ቅልውላው ትግራይ፡ ሻቕሎት ረድኤት ዝፈጠረ ሓድሽ ግንባር ኲናት

ሬድኤት ዝዕድል ዘሎ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, AFP

እቲ ንዝሓለፈ ሸሞንተ ኣዋርሕ ንትግራይ ንምቍጽጻር ዝተኻየደ ደማዊ ኵናት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ጎረቤት ክልል ዓፋር ልሒሙ ኣሎ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ኵናት ብውሑዱ 20 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉን፡ 54,000 ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተመዛበሉን ብሰንኩ ድማ ሰብኣዊ ቅልውላው ይጋደድ ምህላውን ጸብጻባት ሓቢሮም።

ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከቡ ሓያሎ ሰባት ሰራዊት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ንሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እዚ ክሲ ግን ብዘይሻራዊ እሙን ኣካል ኣይተረጋገጸን ።

ቢቢሲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልትታት ኣብ ክልል ዓፋር ንሓይልታት ህወሓት ዕላማ ዝገበረ ሓያሎ ደብዳብ ነፈርቲ ከም ዝተኻየደ እውን ሰሚዑ እዩ ።

ህወሓት፡ ኣብቲ ምስ ትግራይ ዘዳውብ ክልል ዓፋር ንሰራዊት ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ይዋጋእ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል ክልል ዓፋር፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ክልል ዓፋር ሰለስተ ወረዳታት ተቖጻጺሮም ምህላዎም ሓቢሩ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያን ኣብ ክልል ዓፋር ህጹጽ ቀረብ ምግብን ማይን መጽለልን ከም ዘድሊ ገሊጾም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ብሰራዊት ፌደራል ካብ ስልጣኖም ክሳብ ዝእለዩ፡ ህወሓት ገዛኢ ግንባር ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እዩ ነይሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህወሓት ግብረ-ሽበራዊ ትካል ኢሉ'ዩ ዝጽውዖ።

ህወሓት ግን ሕጋውያን ወከልቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንሕና ኢና ይብሉ።

ብዛዕባ እቲ ውግእ እንታይ ንፈልጥ ?

ኣብ ክልል ዓፋር ዝነብሩ ሓያሎ ምንጭታት፡ ተዋጋእቲ ህወሓት ኣብ ከም ያሎን ኣውራን ዝተባህላ ኣውራጃታት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉ፣ ኣባይቲ ከም ዘንደዱን ንብረት ከም ዝዘመቱን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ካብ ኣውራጃ ያሎ ዝሃደመ ሓደ ነባሪ፡ ገሊኦም ሰባት ኣብ ቀብሪ እንከለው ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ ።

ነቲ ዝተባህለ ዝድግፍ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይረአ ኣሎ።

ሓደ ኣብ ጥቓኡ ብዝነበረ ተዛራባይ ኣምሓርኛ እናተርጎመ ዝዛረብ ተቐማጢ ዓፋር "ኣስታት 20 ሰባት ንኸውን መቓብር ንዅዕት ኔርና። ክመጽኡና እንከለው ሰላማውያን ሰባት ከም ዝዀንና ንምሕባር ጨርቀይ ኣልዒለ ኣንበልቢለ፣ ሓደ ካባታቶም ግና ጥይት ተኲሱልና" ኢሉ።

ቢቢሲ ግን ነቲ ዝተባህለ ኣየረጋገጾን።

ኣፈኛ ህወሓት፡ ሓይልታት ትግራይ ምስ ህዝቢ ዓፋር ዘይኰነስ፡ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ይዋግኡ ከም ዘለው'ዩ ዝገልጽ።

ስለምንታይ እያ ክልል ዓፋር ንሓይልታት ትግራይ ኣገዲሳቶም?

ኣብ መንጎ ህወሓትን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ዝካየድ ዘሎ ዘስካሕክሕ ግጭት ሕጂ ናብ ጎረቤት ክልል ክሰግር ፋልማዩ ኣይኮነን።

ኣብ ክልል ኣምሓራ እውን ድሮ ኲናት ተኻይዱ እዩ።

እቲ ኲናት ነቲ ክልል ኣምሓራ ናትና እዩ ዝብልዎ ብክልል ትግራይ ክመሓደር ዝጸንሐ ቦታ ንምውሳድ ተዋጊኦም እዮም።

እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ክልል ዓፋር ዝግበር ኵናት ንብዙሓት ኢትዮጵያውያ ዝያዳ የሻቕሎም።

እቲ ግጭት ካብ ዞባዊ ቅልውላው ንመላእ ሃገር ዝጸሉ ሰፊሕ ሃገራዊ ግጭት ክሰጋገር ተኽእሎ ኣሎ ዝብል ስግኣት ኣለዎም ።

ራሺድ ዓብዲ ዝበሃል ኣብ ናይሮቢ ዝመደበሩ ብዛዕባ ጸጥታ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝትንትን ምሁር፡ "ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ" ይብል ።

"ዓፋር ብዙሕ ስትራተጂካዊ ጐደናታት ኣለዋ። ሓደ ካብኡ እቲ ንትግራይ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽባ መስመር እዩ። ካልእ ድማ እቲ ንኢትዮጵያ ምስ ጅቡቲ ዘራኽብ ቀንድን መጋብን መትኒ ጽርግያ እዩ " ይብል።

ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ስለ ዘይብላ 95% ናይ ጽዕነት ማካይን በቲ ጽርግያ'ቲ ይጉዓዛ ምህላወንን ይገልጽ።

"ሓይልታት ትግራይ ነዚ ኮሪደር 'ዚ እንተሒዞም፡ ንኢትዮጵያ ከቢድ ምዝንባል ከስዕበላ' ዩ" ከኣ ይብል።

ምስ ኣህጉራዊ ትካል ክራይሲስ ግሩፕ ዝሰርሕ ተንታኒ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዊልያም ዳቪሰን፡ እቲ ኣብ ክልል ዓፋር መጥቃዕቲ ዝተፈነወሉ ቀንዲ ምኽንያት ምናልባት ነቲ ስትራቴጂካዊ ንግዳዊ ንጥፈታት ንምምዝባል ክኸውን ይኽአል እዩ ክብል ይሰማማዕ።

"እቲ ቀንዲ ዕላማ እቲ ዶ/ር ኣቢይ ኣብ ቀረባ እዋን ንትግራይ ንምጥቃዕ ኣብ ክልል ዓፋር ዝእክቦም ዘሎ ፌደራላውን ክልላውን ሓይልታት ዓፋር ንምውጋእ፡ ምናልባት እውን ነቲ ብጂቡቲ ኣቢሉ ዝሓልፍ መስመር ምቝራጽ፣ ወይ ከኣ እንተወሓደ፡ [ህወሓት] ከምኡ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ንምርኣይ ዝተገብረ ክኸውን ይኽእል እዩ" ይብል።

"ምናልባት እውን ሓይልታት ትግራይ ብመንገዲ እዚ ዞባ እዚ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምርካብ ዝገበሩዎ ክኸውን ይኽእል እዩ።"

እቲ ሰብኣዊ ኵነታት ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ እዩ?

ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ናብ ትግራይ ህጹጽ ሓገዝ ምብጻሕ ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ ነይሩ።

ብሓሙስ፡ እቲ ኣብ ምደባ ጥሜት ኣህጉራዊ ስልጣን ዘለዎ ብ (IPC) ዝፍለጥ ትካል ኣብ ትግራይ 400,000 ሰባት ኣዝዩ ከቢድ መጠነ ጥሜት የንጸላልዎም ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ እቲ ትካል ኣብ መላእ ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ኣስታት ኣርባዕተ ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሓገዝ ከም ዘድልዮም ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ገሊጹ ።

እንተኾነ፡ ዓለማዊ ውድብ መግቢ (WFP) ሕቡራት ሃገራት ናብ ትግራይ ዘምርሓ ዝነበራ 10 ተሽከርከርቲ ብሰንበት መጥቃዕቲ ምስወረደን፡ ኣብ መስመር ዓፋር ንዝካየድ ዝነበረ ሓገዝ ጠጠው ኣቢሉዎ'ሎ።

እተን ቃፍላይ መኸይን፡ ካብ ርእሰ ከተማ ዞባ ሰመራ ኣብ መበል 120 ኪሎ ሜተር እዩ መጥቃዕቲ ኣጋጢሙዎ።

ካልኦት ልዕሊ 200 ናይ ጽዕነት መካይን መግብን ካልእ ዘድሊ ሰብኣዊ ነገራትን ዝሓዛ ናይ ዓለማዊ ውድብ መግቢ መካይን ክሳብ ናብ ትግራይ ዘእቱ መስመር ውሕስነቱ ዝረጋገጽ ኣብ ከተማ ሰመራ ደው ኢለን ኣለዋ።

ነተን ቃፍላይ መን ከምዘጥቀዐን ዛጊት እኳ እንተዘይተፈልጠ ሰሃን ናይ ዝተባህለ ናይ ምርምር ትካል ኣብቲ ከባቢ ብዘለዉ ምስ መንግስቲ ዝደጋገፉ ምልሻ ተፈጺሙ ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጽ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ንህወሓት ከም "መንሽሮ" ገይሩ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ረጽሚ ከየጋድድ ኣዝዩ ዘሻቓ ኮይኑ ይርከብ።

ብሓሙስ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ደገፍቲ፡ ንሰራዊት ፈደራል ንምድጋፍ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰልፊ ወጺኦም ገሊኣቶም ንቓላት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ዝጠቅስ ጭርሖታት ሒዞም ነይሮም።

"ኣብዚ ሓጺር እዋን ዓብዪ ለውጢ እንተዘይገይሩ: ኢትዮጵያ ናብ ውድቀት ከተምርሕ ትኽእል እያ" ይብል ብሪደን።

"ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ እቲ ዝሓየለ ሰራዊት እዩ ነይሩ። ንትግራይ ውሕስነት ክህብ ዘይምኽኣሉ ከኣ እቲ ኵነታት ክሳዕ ክንደይ ብቕልጡፍ እናበኣሰ ይኸይድ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ "ይብል ።