ሓይልታት ጣሊባን ንዓበይቲ ከተማታት ከቢቦም ከምዘለዉ ተገሊጹ

ሓይልታት ጣሊባን

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሓይልታት ጣሊባን ካብ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ክምንጥልዎን ዝደለዩ ሰለስተ ኣገደስቲ ከተማታት ኣብ ክባ ኣእትዮም ከቢድ ውግእ የካይዱ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ዕጡቓት ጣሊባን ዝኸበብዎን ከተማታት ሄራት፣ ላሽካርን ካንደሃርን ይበሃላ።

ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ናይ ደገ ሓይልታት ክሳብ መጻኢ ወርሒ መስከረም ጠቕሊሎም ክወጽኡ እዮም ድሕሪ ምባሉ፡ እቶም ሓይልታት ብርክት ዝበላ ገጠራት ኣብ ቁጽጽሮም ኣውዒሎም ከምዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እንተኾነ፡ ዕጫ ናይዘን ሕዚ ከቢቦም መጥቃዕቲ ዝፍንዉለን ዘለዉ ከተማታት ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ይግለጽ፤ ምኽንያቱ ድማ፡ ኣብተን ከተማታት ዝርከቡ ኣመሓደርቲ መንግስቲ ዘምልጥሉ ክፍቲ መንገዲ’ኳ የለን ተባሂሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብታ ሃገር ሰብኣዊ ቅልውላው ኣዝዩ ኣብ ዘሻቕል ደረጃ ይበጽሕ ከምዘሎ ይዝርብ።

እዚ ጸግዒ ዝሓዘ እስላማዊ ጉጅለ፡ ብሓፈሻ ዳርጋ ፍርቂ ዝኣክል ግዝኣታት ኣፍጋኒስታን ኣብ ቁጽጽሩ ኣእትዩ ከምዘሎ እዩ ይዝረብ። ገሊኡ እቲ ግዝኣታት ምስ ኢራንን ፓኪስታንን ዘዳቡብ ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ።

እቶም ዕጡቓት፡ ላሽካር ኣብ ዝተብሃለት ከተማ፡ ትማሊ ቀዳም እቲ ኣመሓዳሪ ካብ ዝነበረሉ ቦታ ናይ ኣማኢት ሜትሮ ራሕቒ ከምዝነበሩ ዝተገለጸ ኮይኑ ኣብ ከውታ ለይቲ ንእሽቶ ተደፊኦም ከምዝሓደሩ ተሓቢሩ። እዚ ፈተነ ንካልኣይ ግዜኦም ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።

ኮማንደር መንግስታዊ ሓይልታት ኣፍጋኒስታን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ከቢድ ሞትን መቑሰልትን ከምዘውረድሎም ተዛሪቡ።

ሓደ ኣባል ተወከልቲ ህዝቢ፡ እታ ከተማ ኣብ ኢድ ኣብቶም ዕጡቓት ክትወድቕ ከምእትኽእል ስግኣቱ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ጉል ኣሕመድ ካሚን ዝተብሃለ እቲ ኣባል ቤት ምኽሪ፡ እቲ ኩነታት እንዳተጋደደ ምምጽኡን ኣብ ውሽጢ ዒስራ ዓመታት ኣብታ ከተማ ከምዚ ዓይነታት ከቢድ ውግእ ተራእዩ ከምዘይፈልጥን ተዛሪቡ።

ሓይልታት ጣሊባን ነታ ከተማ ኣብ ቀይዲ ከውዕሉ ዝደለይሉ ምኽንያት ኣገዳሲት ብምዃና እዩ ተባሂሉ።

ምናልባሽ’ውን፡ ንግዚኡ ርእሰ ከተማ ገይሮም ካልኦት ልዕሊ 5 ጎረባብቲ ግዝኣታት ኣብ ቀይዲ ንምእታው ዝጠቕሞም ስትራተጂ ከምዝኾነ እዩ ዝዝረብ።

ዕጡቓት ጣሊባን ነታ ከተማ ከቢቦምዋ ከምዝርከቡን፡ ምንቅስቓስ ህዝቢ ስለዘሎ ከቢድ ብረት ክጥቀሙ ከምዝተጸገሙን’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ሄራት ዝተብሃለት ብቑጠባ ኣዝያ ኣገዳሲት ኣብ ዝኾነት ከተማ ድማ፡ እቶም ዕጡቓት ብደቡብ ገጻ ክኣትዉ ከምዝተርአዩ ቶሎ ዝተብሃለ ጋዜጣ ጸብጺቡ። ብሓሙሽተ ኣንፈት ውግእ ከምዘሎ ድማ ተገሊጹ።

ኣመሪካ ሐዚ’ውን ደብዳብ ነፈርቲ ዘካየደት ኮይና፡ ሓይልታት መንግስቲ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ክቆጻጸሩ ሓጊዝዎም።

ሕቡራት ሃገራት፡ ሓደ ሰራሕተኛ ጸጥታ ኣባሉ ኮነ ተባሂሉ በቶም ዕጡቓት ከምዝተቐትለ ገሊጹ።

ኣብታ ከተማ፡ ሒደት መንደራት ጥራይ ሰለም ዘለዎን ኮይኑ፡ ነበርቲ ንገዛእ ርእሶም ንኽከላኸሉ ይፍትኑ ኣለዉ ተባሂሉ።

ስግኣታት ግብረ ሽበራ

ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ቶማስ ኒክላሶን፡ እቲ ኲናት እንዳተጋደደ ይመጽእ ከምዘሎ ገሊጹ።

ሓይልታት ጣሊባን ‘እስላማዊት ግዝኣት’ ናይ ምፍጣር ሕልሞም ተግባራዊ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስግኣት ከምዝሓደሮ’ውን ተዛሪቡ።

ከምኡ’ውን ሓላፊ ሰራዊት እንግሊዝ ዝነበረ ጀነራል ዴቪድ ሪቻርድስ፡ ምውጻእ ሓይልታት ደገ ናይ ምውጋእ ሞራል ሓይልታት መንግስቲ ከምዘዳኽሞን፡ ጣሊባን ‘ግብረ ራዕዳዊ’ ስግኣት ዓለም ለኸ ክኾኑ ከምዝኽእሉን ተዛሪቡ።

ዓለም ለኸ ትካላት ረድኤት ድማ፡ ኣብ ቀረባ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከየጓንፍ ስግኣቶም ገሊጾም ኣለዉ።

ቁጽሪ ተመዛበልቲ እናወሰኸ፡ መግቢ፣ ቀረብ ጽሩይ ማይን መንግስታዊ ኣገልግሎትን ድማ ይመናመን ኣሎ ኢሎም።

ኣዋጅ እቶ እቶ

መንግስቲ ኣፍጋንስታን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳም ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ንናይ ጣሊባን ግስጋሰ ንምግታእ ዝዓለመ ዳርጋ ኣብ ምሉእ ሃገር ኣዋጅ እቶ እቶ ከምዝኣወጀ ይፍለጥ።

ካብ ርእሰ ከተማ ካቡልን ካልኦት ክልተ ወረዳታታትን ወጻኢ ኣብ መላእ ሃገር ካብ ሰዓት 22፡00 ጀሚሩ ክሳብ 04፡00 ዝኾነ ምንቅስቓስ ኣይፈቅድን።

እቲ ብናይ እስልምና ሃይማኖት ጸግዒ ብምሓዝ ዝፍለጥን ቅድሚ 20 ዓመታት ኣቢሉ ብሰንኪ ናይ ኣመሪካ ወራር ካብ ስልጣኑ ዝተደፍአን ጣሊባን፡ ቀንዲ ናይ ኣታውን ወጻእን መንገድታት ንምዕጻው ዘኽእልዎ ኣገደስቲ ጽርግያታት’ውን ተቖጻጺሩ’ዩ።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ናዕብታት ንምውጋድን ግስጋሰ ጣሊባን ንምግታእን ኣብ 31 ወረዳታት ናይ ምሸት ኣዋጅ እቶ እቶ ተኣዊጁ’ሎ” ዝበለ ኮይኑ እቲ ኣዋጅ ኣብ ካቡል፣ ፓንጅሽርን ናንጋርሃርን ከምዘይሰርሕ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን እተካይዶ ወተሃደራዊ ወፍርታት ነሓሰ 31 [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] ስለዘብቅዕ ብድሕሪኡ ሻቕሎት ፈጢሩ’ሎ።

ብኣመሪካ ዝተመርሐ ሓይሊ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2001 ንጣሊባን ካብ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ከምዘኣለይዎ ዝፍለጥ ኮይኑ እቲ ጉጅለ ነቶም ኣብ ወርሒ መስከረም 11 ኣብ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ዝዝረበሎም ቢን ላደንን ካልኦት መራሕቲ ኣልቃይዳን የዕቑቡ ከምዝነበሩ’ዩ ዝግለጽ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ሓይልታት ኣመሪካ: ኣፍጋኒስታን ዳግማይ ማእኸል ሽርሕን ክፋእን ምዕራባውያን ንዝኾኑ ናይ ወጻኢ ጅሃዳውያን ከምዘይትኸውን ስለዘረጋገጹ ምውጻእ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ቅቡል’ዩ ኢልዎ።

ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ መጀመርታ እቲ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ሓምለ ካብ ኣፍጋኒስታን ከምዝወጽኡ ዝዝከር ኮይኑ ጣሊባን ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ንኣፍጋኒስታን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከእትዋ ከምዝኽእል ካብ ናይ ኣመሪካ ተንተንቲ ድሕነት ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።