ቅልውላው ትግራይ፡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ዝድግፍ ሰልፊ ኣካይዶም

ነበርቲ ከተማ ኣዲስኣበባ ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝድግፍ ሰልፊ ኣካይዶም

ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስኣበባ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት፡ ነቲ ንዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ኲናት ትግራይ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዝዋጋእ ዘሎ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ደገፎም ንምርኣይ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቲ ኣብ ትግራይ ይካየድ ዘሎ ውግእ ናብ ጎረቤት ክልል ኣብ ዝሰፍሐሉ እዮም እቶም ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኢና ዝበሉ ኣሽሓት ሰልፈኛታት ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ድጋፎም ገሊፆም ዘለዉ።

እቶም ሰልፈኛታት ብዝሓዝዎ ጭርሖታት ንህወሓት ብምቅዋም፡ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ኣብ ካልኦት ከተማታት እታ ሃገር'ውን ብተመሳሳሊ፡ ክልላት ኢትዮጵያ ናብ ኲናት ትግራይ ፍሉይ ሓይለን ምልኣኸን ንምድጋፍ ዝዓለመ ሰልፍታት ከምዝተኻየዱ ሪፖርተራት ቢቢሲ ገሊፆም።

ፖሊስ ከተማ ኣዲስኣበባ፡ እቲ ሎሚመዓልቲ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ዝተኻየደ ሰልፊ ብሰላም ከምዝተዛዘመ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ እታ ከተማ ኣብ ማሕበራዊ ገፁ፡ እቲ ሰልፊ ብሰላም ንክዛዘም፡ ነበርቲ እታ ከተማ ብትዕግስትን ናይ ምትሕብባርን መንፈስ ንኣካላት ፀጥታ ምድጋፎም ኣመስጊኑ።

ወሃቢቃል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ኣብ ዶብ ዓፋርን ኣምሓራን ብሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ተፈፂሙ ንዝበሎ "መጥቃዕቲ" ዓፀፋዊ ምላሽ ከምዘወሰደ ገሊፁ እዩ።

ካብቲ ዝሓለፈ 18 ሰነ 2021 ሓይልታት ትግራይ ሓድሽ ወፍሪ ብምጅማር ንርእሰ ከተማ ትግራይ ከተማ መቐለ፣ ደቡባዊ ትግራይ ከተማታት ኣላማጣን ኮረምን ሓዊሱ ብዙሓት ከባብታት ካብ ዝቆጻጸሩ ንነዘ፡ እቲ ውግእ ኣብ ክልል ዓፋርን ገለ ከባብታት ክልል ኣምሓራን ይካየድ ከምዘሎ እዩ ዝግለፅ።

በይንኣዊ ተኺሱ ደው ምባል ኣዊጁ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ከምዝዋጋእ ዝገለፀ እንትኾን፡ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ እውን ናብ ኲናት ትግራይ ሰራዊተን ልኢኸን እየን።

ኣቦ ወንበር መሪሕ ውድብ ትግራይ ህወሓት: ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል: ኣብቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ብመገዲ ድምፂ ወያነ ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ "ህዝቢ ትግራይ መሰሉ ንምኽበር እዩ ዝቃለስ ዘሎ" ብምባል፡ ህዝቢ ኣምሓራን ካልኦት ኢትዮጵያውያንን፡ "ኣብ ኩናት ትግራይ ንዳግማይ ጥፍኣት ኣይንተሓባበርን ኣይንሳተፍን" ብምባል፡ ነቲ ብመንግስቲ ፌዴራል ዝቐረበሎም ፃውዒት ክነፅጉ ምሕታቱ ይዝከር።

እቲ ከም ብሓድሽ ዝላባዕ ዘሎ ኵናት፡ ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ከየጋድዶን ነታ ሃገር ኣብ መዓሙቕ ቅልውላው ከየጥሕላ ተሰጊኡ'ሎ።