ፕረዚደንት ዢ ጂንፒን: ድሕሪ 30 ዓመታት ናብ ቲበት ምብጻሕ ዘካየደ መራሒ ቻይና

ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ዢ ጂንፒን ናብታ ብፖለቲካ ትናወጽ ዘላ ዞባ ቲበት ወገዓዊ ምብጻሕ ብምክያዱ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ናብታ ብርእሳ እትመሓደር ግዝኣት ዝገሸ ቀዳማይ መራሒ ቻይና ኮይኑ።

ሚስተር ዢ ካብ ረቡዕ ክሳዕ ዓርቢ ኣብታ ዞባ እንተጸንሐ'ኳ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ቻይና እቲ ፕረዚደንት ድሕሪ ምምላሱ'የን ነቲ ዜና ዘርጊሐንኦ። ቻይና ኣብታ ብቐንዱ ቡድሂስት ዝነብሩላ ዞባ ባህላውን ሃይማኖታውን ነጻነት ብምጭፍላቕ ትኽሰስ።

መንግስቲ ቻይና ነቲ ክስታት ክነጽጎ እንከሎ፤ ቲበት ብናይ ገዛእ ርእሳ ምሕደራ ምዕባለታት ከም ዘመዝገበት ይገልጽ።

ኣብቲ ብመንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ሲሲቲቪ ቻይና ዝተዘርግሐ ቪድዮ: ባንዴራ ናይ ቻይና ዝሓዙ ባህላዊ ክዳውንቲ ዝለበሱ ሰባት ኣቀባብላ እናገበረሉ የርእይ።

ፕረዚደንት ዢ ናብ ቲበት ቅድሚ ምእታው፡ ነበርቲ ርእሰ ከተማ ቲበት ዝኾነት ላሃሳ፡ ኣብ ምንቅስቓሳቶም "ዘይንቡር ምቁጽጻር" ከም ዘስተውዓሉ ዓለምለኻዊ ጉጅለ ተሓላቒ ቲበት ብሓሙስ ገሊጹ።

ሚስተር ዢ፡ ምክትል ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት እዩ ናብታ ዞባ ምብጻሕ ኣካዪዱ ነይሩ። ካብ ፕረዚደንትታት ቻይና ግና እቲ ናይ መወዳእታ ናብ ቲበት ዑደት ዘካየደ ዣንግ ዘሚን ኮይኑ ኣብ 1990 እዩ።

ብዙሓት ኣብ ስደት ዝርከቡ ተወለድቲ ቲበት፡ ቤይጂን ሃይማኖታዊ መሰላት ከም እትግህስን ባህሎም ኣብ ምብሕጓግ ከም እትነጥፍን ይኸስሱ።

ብናዕቢ ዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ ቲበት ኣብ ገለ እዋን ናጻ ክትጸንሕ ከላ ኣብ ካልእ እዋን ድማ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይ ቻይናን ሞንጎልን ስርወ-መንግስታት ነይራ።