ቱርኪ፡ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ብሰንኪ ባርዕ በረኻ ክጉዕዙ ተገዲዶም

ቱርኪ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ቱርኪ ዝርከቡ ሆቴላትን መናፈሻታትን ሓደጋ ባርዕ በረኻ ስለዘንጸላለዎም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ዓዲ ናብ ካልእ ቦታ ግዒዞም።

ሓለዋ ባሕሪ ቱርኪ ብናይ ውልቂ ጀላቡ ተሓጊዞም ንእቶም ኣብቲ ከባቢ ዝዝናነዩ ዝነበሩ በጻሕቲ ዓዲ ናብ ውሑስ ቦታ ንምግዓዝ ከምዝተዋፈሩ ሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝመደበሩ ማዕኸን ዜና ኣቃሊሑ።

ኣብ ከተማ ቦድሩም ጥራይ ሰለስተ 5 ኮኸብ ዝደረጅኦም ሆቴላት ናብ ካልእ ከባቢ ግዒዞም ኣለዉ።

ካብ ዝሓለፈ ሮብዕ ጀሚሩ ዝነድድ ዘሎ ባርዕ በረኻ ዛጊድ ህይወት 6 ሰባት ኣስኢኑ’ሎ። ትማሊ ቀዳም ድማ ክልተ ሃንደበታዊ ሞት ከምዘጋጠሞም ተረጋጊጹ።

ንሳቶም ካብቶም ኣብ ማእኸል በጻሕቲ ዝኾነ ካባቢ ገምገም ባሕሪ ሜድትራንያን [ቱርኪ] ኣብ ዝተደኮኑ መነፋሸታት ኮይኖም ንገዛእ ርእሶም ንምድሓን ይቃለሱ ካብ ዝነበሩ መንጎ’ዮም።

ሰበ ስልጣን ቱርኪ እቶም 10 ባርዕ በረኻ ኣብ ቁጽጽር ከምዝወዓሉ ተዛሪቦም።

ከንቲባ ከተማ ቦድሩም ኣብ ትዊተር ዝጠቅዖ ስእሊ ከምዘመላኽቶ እቲ ባርዕ ክሳብ ሎሚ ንጉሆ ሰንበት ይነድድ ከምዘሎ የርእይ።

ማዕኸናት ዜና ቱርኪ፡ እቲ ካብ ጎቦታት እንዳተወንጨፈ ዝመጽእ ዘሎ ባርዕ በረኻ ፈሪሖም ምስ ንብረቶም ዝሃድሙ ሰባት ዘርእይ ቪድዮ ጠቒዖም።

እቲ ቪድዮ መዓዝ ከምዝተስኣለ ግን ኣይተፈለጠን። እቲ ባርዕ ኮነ ተባሂሉ ብሰባት ዝተባርዐ ከይኸውን ምርመራ ዝተጀመረ ኮይኑ ዛጊድ ሓደ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ’ሎ።

ፕረዚደንት ጠይብ ኤርዶጋን ትማሊ ቀዳም ግዳይ እቲ ባርዕ ኣብ ዝኾነት ከተማ ማናቫጋት ዒደት ዘካየደ ኮይኑ ምስ እቲ ባርዕ ተዛሚዱ 5 ሰባት ከምዝሞቱ ተረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ኤርዶጋን ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ንዝተጎድኡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ስሩዕ ህይወቶም ንኽምለሱ መንግስቲ ኣድላይ ዘበለ ሓገዝ ከምዝገብር ተመጻቢዑ።

እቲ ፕረዚደንት እኹላት ባርዕ በረኻ ዘጥፍኣ ነፈርቲ ብዘይምድላው ልዑል ነቔፈታ ከምዝበጽሖ ዝፍለጥ ኮይኑ ንሱ ግን “እቲ ቀንዲ ጸገም ማሕበር ኤሮናቱካል ቱርኪ ልዑል ደረጃ ቴክኖሎጂ ስለዘየቕረብልና’ዩ” ክብል ምላሽ ሂብሉ።

ኣብቲ ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ባርዕ በረኻ ኣብ ምጥፋእ ነፈርቲ ሃገራት ኣዘርባጃን፣ ኢራን፣ ሩስያን ዩክሬይንን ከምዝተሳተፋ’ውን ፕረዚደንት ጠይብ ኤርዶጋን ጠቒሱ።