ኢትዮጵያ፡ ሳልሳይ ዙርያ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝጀመረ ምልክታት ተራእዮም

ኮሮናቫይረስ

ምንጪ ስእሊ, AMANUEL SILESHI

ኣብ ኢትዮጵያ ሳልሳይ ዙር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝጀመረ ምልክታት ከምዝተረአዩ ኢንስትትዩት ጥዕና ማሕበረሰብ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ብዝሒ ብኮቪድ-19 ዝተትሓዙ ሰባት ነክዩ ዝነበረ እንትኸውን፡ ሕዚ ከም ብሓድሽ ወሰኽ ምርአዩ እዩ ከም መረዳእታ ዘቕረቦ።

እቲ መጠን መልከፍቲ ‘ትሑት ነይሩ’ ኣብ ዝተብሃለሉ እዋን፡ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን፡ መዓልታዊ 70 ሰባት ጥራይ ብኮሮናቫይረስ ይተሓዙ ከምዝበሩ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን እቲ ብዝሒ ኣዝዩ ወሰኽ ከምዘርአየ ገሊጹ።

ንኣብነት 22 ሓምለ 2013 [ብኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ሓደ መዓልቲ 476 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኽፉ ሓቢሩ ኣሎ።

እዚ ቁጽሪ፡ እቲ ካልኣይ’ቲ ለበዳ ዙርያ ምስ ተወደአ፡ ዝለዓለ ኮይኑ ከምዝተመዝገበ ወሲኹ ገሊጹ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ካብ 100 ቅምሶ ሓደ ወይካኣ ክልተ ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ዝርከቡ ዝነበሩ ኾይኖም፡ 22 ሓምለ ግን፡ እቲ ብዝሒ ልዕሊ ሰለስተ ዕጽፊ ብምውሳኽ ክሳብ 7 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከምዝርከቡ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን፡ ብዝሒ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ሕክምና ዝርከቡ ድማ፡ በማእከላይ፡ 124 ሰባት ዝነበሩ ኮይኖም፡ ኣብዚ ዝተረቑሐ ዕለት ግና፡ እቲ ብዝሒ ብዕጽፊ ወሲኹ፡ 228 ሰባት ኣብ ክፍሊ ጽኑሕ ሕክምና ከምዝርከቡ ተገሊጹ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም፡ ዝተኻየዱ መጽናዕቲታትን ዳህሳሳትን፡ ሳልሳይ ዙርያ ኮቪድ-19 ከምዝጀመረ የመልክቱ።

እቲ ዝዓበየ ምኽንያት፡ ምስፍፋሕ ሓድሽ ዓሌት ኮቪድ-19 ዴልታ ቫይረስ እንትኸውን፡ እዚ ዓሌት’ቲ ቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ ምህለካዉ ኣይተረጋገጸን።

ይኹን’ምበር፡ ሳልሳይ ዙር እቲ ለበዳ ኣብታ ሃገር ከምዝጀመረ ዘርእዩ ምልክታት ኣለዉ ተባሂሉ።

እቲ ካልኣይ ዙር ምስ ተዛዛመ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ማሕበረሰብ ዕሽሽታ ከምዝሰፈነን፡ መከላኸሊ መንገድታት ዘይምዝውታር ከምዝተርአየን ይዝርብ።

እቲ ትካል፡ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ሕማም ንምክልኻል፡ ቅድም ክብል ዝተቐመጡ፤ ከም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር፣ ጽሬት ኢድካ ምሕላውን ምፍንታትን ዝኣመሰሉ መንገድታት ደጊሞም ተግባራዊ ክግበሩ ጸዊዑ።

ከምኡ’ውን፡ ክትባት ኮቪድ-19 ብምውሳድ ነቲ ለበዳ ምክልኻልን ምቁጽጻርን ከምዝከኣል እቲ ትካል ሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዛጊድ፡ 279 ሽሕ 629 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ምዃኖም ዝተረጋገጸ ኾይኑ፡ ካብ መንጎኦም፡ 263392 ሰባት ካብቲ ሕማም መሊኦም እንትድሕኑ፡ 4381 ውልቀሰባት ድማ፡ ብሰንኪ እቲ ለበዳ ህይወቶም ስኢኖም።

እታ ሃገር፡ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ 3,006,482 ሰባት ምርመራ ከምዘካየደት መረዳእታት የመልክቱ።