ካብ ገዛ ምስጓግ እትቃወም ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ደገ ሓዲራ

ኣባል ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ዝኾነት ኮሪ ቡሽ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣባል ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ዝኾነት ኮሪ ቡሽ ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተዛሚዱ ክራይ ገዛ ብዘይምኽፋልካ ካብ ገዛ ምስጓግ ዝእግድ መምርሒ ግዚኡ ስለዝኣኸለ ስዒቡ ነዚ ብምቅዋም ኣብ ደረጃታት ካፒቶል ኣመሪካ ንሓደ ለይቲ ሓዲራ።

እታ ንዴሞክራትስ ወኪላ ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ዝኾነት ጓል ኣነስተይቲ፡ እቲ መምርሒ ናይ ስራሕ ግዙኡ ስለዝኣኸለ ኣስታት 7 ሚልዮን ሰባት ክራይ ገዛ ብዘይምኽፋሎም ምኽንያት “ካብ ገዛውቶም ናይ ምስጓግ ሓደጋ ኣንጸላሊይዎም’ሎ” ኢላ።

ኣብ መዕቖቢ ብሰንኪ ዘጋጥም ጽቕጥቕጥ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምካይ ተባሂሉ ቅድሚ 11 ኣዋርሕ ካብ ገዛ ናይዘይምስጓግ መምርሒ ተኣዊጁ ነይሩ።

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ቤት ኣልቦ ዝነበረት ቡሽ እቲ ካብ ገዛ ናይ ዘይምስጓግ መምርሒ ክናዋሕ’ያ ትጠልብ።

ትማሊ ቀዳም ንጉሆ ኣብ ትዊተር ገጻ “ድሓን’ዶ ሓዲርኩም፣ መምርሒ እገዳ ዘይምስጓግ ሎሚ ፍርቂ ለይቲ ከብቅዕ’ዩ። ትማሊ ክነናውሖ እንዳኸኣልና ገለ ኣባላት ዴሞክራት ግን ኣብ ክንድኡ ዕረፍቲ ወጺኦም ከይዶም” ክትብል ጽሒፋ።

“ናብ ስርሖም ተመሊሶም ንኽመጽኡ ክንሓትት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ካፒቶል ደቂስና ኣለና። ሎሚ ናይ መወዳእታ ዕድል’ያ፤ ንሕና ግን ሕጂ’ውን እንተኾነ ኣብዚ ኢና ዘለና”።

ብብዝሒ ኣበላት ውድብ ዴሞክራት ዝተዓብለለ ቤት ምኽሪ ኣመሪካ እቲ እገዳ እንከይተሓደሰ ብቕድሚ ትማሊ ዓርቢ ናይ 7 ሰሙናት ዕረፍቲ ወጺኦም ኣለዉ።

እቲ እገዳ ከይናዋሕ ዝቓወሙ ብወገኖም ብዙሓት ኣካረይቲ ገዛ ብዘይ ስሩዕ እቶት ምስ ናይ ባንኪ ዕዳ ይቃለሱ ከምዘለዉ’ዮም ዝካትዑ።

ጓል 45 ዓመት ቡሽ ኣብ ወንበር ናይ ሓደ ሰዓት ድቃስ’ኳ እንተሕለፈት ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ በሪ ካፒቶል ተወሳኺ ሓደ ለይቲ ንምድቃስ ምድላዋት ትገብር ከምዘላ ኣፍሊጣ።

ኣባል ዴሞክራት ዝኾነት ሴናተር ኤልዛቤት ዋረንን ኣባል ሪፓብሊካን ጂም ማክጎቨርን ምሉእ ድጋፍ ንምሃብ ዋላ ንሓጺር ግዜ’ውን እንተኾነ ምስ ኮሪ ቡሽ ተጸምቢሮም ኣለዉ።