ጣሊባን፡ ፈላሞት ጉጅለ ኣፍጋናውያን ተርጎምቲ ናብ ኣመሪካ ኣትዮም

ምስ ሰራዊት ኣመሪካ ብምዃን ንነበርቲ ዘዘራርብ ዘሎ ኣፍጋናዊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ምስ ሰራዊት ኣመሪካ ብምዃን ንነበርቲ ዘዘራርብ ዘሎ ኣፍጋናዊ

ጣሊባን ቦታታት ክቆጻጸር ድሕሪ ምጅማሩ ኣስታት 200 ኣፍጋኒስታናውያን ተርጎምትን ኣባላት ስድርኦምን ናብ ኣመሪካ ተወሲዶም።

እዚኦም ፈላሞት ካብቶም 2500 መንግስቲ ኣመሪካ ናብ ሃገሩ ክወስዶም ዝተጸንዑ ሰባት'ዮም።

እቶም ኣብ ኣመሪካ ዝጣየሱ ዘለው ተርጎምቲ፡ ኣመሪካ ምስ ጣሊባን ኣብ እተካይዶ ዝነበረት ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ኲናት ምስ ኣመሪካ ሓቢሮም ዝሰርሑ ሰባት ኮይኖም፡ ብዓርቢ ንጉሆ ዝኣተው ሰባት ኣብ ቨርጂኒያ ናብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ፎርት ሊ ኣትዮም።

ንሓደ ሰሙን ኣብቲ መዓስከር ከም ዝጸንሑ ድማ ተፈሊጡ ኣሎ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰብ ኣመሪካ እቶም ምጥያስ ዘድልዮም ኣፍጋናውያን ጉድኣት ከይበጽሖም ክወጽኡ ንምግባር ክሰርሑ ከም ዝጸንሑ ብምሕባር "ወሳንን ፈላማይን" እዩ ክብል ገሊጹዎ።

እቶም ብፍሉይ ቪሳ ስደተኛታት [ኤስኣይቪ] ዝሓዙ ኣፍጋናውያን፡ ኣብ ኣመሪካ ናይ ምጽናሕ መሰል ዘለዎም ኮይኑ እንተደልዮም ግን ክሓልፉዎ ዝግባእ መስርሓት መስወድኡ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክሰግሩ ክፍቀዶም'ዩ።

ብሓሙስ ሰኔት ኣመሪካ እዞም ሰባት ንምግዓዝ ከምኡ'ውን ናይ ገዛን መጓዓዝያን ወጻኢታቶም ንምሽፋን ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣጽዲቑ።

ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝጸንሐ ሰራዊታ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ከምእተውጽእ ምስ ገለጸ፡ ዕጡቓት ጣሊባን ወሰነቲ ቦታታት ክቆጻጸሩ ጀሚሮም'ዮም።

እዚ ነቶም ኣብ ጎኒ ወተሃደራት ኣመሪካ ኮይኖም ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰባት ኣዝዩ ኣስጋኢ ኩነታት ክፈጥር ጀሚሩ።

ካብ 2008 ጀሚሩ ኣስታት 70 ሽሕ ኣፍጋናውያን ናብ ኣመሪካ ክጣየሱ ክኢሎም'ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙንን ኣብዚ ሕጂ እዋንን ብዝሒ ሓተትቲ ቪዛ ኣመሪካ ልዕሊ 20 ሽሕ ከም ዝበጽሐ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ገሊጹ ነይሩ።

ክሳብ ሕጂ ግን እቶም ፍርቂ ጥራይ'ዮም ፈላማይ መስርሕ ምስግጋር ክውድኡ ክኢሎም ዘለው።

'ኖ ዋን ሌፍት' ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ከም ዝብሎ፡ ምስ ኣመሪካ ብምስርሖም ጥራይ ኣስታት 300 ኣፍጋናውያን ወይ'ውን ስድርኦም ተቐቲሎም'ዮም ይብል።

ጣሊባን፡ ኣመሪካ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ማእከል ዓለምለኻዊ ንግዲ ድሕሪ ምጥቕዑ፡ ኣብ 2001 ንኣፍጋኒስታን ወሪራ ካብ ስልጣን ከም ዝተኣለየቶም ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ከኣ ኣብ ሞንጎ እቲ ዕጡቕ ጉጅለን ሓይልታት መንግስትን ከበድቲ ውግኣት ክካየዱ ተራእዮም።