሕሪ ፈላማይ ዙር ክታበት፡ ክልቲኦም ክታበታት 33 ምኢታዊት እቲ ሓድሽ ዓሌት ህንዲ ጥራሕ እዮም ምክልኻል ዝኽእሉ ነይሮም።

እዚ ድማ ምስቲ 50 ምኢታዊት ንዓሌት ኬንት ናይ ምክልኻል ዘለዎም ዓቕሚ እንትነጻጸር ዝነኣሰ እዩ።

ነቲ መጽናዕቲ ዘካይድ ዘሎ ጉዳይ ጥዕና እንግሊዝ፡ እቶም ክታበታት ቁጽሪ ናብ ሆስፒታል ዝኣትዉን ዝሞቱን ሰባት ናይ ምጉዳል ተኽእሎ ከምዝህልዎም እውን ገሊጹ፡፡

እቲ ውጽኢት ምርምር ነቲ መንግስቲ እንግሊዝ ካብ 21 ሰነ ጀሚሩ ናይ መወዳእታ ደረጃ ዕጽዋ ንምፍኳስ ዝሓዞ መደብ እምት ከምዘሕደረሉ ዝገለጸ ጸሓፊ ጉዳይ ጥዕና ማት ሃንኮክ ፡ ክልቲኡ ዙር እቶም ክታበታት ምውሳድ ጠቓሚ ከምዝኾነ እቲ መረዳእታ ከምዘመልክት ጠቒሱ፡፡

ድሕሪ ካልኣይ ዙር ክታበት፡ ኣብ ክልተ ሰሙን፡ ክታበት ፒፋይዘር ምልክታት ዘለዎ ዓሌት ሕማም ኮሮናቫይረስ ህንዲ ናይ ምክልኻል ዓቕሙ 88 ምኢታዊት ኮይኑ ዝተረኸበ እንተኾን፡ ንዓሌት ኬንት ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ግን 93 ምኢታዊት እዩ፡፡

ክታበት ኣስትራዘኔካ ብተመሳሳሊ ነቲ ዓሌት ህንዲ ኣብ ምክልኻል 60 ምኢታዊት ውጽታዊ እንትኾን ንዓሌት ኬንት ኣብ ምክልኻል ድማ 66 ምኢታዊት ውጽኢታዊ እዩ፡፡

እቲ ኣብ ውጽኢታውነት እዞም ክታበታት ዘሎ ኣፈላላይ፡ ካልኣይ ዙር ክታበት ኣስትራ ዘኔካ ካብ ፒፋይዘር ደንጉዩ ስለዝተውሃበ ከምዝኾነ ጉዳይ ጥዕና እንግሊዝ ኣፍሊጡ፡፡

ሰብሞያ ድማ ‘‘ካልኣይ ዙር ክታበትኩም ውሰዱ’’ ብምባል ይምዕዱ