ዳግማይ ምምራጽ ዶ/ር ቴድሮስ ዝቃወም ሓደ ትካል፡ 'እቲ መስርሕ ግልጺ ይኹን' ኢሉ

ዶ/ር ቴድሮስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ደጊሙ ከይምረጽ ዝቃወም ሓደ ትካል፡ ከይዲ እቲ መረጻ ግልጺ ክኸውን ሓቲቱ።

እዚ፡ ኤድስ ሄልዝኬር ፋውንዴሽን (ኤኤችኤፍ) ዝተብሃለ ትካል፡ ኣባል ሃገራት ንውድብ ጥዕና ዓለም ዝወዳደሩ ሰባት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ከምዘቕርቡ ብምዝኽኻር፡ እቲ ከይዲ መረጻ ግልጽነት ክህልዎ ሓቲቱ።

ንዋና ዳይሬክተርነት እቲ ውድብ ዝግበር መረጻ፡ ‘ግልጺ፣ ፍትሓዊ፣ ኣብ ዓቕሚ ዝተመስረተን ዝተፈላለዩ ዓውዲ ዘሳትፍን ክኸውን ኣለዎ” ኢሉ።

ፕረዚደንት እቲ ትካል ማይክል ዌኒስቲን፡ “ነቲ ለበዳ [ኮሮናቫይረስ] ምቁጽጻር ዘይከኣለ ዶ/ር ቴድሮስ መን ይትከኦ እዩ እቲ ሕቶ ክኸውን ዘለዎ፤ እቲ መረጻ ግን ግልጽነት ዝሰፈኖ ክኸውን ይግባእ” ክብል ተዛሪቡ።

ኤድስ ሄልዝኬር ፋውንዴሽን (ኤኤችኤፍ) ኣብ ዓለም ኣብ ዙርያ ኤድስ ኣትኲሩ ዝሰርሕ ዓለም ለኸ ትካል እዩ።

ኤኤችኤፍ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ኣብ 45 ሃገራት ን1.5 ሚልዮን ሰባት ድጋፍ እናሃበ ዝርከብ ምዃኑ’ውን ይገልጽ።

ዶ/ር ቴድሮስ አድሓኖም፡ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ንካልኣይ ዙር ንምምራሕ ኣብ ምድላው ከምዝርከብ እቲ ትካል ኣዘኻኺሩ።

እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ መፋርቕ ወርሒ ሰነ፡ ዶ/ር ቴድሮስ ካልኣይ ክምረጽ የብሉን ዝበለሉ ምኽንያት ዘርዚሩ ነይሩ ተባሂሉ።

ቀንዲ ምኽንያቱ ድማ፡ "ለበዳ ኮሮናቫይረስ 'ንህዝቢ ዓለም ሓደጋ እዩ' ኢሉ ኣብ ምብያን ደንጉዩ"ዝብል ይርከቦ።

ኣብ ኣበጋግሳ እቲ ቫይረስ’ውን ዛጊድ ግልጽነት ከምዘይተፈጥረ፤ ነቲ ለበዳ ዝውዕል ክትባት ኣብ ምብጻሕ ብፍጠነት ኣይሰርሐን ዝብል’ውን ይርከቦ።

ንነዊሕ እዋን ሚኒስትር ጥዕና ኢትዮጵያን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ዘገልገለ ዶ/ር ቴድሮስ፡ ኣብ 2017 እዩ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይኑ ዝተመርጸ።

እቲ መረጻ ብኸመይ እዩ ዝካየድ?

ኣባል ሃገራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕጹያት ንውድብ ጥዕና ዓለም ፈጻሚት ስራሕ የቕርቡ።

እቲ ቦርዲ፡ ካብቶም ዝቐረቡ ሓሙሽተ ብሉጻት የቕርብ። ካብ መንጎኦም ድማ፡ ሰለስተ ሓርዩ ንመወዳእታ ውድድር ዕላዊ ይገብር።

ካብኡ ዋና ዳይሬክተር እቲ ውድብ ይምረጽ።

እቲ ቦርድ መረጻ ኣብ መጻኢ ወርሒ መስከረም ሓሙሽተ ተወዳደርቲ ክፈሊ'ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበረሉ።

ኣብ መወዳእታ ንመጻኢ ሓሙሽተ ዓመታት ነቲ ትካል ዝመርሕ ሰብ፡ ኣብ’ቲ ዝቕጽል ዓመት ወርሒ ግንቦት ዕላዊ ይኸውን።