ባንክ ኤክዚም ንኢትዮጵያ ብልቓሕ ክህባ ሓሲብዎ ዝነበረ 339 ሚልዮን ዶላር ከምዘወንዘፎ ተገሊጹ

ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, EDUARDO SOTERAS

ባንኪ ሰደድን ኣታውን ቻይና ማለት ኤክዚም ባንክ፡ ንኢትዮጵያ ብልቓሕ ክህባ ሓሲብዎ ዝነበረ 339 ሚልዮን ዶላር ከምዝገትአ ኣብ ሚንስትሪ ፋይናንስ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ምትሕብባር ቻይና ደምሱ ለማ ተዛሪቡ።

ብቢልዮናት ዶላር ልቓሕ ንኢትዮጵያ ክህቡ ዝተዳለዉ ቀንዲ ናይ ልቓሕ ምንጪታታ: እታ ሃገር ምስ ዘላትሉ ወድዓዊ ኩነታት ብዝተሓሓዝ ንምምላስ ዝህልዋ ዓቕሚ ከምዘስግኦም ይግለጽ ኣሎ።

እዚ ስግኣት ዝተፈጠረ: ኢትዮጵያ ቅድም ክብል ናይ ዝወሰደቶ ልቓሕ እፎይታ ክግበረላ ኣብ እትዘራረበሉ ዘላ እዋን’ዩ።

እዚ ድማ ንዓበይቲ ልምዓታዊ ንጥፈታት እታ ሃገር ከምዝጸለዎ ሓቢሩ።

ንኢትዮጵያ ዝወሃብ ልቓሕ ደው ክብል ዝወሰነ ናይ ደገ ኣለቀሓይ ግን እዚ ትካል ጥራይ ኣይኮነን። ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተፈነወ ሰነድ ሚንስትሪ ፋይናንስ ከምዘመልክቶ ክሳብ መዛዘሚ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝነበረ እዋን ልዕሊ 11 ቢልዮን ዶላር ካብ ናይ ደገ ኣለቃሕቲ ክርከብ ትጽቢት ይግበር ነይሩ።

ንኣብነት፤ ሓደ ካብ ቀንዲ መሻርኽቲ ባንኪ ዓለም ዝኾነ ማሕበር ዓለምለኸ ልምዓት 3.3 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ነታ ሃገር ከምዘይሃበ ተፈሊጡ’ሎ።

ቀንዲ ምንጪ ልቓሕ ኢትዮጵያ ዝኾነ ትካል ገንዘብ ዓለም - ኣይኤምኤፍ - እውን 1.4 ቢልዮን ዶላር ከይሃበ ምትራፉ ሚንስትሪ ፋይናንስ እታ ሃገር ይገልጽ።

ባንክታት ልምዓትን ንግድን ኣፍሪቃ’ውን ብተመሳሳሊ ነቲ ዝወጠንኦ ልቓሕ ካብ ምፍናው ተቖጢበን’የን።

ምንጪ ስእሊ, AFP

እዚ ውሳነ ኣለቃሕቲ ትካላት ከኣ፤ ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ክወድቁ ገይሩ’ሎ። ሕርሻ፣ መጓዓዝያን ርክባትን ከምኡ’ውን ህንጸት ዓበይቲ መገድታትን መስመራት ባቡርን ቀንዲ ተጸበይቲ ናይ ደገ ልቓሕ ከምዝኾኑ ይፍለጥ።

ኢትዮጵያ ነቲ ቅድሚ ሎሚ ዝወሰደቶ ልቓሕ: እፎይታ ወይ ስረዛ ክግበረላ ኣብ እትዘራረበሉ እዋን’ዩ እቲ ንቕድሚት ተሓሲቡ ዝነበረ ለቓሕ ደውታ ኣጋጢምዎ ዘሎ።

ወሃቢ ቓል ኣይኤምኤፍ ጌሪ ራይስ፤ ነቲ ኢትዮጵያ ካብ ሃገራት ጉጅለ 20 ከምኡ’ውን ሃገራት ፓሪስ ኣብ ክለብ ዝረኸበቶ ልቓሕ፤ እፎይታ ክመቻቸወላ ንዘቕረበቶ ሕቶ ንምርኣይ ብቕልጡፍ ኮሚቴ ክቐውም ጸዊዑ ምንባሩ ይዝከር።

ኢትዮጵያውያን እውን መንግስቶም እፎይታ ልቓሕ ምሕታቱ ግቡእ ምዃኑ ክገልጹ ከለዉ ዓለማዊ ለበዳ ኮቪድ-19 ንቑጠባ እታ ሃገር ከምዝጸለዎ ብምኽንያት የቐምጡ።

ኢትዮጵያዊ ኣውፋርን ሙሁር ቁጠባን ዘመዴነህ ንጋቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ “ኢትዮጵያ እትርከበን ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ልቓሕ እፎይታ ክግበረለን ምሕታተን ዘይምኽንያታዊ እዩ ኢለ ኣይሓስብን” ኢሉ'ሎ።

ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ትካላት ዝረኸበቶ ልቓሕ ክሳብ ወርሒ መጋቢት ጥራይ 29 ቢልዮን ዶላር ከምዝበጽሕ ይግለጽ።