ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብኣይ ንሰበይቱ መሲሉን ፓስፖርታ ተጠቒሙን ክጓዓዝ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

መብዛሕትኦም መገዲ ኣየራት ኣብ እዋን ዒድ ኣልኣድሃ በረራ ከልኪሎም ነይሮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኢንዶነዢያ ኮቪድ-19 ዝተትሓዘ ሰብኣይ ንበዓልቲ ቤቱ መሲሉ ናብ ኣየር ድሕሪ ምስፋሩ ኣብ ሞንጎ በረራ ከም ዝተትሓዘ ፖሊስ ሓቢሩ።

እቲ ሰብኣይ ‘ኒቃብ’ ብዝብል ዝፍለጥ ጉልባብ ገጽ ተሸፊኑ ናብታ ነፋሪት ከም ዝኣተወ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ድማ ናይ በዓልቲ ገዝኡ ፓስፖርትን ካብ ኮቪድ-19 ነጻ ምዃና ዘረጋግጽ ውጽኢትን ኣርእዩ ከም ዝተሳፈረ ተፈሊጡ’ሎ።

እታ ነፋሪት ገና ኣብ በረራ እናሃለወት ክዳውንቱ ክቐያይር እንተዘይፍትን ነይሩ ክፍለጥን ኣብ ቀይዲ ክውዕልን ኣይምኽኣለን ነይሩ።

ነዚ ብምግባሩ ግን ኣብ ዓይኒ ጥርጣረ ኣትዩ።

ዝበዝሓ መገዲ ኣየራት ብምኽንያት ኮቪድ ካብ 19 ሓምለ 2021 ጀሚረን ንዒድ ኣል-ኣድሓ ዝግበሩ መገሻታት ገዲበን ነይረን።

ፖሊስ ንጋዜጠኛታት ከም ዝገለጾ፡ እቲ ውልቀሰብ ነፋሪት ምስ ዓለበት ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ ኮይኑ፡ ሽዑ ከኣ ምርመራ ኮሮናቫይረስ ተገይሩሉ።

እቲ ቫይረስ ስለ ዝተረኸቦ ድማ ኣብ ገዝኡ ንነብሱ ክውሽብ ተገይሩ’ሎ። መዓልቲ ውሸብኡ ምስተዛዘመ ናብ ሕጊ ከም ዝቐርብ ፖሊስ ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣብ ኤስያ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብስፍሓት ይላባዕ ብምህላዉ ኢንዶኔዢያ’ውን ኣብ መገሻ ገደብ ገይራ ኣብ ዘላትሉ’ዩ እዚ ክስተት ኣጋጢሙ።

እታ ደቡብ ኤስያዊት ሃገር መዓልታዊ ኣስታት 50,000 ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተሓዝዋ ይግለጽ።

ኣብዚ ቀረባ እዋናት ከኣ ሆስፒታላታ ብሕሙማት ከም ዘዕለቕለቑን ከም ኦክስጅን ዝበሉ ናውቲ ሕክምና ሕጽረት ከም ዘጋጠማን ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብታ ሃገር ዛጊድ ኣስታት 3 ሚልዮን ሰባት ኮሮናቫይረስ ክርከቦም ከሎ፤ ልዕሊ 72,000 ድማ ሞይቶምዋ።