ቅልውላው ትግራይ፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ህፃናት ትግራይ ሓደጋ ሞት ከም ዝርከቡ ተገሊፁ

ልዕሊ 100 ሽሕ ህፃናት ትግራይ ሓደጋ ሞት ከምዝርከቡ ተገሊፁ

ምንጪ ስእሊ, UNICEF FB

ትካል ህፃናት ሕቡራት ሃገራት - ዩኒሴፍ፡ ኣብቲ ዝቕፅል ዓመት፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ህፃናት ትግራይ ብሰንኪ ግቡእ ኣመጋግባ ህይወቶም ክስእኑ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቑ።

ኣብቲ ትማሊ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኣብ ጀኔቫ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ወሃቢት ቃል ዩኒሴፍ ማርሲ መካዶ፡ ነፍሰ ጾራትን መጥበውቲ ኣደታትን ንሕፅረት ምግቢ ከምዝተቓልዓ ገሊፃ።

እታ ወሃቢት ቃል ናብ ትግራየ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብፃሕ፡ ብህፁፅ ዘይተገደበ መገዲ ክኽፈት ድማ ፀዊዓ።

"ህፁፅ ሓገዝ ንዘድልዮም ህፃናትን ደቂኣንስትዮን ንምብፃሕ፡ ኣብ ትግራይን ከባቢኡን ብዘይገደብ መገድታት ክኽፈት ንደሊ" ከምዝበለት፡ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ፀብፂቡ።

ቤት -ፅሕፈት ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ'ውን፡ ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ ኵናት ናብ ትግራይ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ዝበፅሓሉ መገዲ ከመቻችዉ፣ ዝተቛረፁ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክ፣ ቴሌኮምዩኒኬሽንን ባንክን ዳግም ክጅምሩ ሓቲቱ።

ኣብቲ ኣብ ትግራይ ይካየድ ዘሎ ኵናት ይሳተፉ ዘለዉ ኣካላት "ብህፁፅ ተኹሲ ደው ከብሉን" ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት ናብ ልዝብ ክመፅኡን ፀዊዑ።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ትግራይ ዝነበረ ምግቢ ይውዳእ ከምዘሎን ኣብ ክልተ መዓስከራት ተዓጊቶም ንዝርከቡ ልዕሊ 24 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምብፃሕ ከምዘይከኣለን ምግላፁ ይፍለጥ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኵናት ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ክልል ዓፋርን ወሰናስንቲ ክልል ኣምሓራን እዩ ዝካየድ ዘሎ።

ሓይልታት ትግራይ ድሕሪ ሸውዓተ ኣዋርሕ ንከተማ መቐለ ምስ ተቖጻጸሩ፡ መንግስቲ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሰራዊቱ ብምስሓብ ምቁራጽ [በይናዊ] ተጻብኦታት ከም ዝኣወጀ ይፍለጥ።

እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ጎንጺ ሕጂ ናብ ጎረቤት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒኹ ብዝተፈላለዩ ግንባራት ከበድቲ ውግኣት ይካየዱ ከም ዘለው ይግለጽ ኣሎ።

ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣሽሓት ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ተመዛቢሎም፤ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ከኣ ህጹጽ ሓገዝ ይጽበ ከምዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ኣብ ክልል ዓፋር'ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ 70 ሽሕ ነበርቲ ከም ዝተመዛበሉ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ ኣሎ።