ግድብ ህዳሰ፡ ኢትዮጵያ ንጸብጻብ መራኸቢ ብዙሓን ግብጺ ነጺጋ

ዲና ሙፍቲ

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ መራኸቢ ብዙሓን ግብጺ ካልኣይ ገጽ ምምላእ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቶም ንዝዘርግሕዎ ዜና ነጺጉ።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ብርክት ዝበሉ ማእከናት ዜና ግብጺ "ኢትዮጵያ ዝወጠነቶ መጠን ማይ ክትዓቁር ኣይከኣለትን" ዝብል ጸብጻባት ምዝርግሖም ይዝከር።

ሓደ ካብቶም ማእከናት ዜና ዝኾነ 'ኢጅፕት ኢንዲፐንደንት'፡ ሚኒስተር ማይ ጸዓትን መስኖን ኢትዮጵያ፡ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ብዕውት መገዲ ተፈጺሙ እዩ ዝበሎ "ሓሶት እዩ" ዝብል ጸብጻብ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ግና 'ኢትዮጵያ ዝደለየቶ መጠን ማይ ኣይዓቖረትን' ዝብል ጸብጻብ ሓሶት እዩ ኢሉ። እቲ ኣምባሳደር ወሲኹ፡ ቅድሚ ሕጂ'ውን ኢትዮጵያ ንህንጸት እቲ ዲጋ ኣብ ዝጀመረትሉ፡ ሓሶት እዩ ዝብሉ ገለ ኣካላት ምንባሮም ኣረዲኡ።

እቲ ዲጋ ኣብዚ እዋን ሒዝዎ ዝርከብ መጠን ማይ ክንደይ ምዃኑ ዝተሓተተ እቲ ኣምባሳደር፡ መጠን እቲ ማይ ክንደይ ምዃኑ ከም ዘይፈልጥን እቲ ጉዳይ ንሰብ ሞያ ማይ ዝምልከት ምዃኑን ተዛሪቡ።

"እቶም ነቲ ግድብ ዝሃንጹ ዘለው ሰባት ከም ዝነገሩና እንተኾይኑ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ከም ዝተዛዘመን ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ኤለክትሪከ ዘመንጩ ተርባይነራት ስራሕ ከም ዝጅምርን እዩ" ኢሉ።

ብዘይካ'ዚ ኢትዮጵያ ንህንጸት ግድብ ህዳሰ ዛዚማ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ ዝግበር ዝርርብ ንምምላስ ድልውቲ ምህላዋ ሓቢሩ።

ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝምለሱ ኢትዮጵያውያን

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝተፈላለየ ጸገማት ንዝነበሩ ልዕሊ 41,000 ዜጋታቱ ናብ ሃገሮም ከም ዝመለሰ ኣምባሳደር ዲና ገሊጹ።

ክሳዕ ሕጂ ነቶም ዜጋታት ንምምላስ 130 በረራታት ከም ዝተኻየደ'ውን እቲ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, MoFA Ethiopia/Facebook

መንግስቲ ኢትዮጵያ 40,000 ዜጋታቱ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ወጢኑ እኳ እንተነበረ ተግባራት ምፍንቓልን ናብ ጸገማት ምቕላዕን ብምውሳኹ ቁጽሪ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ሰባት ከም ዝዛየደ እቲ ኣምባሳደር ገሊጹ።

"መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዘውርዶ ምስቓይ ደው ከብሎ ዲፕሎማስያዊ ስራሕቲ ይካየድ ኣሎ" ኢሉ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝተኸስተ ዕግርግር ንብረቶም ዝዓነወን ዝተሰረቖምን ኢትዮጵያውያን ከም ዘለውን ጉድኣት ዝበጽሖም ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ምህላውን ተዛሪቡ።

ኣብዚ ቅንያት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝተላዕለ ዕግርግር ህይወቱ ዝሓለፈ ኢትዮጵያዊ ከም ዘየሎ ዝሓበረ እቲ ኣምባሳደር፤ ነቲ ኩነታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብቕርበት ይከታተሎ ምህላው ኣብሪሁ።