ቻይና ውድብ ጥዕና ዓለም ንምንጪ ኮሮናቫይረስ ብዝምልከት ንዝወጠኖ ካልኣይ መድረኽ መርመራ ነጺጋ

ምኽትል ሚኒስተር ጥዕና ቻይና ዘንግ ዪዢን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ,

ምኽትል ሚኒስተር ጥዕና ቻይና ዘንግ ዪዢን

ውድብ ጥዕና ዓለም ከም መቐጸልታ ናይቲ ንምንጪ ኮሮናቫይረስ ኣመልኪቱ ክገብሮ ዝጸንሐ መርመራታት፡ ኣብ ቻይና ካልኣይ መድረኽ መርመራ ንምክያድ ዘቕረቦ ትልሚ ብቻይና ተነጺጉ።

ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ቻይና፡ ንቤተ ፈተነታት ክፉት ብምግባር ኣብቲ መዳይ ዝያዳ ምትሕብባር ክተርእይ ጸዊዑ።

ምኽትል ሚኒስተር ጥዕና ቻይና ዘንግ ዪዢን ብወገኑ እቲ ውድብ "ኣብ ልዕሊ ስነፍልጠት ብድዐ ኣንጸባሪቑ" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ እቲ ውጥን ፖለቲካዊ መልእኽቲ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ቻይና ክትቕበሎ ከም ዘይትኽእል ተዛሪቡ።

እቲ ውድብ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ናብቲ እቲ ቫይረስ ፈለማ ዝተራእየላ ቻይናዊት ከተማ ውሃን ጉጅለ ክኢላታት ልኢኹ ነይሩ።

እቲ ጉጅለ ድሕሪ ዝገበሮ መርመራ እቲ ቫይረስ ካብ ላቦራቶሪ ወጽዩ ናብ ዝብል ክልሰ ሓሳብ ትሑት ተኽእሎ ዘለዎ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ እቲ ክልሰ ሓሳብ ጌና የዘራርብ ኣሎ።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ካልኣይ መድረኽ ኣብ ቻይና ዝካየድ መርመራ ውድብ ጥዕና ዓለም ከአንፍት እንከሎ፤ ኣብቲ ፈለማ እቲ ቫይረስ ዝተራእየሉ ከባቢ ዝርከቡ ማእከላት ስነፍልጠታዊ ምርምርን ካልኦትን ንምብጻሕ መደብ ምህላው ገሊጹ ነይሩ።

ቤይጂን "ግልጺ ክትከውንን"፡ ንመርመርቲ ማዕጾታታ ክተርህውን ኣብቲ ቀዳማይ መድረኽ ዘየቕረበቶ መረዳእታታት ክተቕርብን ጸዊዑ።

ብሓሙስ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃበ ሚስተር ዘንግ ብውጥን ውድብ ጥዕና ዓለም ኣዝዩ ከም ዝተገረመ ተዛሪቡ።

ቻይና ነቲ ጠለብ ክትቕበሎ ኣይትኽእልን'ያ ዝበለ እቲ ምኽትል ሚኒስተር ጥዕና፡ ሃገሩ እቲ ቫይረስ ካበይ መጽዩ ክኸውን ከም ዝኽእል ናታ ምኽሪ ኣነጺራ ምህላዋ ሓቢሩ።

"ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ካብ ፖለቲካዊ ምትእትታው ነጻ ኮይኑ፡ ነቲ ብቻይናውያን ክኢላታት ዝቐረበሉ ምኽረ ሓሳብ ተቐቢሉ ንምንጪ ኮቪድ-19 ከጻርይ ተስፋ ንገብር" ምባሉ ሮይተርስ ጸብጺቡ።

በቲ ለበዳ ዛጊት ካብ መላእ ዓለም፡ ልዕሊ 4 ሚልዮን ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ንምንጪ እቲ ቫይረስ ከጻርይ ዝግበር ጸቕጢ እናሓየለ ክመጽእ ጸኒሑ ኣሎ።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ሓለፍቲ ትካላት ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ መዳይ እቲ ለበዳ ዝገብርዎ ምርመራዊ ጻዕርታት ብዕጽፊ ከሐይሉ ኣዚዙ እዩ።