ኣብ ውድድር ደርፍታት ‘ዩሮቪዥን’ ኢጣልያ እንትትዕወት እንግሊዝ ነጥቢ ኣይረኸበትን

ኢጣልያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ከተማ ሮተርዳም ኣብ ዝተኻየደ ‘ዩሮቪዥን’ ዝተሰምየ ውድድር ደርፍታት ኣውሮጳ፡ ኢጣልያ ቀዳመይቲ ኮይና እንትትዕወት፡ እንግሊዝ ድማ ባዶ ነጥቢ ብምርካብ መወዳእታ ወጺኣ።

ኣብቲ ዓብዪ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣውሮጳዊ ውድድር ደርፍታት፡ ኢጣልያ ዝተዓወተትላ ደርፊ፡ ‘Zittie e Buoni’ ብእተስምዕ ሓዳሽ ዜማ እያ።

ካብቶም ዝተዓወቱ ኣባላት ጉጅለ ‘ማንስኪን’ ሓደ ዝኾነ ስነጥባባዊ ዳምያኖ ዳቪድ፡ ነቲ ውጽኢት ምስተነግረ፡ ዓው ኢሉ ‘ሮክ ኤንድ ሮል ነቨር ዳይስ’ ኢሉ ክጭርሕ ተሰሚዑ።

ንዓዲ እንግሊ ግን ኣዝዩ ዘሕርቕ ለይቲ ዝነበረ ኮይኑ፡ ጄምስ ኒውማን ዝተባህለ እንግሊዛዊ ተወዳዳራይ ስነጥበባዊ ባዶ ነጥቢ ዝረኸበሉ መድረኽ ኮይኑ ተመዝጊቡ ሓሊፉ።

ዩናይትድ ኪንግደም፡ ኣብዚ ተመሳሳሊ ውድድር መወዳእታ ክትወጽእ ንሓምሻይ ግዜኣ ኾይኑ፡ ባዶ ነጥቢ ክትረክብ ድማ ንካልኣይ ግዜኣ እዩ ተባሂሉ።

እታ ናይ መጀመርታ ባዶ ነጥቢ ዝረኸበትሉ ውድድር ብ2003 ኣብ ዝተኻየደ እዩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ኣብቲ ናይ ሕዚ ባዶ ነጥቢ ብምርካብ ሃገሩ ኣብ መወዳእታ ደረጃ ንክትስራዕ ምኽንያት ዝኾነ ኣርቲስት፡ ኒውማን ግን ኣብቲ መድረኽ ክምስታ ዝተመልኦ ገጽታ ኣርእዩ ተባሂሉ።

ርእይቶ ወሃቢ በዓል ሞያ ግራሃም ኖርሮን ግን፡ “ይቕሬታ ንጄምስ፤ ኣብዚ ንዝተኣከብኩም ኩላትኩም ግን ‘እንኳዕ ደስ’ በለኩም ክብል እፎቱ፤ ርግጽ ኣብዚ ዘሕጉስ ኣውሮጳዊ መድረኽ፤ ብዙሓት ዝሓዘኑ ሰባት’ውን ይህልዉ እዮም” ኢሉ።

ካልኦት ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ከም በዓል ማት ሉቃስ ዝኣመሰሉ ኣድነቕቲ’ቲ ዘይቀንዖ ስነጥበባዊ፡ ‘ንፈትወካ ኢና ጄምስ፤ ኣጆኻ’ ክብልዎ ተሰሚዖም።

ኣዳላዊ ቢቢሲ ብሬክፋስት፡ ዳን ዎከር ብወገኑ፡ ‘ብሰሓቕ ዝተሰነየ ገጽታ’ ገለ ክብል ኣጽናኒዕዎ።

እንተኾነ፡ ካልኦት ኣብ ትዊተሮም ከምዝበልዎ፡ እቲ ተወዳዳራይ፡ ትሑት ኣፈጻጽማ ከምዘርአየን ካብኡ ኣብሊጹ ክሰርሖ ይግባእ ከምዝነበረን ጽሒፎም።

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ,

ብኢጣልያ ዝተበልጸት ፈረንሳዊት ባርባራ ፕራቪ

እቲ ማንስኪን ብዝብል ዝፍለጥ ጉጅለ ድሕሪ 2006 ክዕወት ፈለምኡ ኾይኑ፡ ኢጣልያ ድማ ኣብቲ ውድድር ድሕሪ 1990 ተዓዊታ ኣይትፈልጥን ነይራ።

ሓንቲ ካብቶም ኣባላት እቲ ጉጅለ፡ እቲ ዓወት ነታ ብኮሮናቫይረስ ኣዝያ ዝተሃሰየት ሃገራ፡ ዓብዪ ሃሴት ዝፈጥር ከምዝኾነ ገሊጻ።

“ኣብ ዝሓለፍናዮ ሕማቕ ዓመት እዚ ዓብዪ ተስፋ ዝፈጥር ዜና እዩ” ኢላ።