ሃይቲ፡ ቁጽሪ ምውታት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣስታት 2,000 በጺሑ

ቁጽሪ ምውታት ክውስኽ ከምስኽእል እዩ ተሰጊኡ ዘሎ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ,

ቁጽሪ ምውታት ክውስኽ ከምስኽእል እዩ ተሰጊኡ ዘሎ

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ሃይቲ ብዝተኸስተ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ዛጊት ኣስታት 1941 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብ መዚ'ታ ሃገር ገሊጾም።

ብሰንኪ እቲ 7.2 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 10 ሽሕ ሰባት ከቢድን ፎኵስን ኣካላዊ መጉዳእቲ ከጋጥሞም እንከሎ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ከኣ ሃለዋቶም ጠፊኡ ኣሎ።

ነቶም ንዝጠፍኡ ናይ ምድላይን ህይወት ናይ ምድሓንን መስርሕ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሃገራት ካሪብያን ዝሃርም ዘሎ ህቦቡላ ዝተሓወሶ ብርቱዕ ዝናብ ይተዓናቐፍ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሃይቲ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ህጻናት ብዘይ መጽለሊ፡ ጽሩይ ማይን መግብን ተሪፎም ከምዘለዉ ገሊጹ።

ኣብ ሃይቲ ወኪል ዩኒሴፍ ብሩኖ ማስ ብወገኑ "ብሰንኪ እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣዝየን ብዙሓት ስድራ ቤታት ኩሉ ዘለወን ነገር ከሲረን እየን፡ ሕጂ ኸኣ ብሰንኪ እዚ ብርቱዕ ዝናብን ህቦቡላን ናብ ዝኸፈአ ተቓሊዐን ኣለዋ" ኢሉ።

ኣብዚ እዋን ዓሰርተታት ኣሽሓት ሃይታውያን ብዘይ መጽለሊ ከምዝተረፉ ዝገልጽ ብሩኖ፡ እቲ ሕጂ ዘለዎም ኣማራጺ ኣብ ጥራይ ጎልጎል ብዝናብ ምጅብጃብ ወይ'ውን ናብቲ ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝዓነወ ቤቶም ምምላስ ምዃኑ ይገልጽ።

Error message: If this image does not load your device may not support this visualization

Error message: If this image does not load your device may not support this visualization

ደቡባዊ ምዕራብ ሃይቲ እቲ ዝያዳ በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተሃሰየ ክፋል እታ ሃገር ኮይኑ፡ ቀንዲ ኸኣ ከተማ ለስ ካየስ እያ ዕንወት ኣጋጢምዋ ዘሎ።

ነባሪት እታ ከተማ ማገሊ ካደት ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ "ትማሊ [ሰሉስ] ናይ ምሸት፡ ኣብ ሓደ ቤት ክርስትያን ኣዕቒለ ነይረ፡ ኣብኡ እንከለኹ ገለ ምንቅጥቃጥ ናይቲ ህንጻ ምስ ተሰመዓኒ ግን ሃዲመ" ኢላ።

ንሳ፡ እቲ ቤት ክርስትያን ብውሕዳት ኣዕኑድ ጥራይ ደው ኢሉ ከምዝነበረን ሰብ ኣማራጺ ስለዝሰኣነ ካብቲ ዝነበረ ብርቱዕ ዝናብ ንኸዕቅል ናብቲ ቤተ ክርስትያን ከምዝኸደን ገሊጻ።

ገለ ሆስፒታላት እታ ሃገር: ብህሩማት ካብ ዓቕመን ንላዕሊ መሊአን ሕጽረት ናውቲ ሕክምና ኣጋጢምወን ከምዘሎ እዩ ዝሕበር ዘሎ።

እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ነታ ብቐደሙ'ውን ብፖሎቲካውን ቁጠባውን ቅልውላው ተሓሚሳ ዝነበረት ሃገረ ሃይቲ ዓቢ ኣደራዕ ኣውሪድላ ከምዘሎ ይግለጽ።

እታ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ፕረዚደንታ ኣብ መንበሪ ገዝኡ እንከሎ ዝተቐንጸላ ሃገረ ሃይቲ፡ ኣብ 2010 ብዘጋጠማ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ከምዝሞትዋ ዝዝከር እዩ።

ድሕሪ ሞት ፕረዚደንታ ክሳብ ምርጫ ዝካየድ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣርያል ሄንሪ ትምራሕ ዘላ ሃይቲ ብሰንኪ እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንሓደ ወርሒ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጃ ትርከብ።