ኣብ መቐለ ምስ ጌታቸው ረዳ ዝተራእየ ሰራሕተኛ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ካልእ ሃገር ተመዲቡ

ኣብ መቐለ ምስ ጌታቸው ረዳ ዝተራእየ ሰራሕተኛ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ካልእ ሃገር ተዛዊሩ

ምንጪ ስእሊ, Social media

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መቐለ ምስ ፈጻሚ ስራሕ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝተራእየ ሰራሕተኛ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ካልእ ሃገር ከም ዝተመደበ ተገሊጹ።

መንግስቲ ፌደራል ነቲ ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐስ ሰልፊ ህወሓት ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ከም ዘስፈሮ ይፍለጥ።

ብ21 ሰነ 2020 ሓይልታት ትግራይ ንከተማ መቐለ ምስ ተቖጻጸሩ ድሕሪ ሸውዓተ ኣዋርሕ ንፈለማ እዋን ኣብታ ከተማ ዝተራእየ ኣባል ፈጻሚት ስራሕ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብሳተላይት ስልኪ እናውግዐ ኣብ ዝርኣይ ምስሊ ሓደ ናይ ወጻኢ ዜጋ'ውን ሓቢሩዎ ዘርኢ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ክዘውር ምጽንሑ ይዝከር።

እቲ ኣብዚ ምስሊ ዝርኣ ውልቀሰብ ድማ ኣተሓባባሪ ናይ ሓደጋ እዋን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ቶማስ ቶምፕሰን እዩ።

ኣብቲ እዋን ኣዘራራቢ ኮይኑ ስለ ዝነበረ ቢቢሲ ካብ ዝምልከቶ ኣካል መብርሂ ሓቲቱ።

ወሃቢ ቃል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድማ ቶማስ ቶምፕሰን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ካልእ ሃገር ተቐይሩ'ዩ ኢሉ።

"እቲ ውልቀሰብ ካብ ኢትዮጵያ ዝወጽኣሉ ምኽንያት ኣመልኪቱ ብዙሓት ግጉያት ሓበሬታታት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ክዝርግሑ ከም ዝቐነዩ ንርዳእ ኢና። እዚኦም ግን ካብ ሓቂ ዝርሓቑ'ዮም" ክብል እቲ ወሃቢ ቃል ብጽሑፍ ኣብ ዝልኣኾ መብርሂ ገሊጹ።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ እቲ ውልቀሰብ ብመሰረት ልሙድ ኣሰራርሓ ምዝውዋር ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ከም ዝኾነን ኣብ ካልእ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝምለስን ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቦ ርኢይቶ የለን፤ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ መብርሂ ንምርካብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ'ውን ኣይሰረመን።

ቶማስ ቶምፕሰን ኣብ ፕሮግራም ዓለም ኣተሓባባሪ ናይ ሓደጋ እዋን ኮይኑ፡ ኣብ ትግራይ ብዘሎ ቅልውላው'ውን እቲ ትካል ዝህቦም ሓገዛት ናይ ሓደጋ እዋን ከተሓባብር ጸኒሑ።

እቲ ትካል፡ ኣብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያን ዝተፈላለዩ ስራሓት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝገብር ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዩ።