ተሓጋጋዚት ኣመሓዳሪ ኒውዮርክ ብሰንኪ ጾታዊ መጥቃዕቲ ካብ መዝነታ ወሪዳ

ጸሓፊት መሊሳ ዲሮሳ ትማሊ ሰንበት ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ከም ዝወረደት ክትገልጽ እንከላ፡ ንህዝቢ ኒውዮርክ ምግልጋል ግን "ኣብ ህይወተይ እቲ ዝዓበየ ክብሪ ነይሩ" ኢላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ላዕለወይቲ ተሓጋጋዚት ኣመሓዳሪ ኒውዮርክ ኣንድሪው ኩዋሞ ብምኽንያት ሓለቕኣ ዝኽሰሰሉ ዘሎ ጾታዊ መጥቃዕታ ካብ መዝነታ ወሪዳ።

ጸሓፊት መሊሳ ዲሮሳ ትማሊ ሰንበት ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ከም ዝወረደት ክትገልጽ እንከላ፡ ንህዝቢ ኒውዮርክ ምግልጋል ግን "ኣብ ህይወተይ እቲ ዝዓበየ ክብሪ ነይሩ" ኢላ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወጽአ ጸብጻበ፡ ኣንድሪው ኩዋሞ ኣብ ልዕሊ 11 ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ የመልክት።

ንሱ እቶም ዝቐረብሉ ክስታት ኣይውዓልኩዎምን ኢሉ ክነጽጎም እንከሎ፡ ዋላ'ውን ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ካብ መዝነቱ ክወርድ እንተሓተተ ኣብ ስርሑ ከም ዝቕጽል ተዛሪቡ።

ዓቃቢ ሕጊ እታ ግዝኣት ላቲታ ጄምስ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ እቲ ኣመሓዳሪ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙን ሕጊ ፌደራል ኣመሪካ ጥሒሱን'ዩ ይብል።

ጸሓፊቱ ዲሮሳ ኣብቲ 168 ገጽ ዘለዎ ጸብጻብ ሽማ 187 ግዜ ክርቋሕ እንከሎ፡ እቲ ኣመሓዳሪ ንዝፈጸሞም ተግባራት ንምሽፍፋን ብምፍታንን ንሓንቲ ካብ ከሰስቱ ሕነ ብምፍዳይን ትኽሰስ።

ኣብቲ ትማሊ ዘውጽኣቶ መግለጺ ግን ብዛዕባ እዚ ዝሃበቶ ርኢይቶ የለን።

"ብውልቀይ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ስነ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ኩነታት ክሰግር ጽዒረ'የ፤ ምስ ኣዝዮም ሙኩራት ብጾት ንሃገረይ ከገልግል ምኽኣለይ ግን ዕድለኛ'የ" ኢላ።

እተን ደቂ ኣንስትዮ ዘቕርብኦ ክሲ እንታይ'ዩ?

  • 11 ደቂ ኣንስትዮ ክሲ ጉድለት ስነ ምግባር የቕርባ
  • ሸሞንተ ከኣ፡ ጸያፍ፣ መናሸዊ ወይ'ውን ወሲባዊ ርኢይቶ ሂቡ ይብላ
  • ሸውዓተ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ብዘይኣግባብ ተናኺፉና ወይ እንተውሓደ ሓንሳብ ጎቲቱና
  • ካልኦት ኣርባዕተ ድማ ብዘይፍቓድና ስዒሙና ኢለን

መርመርቲ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፡ ሰራሕተኛታትን ገለ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣመሓዳሪ ተቓውሞ ዘልዓላን ሓዊሱ ንኣስታት 200 ሰባት ብምዝርራብ ከምኡ'ውን ዓሰርታት ኣሽሓት ሰነዳት፣ ናይ ጽሑፍ መልእኽታትን ምስልታትን ተጠቒሞም'ዮም መርመራ ከካይዱ ጸኒሖም።

እቲ ጸብጻብ ምስ ወጽአ ከኣ ፕሬዝደንት ባይደን ኣመሓዳሪ ኩዋሞ ካብ መዝነቱ ክወርድ ሓቲቱ።

ሎሚ መዓልቲ ኮሚቴ ኣካላት ፍትሒ ኒውዮርክ፡ ኣንድሪው ክዋሞ ካብ መዝነቱ ብክሲ ንክእለ ክሲ ናይ ምምስራት መስርሓት ንምጅማር ክራኸብ'ዩ።