ኢትዮጵያ፡ ንሕሙማት ካልእ ሕማም ዝኾነ ወሰኽ ዋጋ መንግስታዊ ትካላት ጥዕና

ምንጪ ስእሊ, arnitorfason
ሰላማዊት ነባሪት ከተማ ኣዲስ ኣበባ እያ፡፡ ብምኽንያት ኣዲኣ ዘለወን ሕዱር ሕማም ወርትግ ናብ ሕክምና ይመላለሳ፡፡ ቆጸራ ምስዝህልወን ኩሉ ሻብ ኣብ ቀረበአን ናብ ዝርከብ መደበር ጥዕና ሒዛተን ትኸይድ፡፡
እቲ መደበር ጥዕና ቀረባ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ብዋጋ እውን ተመራጺ እዩ ነይሩ፡፡ ሎሚ ዝገጠማ ግን ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈለየ እዩ፡፡ ዋግኡ ኣይልከፍን፤ ምስቲ ዘለወን ዓቕሚ እንክነጻጸር ከምቲ ዝተጸበየኦ ኣይኮነን፡፡
"ዋጋ ካርዲ 5 ቅርሺ ዝነበረ 50 ብር በጺሑ፤ ካርዲ ጥራሕ እውን ኣይኮነን፡፡ ኩሉ ናይ ኣገልግሎታት ዋጋ ወሲኹ እዩ፡" ትብል ሰላማዊት፡፡ ኣብ ሕክምና ዘሎ መማረጺ ድማ ሓደ'ዩ ምሕካም፡፡
ሰላማዊት ናብ ናይ ውልቀ ሕክምና ከይትኸይድ እቲ ዋጋ ዝገደደ እዩ፡፡
''ዘለኒ ኣማራጺ ስልኪ ደዊለ ተወሳኺ ቅርሺ ተለቂሖም ከምጽኡለይ ምሕታት እዩ'' ትብል፡፡
ብነጻ ዝወሃቡ ዝነበሩ ኣገልግሎታት እውን ክፍሊት ወጺኡሎም እዩ፡፡
ምውሳኽ ዋጋ መንግስታዊ ትካላት ጥዕና ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ ኣይኮነን፡፡
ዶ/ር ሱራፍኤል ኣየለ ይበሃል፡፡ ኣብ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ጎንደር መምህር እዩ፡፡ ኣብቲ ሆስፒታል ናይ ኣገልግሎትን ሕክምና ዋጋ ኣዝዩ ወሲኹ እዩ ይብል፡፡
''እቲ ትእዛዝ ካብ ፌደራል ዝመጸአ እዩ'' ዝብል ዶ/ር ሱራፍኤል ''ዘገርም'' ከምዝኾነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
''ካርዲ ንምውጻእ 5 ቅርሺ ነይሩ፤ ሕጂ ግን 60 ቅርሺ እዩ ኮይኑ ዘሎ፡፡ ደቂስካ ንምሕካም ፡ ንመደቀሲ ዓራት 10 ብር ዝነበረ ናብ 180 ዓብዩ፡፡ ናይ ላቦራቶርን ካልኦት ወጻኢታትን እውን ወሲኹ እዩ'' ኢሉ፡፡
ዶ/ር ሱራፍኤል ከምዝሓበሮ፡ ቅድሚ ሕዚ ብነጻ ዝወሃቡ ዝነበሩ ኣገልግሎታት ሐዚ ዋጋ ወጺኡሎም እዩ፡፡
''ብነጻ ደቂሶም ዝሕከሙ ዝነበሩ ብሕጽረት ምግቢ ዝተጠቕዑ ሕሙማት፡ ሐዚ ማዕረ ምስ ካልእ ሕሙም 180 ብር እዮም ዝኸፍሉ ዘለዉ፡፡ ድኻ ብምዃኑ ውላዱ ብጥምየት ዝደደኾ ወላዲ እውን ንመዓልቲ 180 ብር ክኸፍል ይግበር'' ኢሉ፡፡
ቢቢሲ ካብ ዝፈላለዩ ምንጭታት ብዝገበሮ ምጽራይ፡ ኣብ ትካላት ጥዕና መንግስቲ ዝተገበሩ ናይ ዋጋ ወሰኻት ዝተፈላለዩ እዮም፡፡
ምንጪ ስእሊ, Somchai um-im
ሰብ ሞያ ሕክምና ትኹረት ኣብ ዝገበረ ሓኪም ዝተባህለ ናይ ፌስቡክ ገጽ፡ ሓሳቡ ዘካፈለ ናይ ኣእምሮ ሕክምና ስፔሻሊስት ዶ/ር ዮናስ ላቀው 'ናይ ኣማኑኤል ሆስፒታል ናይ ዋጋ ወሰኽ'' ብዝብል ኣርእስቲ ዝስዕብ ሓሳብ ኣካፊሉ፡፡
''ቅድም ክብል 5 ቅርሺ ዝነበረ ናይ ካርዲ ዋጋ ሐዚ 50 ቅርሺ ኮይኑ፡፡ ደቂሶም ንዝሕከሙ ዝኽፈል ዝነበረ መትሓዚ 400 ብር ነይሩ፤ ሐዚ 9000(ትሸዓተ ሽሕ) ብር ኮይኑ፡፡ ንመደቀሲ ብዓልቲ 3 ቅርሺ ዝነበረ 118 ቅርሺ ኮይኑ'' ኢሉ፡፡
እስኪ ሐዚ ድማ ካብ ኣማኑኤል ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ኣእምሮ ናብ ወራቤ ንኺድ፡፡
ዶ/ር ፈድሉ ጀንፋ ኣብ ኮምፕረሀንሲቭ ሆስፒታል ወራቤ ክኢላ ናይ ውሽጣዊ ሕማማት እዩ፡ ንሱ እውን ኣብቲ ዝሰርሓሉ ሆስፒታል ብተመሳሳሊ ወሰኽ ዋጋ ከምዘሎ ይገልጽ፡፡
እቲ ወሰኽ ዋጋ ብዝተፈላለየ ደረጃ ከምዝግለጽ ብምጥቃስ ''ናይ ኣልትራሳውንድ ዋጋ ካብ 150 ናብ 300 ቅርሺ ዓብዩ፡፡ ደቂሶም ዝሕከሙ ሰባት ዝኸፍልዎ ዝነበረ መዓልታዉ 47 ብር ናብ 170 ብር ዓብዩ'' ብምባል ከም ኣብነት ይጠቅስ፡፡
እቲ ወሰኽ ዋጋ ንኹሉ ዝምልከት ኣይኮነን
እቲ ናይ ዋጋ ወሰኽ ዝገበሮ ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና ከምዝኾነ እትገልጽ ወ/ሮ ፍረህይወት ኣበበ፡ ናይ ትካል መድሕን ጥዕና ዳይሬክተር ጀነራል እያ፡፡
''እቲ ኣብ ስራሕ ዝጸንሐ ዋጋ፡ ነዊሕ ግዘ ዘቑጸረን ብመንጽር ጻንሒት፣ ዋጋን ናይ ብር ናይ ምግዛእ ዓቕምን ምስትኽኻል ከምዝግባእ ትጽቢት ዝግበረሉን እዩ'' ኢላ፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ትካላት ጥዕና መንግስቲ ዝቐርብ ስምዕታ ኣሎ፡፡
''እቲ ስምዕታ ንምፍታሕ ድማ ሃብቲ የድሊ እዩ'' እትብል ወ/ሮ ፍረህይወት '' በቲ ዝነበረ ኣሰራርሓ ንዓውዲ ሕክምና ካብ ዝወጽእ ወጻኢ እቲ 60 ወይ 70 ካብ ሚኢቲ መንግስቲ እዩ ዝሽፍኖ ነይሩ፡፡ እቲ ዝተረፈ እዩ ሕብረሰብ ይሽፍኖ'' ኢላ፡፡
እቲ ወሰኽ ዋጋ ነቶም ኣብ መድሕን ጥዕና ዝተሓቖፉ ኣይምልከትን፡፡
ምንጪ ስእሊ, MARCO LONGARI
ዶ/ር ዮናስ ላቀው እውን '' እዚ ለውጢ ዝተገበረ ሚኒስትሪ ጥዕና ብዝኣወጆ መመርሒ መሰረት እዩ፡፡ ናይ ማሕረሰብ መድሕን ጥዕና ዘለዎም ተሓከምቲ ሐዚ እውን ብነጻ እዮም ኣገልግሎት ዝረኽቡ፡፡ ዘይብሎም ግን ኣገልግሎት ንምርካብ ክኸፍሉ ኣለዎም'' ኢሉ፡፡
በዚ ምኽንያት ሕክምና ክረኽቡ ዝግበኦም ሰባት ኣይረኽቡን ዘለዉ፡፡
''ኣብ በዝሒ ሕሙማት ምቕናስ ከምዘሎ ጠቕላላ ሓካይም (ጀነራል ፕራክትሽነርስ) ይነግሩና እዮም፡፡ ሆስፒታል ኣትዮም ክሕከሙ ዝግበኦም ብምኽንያት ገንዘብ ኣይኣተዉን ከምዝበሃል ሰሚዐ እየ'' ይብል ዶ/ር ፈድሉ፡፡
ምቕናስ ቁጽሪ ተሓከምቲ ከምዘሎ ዝሰማማዕ ዶ/ር ሱራፍኤል ድማ '' (ነቲ ዋጋ ምሰፈለጡ) ኣብ ኣፍደገ በጺሖም ይምለሱ እዮም፡፡ ሐዚ መብዛሕተኦም ተሓከምቲ ብምኽንያት እቲ ወሰኸ ዋጋ እናተጸገሙ፤ ሕክምና ኣቋሪጾም ንምውጻእ እናተገደዱ፣ ኣድላዪ መድሓኒት ንምግዛእን ምርመራ ንምግባርን እናተጸገሙ፡ ናይ መድሕን ጥዕና ተጠቀምቲ ዝኾኑ ግና ብዘይ ዝኾነ ጸገም ይሕከሙ ኣለዉ'' ኢሉ፡፡
መድሕን ጥዕና ስለዘይብሉ ናብ ትካላት ሕክምና ዝመጽእ ሰብ ብምትራፉ ወይ ብምኽንያት እቲ ክፍሊት ግቡእ ሕክምና ብዘይምርካቡ ህይወት ክንስእን ንኽእል ኢና ብምባል ነቲ ሓሳብ ዝድግፍ ድማ ዶ/ር ፈድሉ እዩ፡፡
ናይ ጥዕና መድሕን ዘለዎም ኣብ ዝደለዩዎ ቦታ ኣይሕከሙን
ካልእ ሰብ ሞይ ጥዕና ዘልዕልዎ፡ ኣቐዲሙ እቲ መስርሕ ክትግበር ምዃኑ፣ ሕብረተሰብ ክፈልጦን ምድላው ክገብርን ይግባእ ነይሩ ዝብል እዩ፡፡
ዶ/ር ፈድሉ፡ እቲ ኣሰራርሓ ተግባራዊ ቅድሚ ምዃኑ ሕብረተሰብ ክፈልጦን ክዳሎን ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ምድላው እንተዝግበር ዝሓሸ ምኾነ ነይሩ ይብል፡፡
ወ/ሮ ፍረህይወት ግና ነቲ ሕብረተሰብ ድሉው ናይ ምግባር ስራሕ ናይ ቤት ጽሕፈቶም ስራሕ ዘይኮነስ ናይ ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና ከምዝኾነ ተዛሪባ፡፡
እቲ ካልእ ጸገም ናይ ጥዕና መድሕን ዘለዎም ሰባት እውን እንተኾነ ኣብ ኩሎም ትካላት ጥዕና ክጥቀሙ ዘይምኽኣሎም እዩ፡፡
''እቲ ዘሎ ዞባዊ ኣሰራርሓ እዩ፡፡ (ናብ ዞባና ዝወጽአ መድሕን ጥዕና) ኣብ ዞባና ጥራሕ እዩ ዝሰርሕ፡፡ ካብ ጎረባብቲ ዞባታት ንዝመጹ ኣገልግሎት ኣይህብን፡፡ ስለዚ ክኸፍሉ ይግደዱ እዮም፡፡ ግን ኣብ ዞባ ጥራሕ ክኸውን የብሉን ብደረጃ ክልል ወይ ሃገር ክኸውን ኣለዎ'' ይብል ዶ/ር ፈድሉ፡፡
ተመሳሳሊ ጸገም ከምዘስተውዓለ ዝገልጽ ዶ/ር ሱራፍኤል እውን ሓደ ተሓካሚ ኣብ ጎንደር ክረኽቦ ዘይከኣለ ሕክምና ንምርካብ ናብ ባህርዳር እንተኸይዱ በቲ ዘለዎ ናይ ጥዕና መድሕን ዝሽፈን ስለዘይኮነ ክኸፍል እዩ ዝግደድ ኢሉ፡፡ እዚ ድማ እቲ መድሕን ጥዕና እውን እንተኾነ ንኹሉ ናይ ነጻ ሕክምና ኣየርክብን ማለት ከምዝኾነ ኣረዲኡ፡፡
መድሕን ጥዕና ኣብ ኩሎም ትካላት ጥዕና ኣገልግሎት ክትረክብ ከምዘይኽእል እትሰማማዕ ወ/ሮ ፍረህይወት ''እቲ ሐዚ ዘሎ ኣሰራርሓ ናይ ሪፈራል ሰንሰለት ሓልዩ እዩ ዝኸይድ'' ትብል።
ነዚ ንምፍታሕ ድማ ትካላት ጥዕና ምስ ብዙሓት ትካላት ጥዕና ውዕል ክኣስሩን ሓቢሮም ክሰርሑን ከምዝግባእ ተዛሪባ፡፡
ንኹሉ ዘይተዳለወ መድሕን ጥዕና
እቲ ካልእ ጸገም ድማ እቲ መድሕን ጥዕና ንኹሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ማእከል ዘይገበረ ምዃኑ እዩ፡፡ ሰራሕተኛታት መንግስትን ሰብ ሞያ ጥዕናን ሓዊሱ ኣብ መድሕን ጥዕና ዘይሕቆፉ ከምዘለዉ ዝገልጽ ዶ/ር ሱራፍኤል እዞም ክፋላት ሕብረተሰብ ንጸገም ተቓላዕቲ እዮም ኢሉ፡፡
እቲ መድሕን ጥዕና መደበኛ ኣብዘይኮነ ስራሕ ንዘተዋፈሩን ወርሓዊ ደሞዝ ንዘይብሎምን ትኹረት ዝገበረ እዩ፡፡
''እቲ ሐዚ ተግባራዊ ዝተገበረ መድሕን ጥዕና መደበኛ ኣብዘይኮነ ዓውዲ ስራሕ ንዝተዋፈሩን ካብ 10 ሰብ ንታሕቲ ኣብ ዝቖጽሩን ዓውዲታት ንዝሰርሑን ኣብ ትሑት መነባብሮ ንዘለዉን'' ዝሓቁፍ ከምዝኾነ ወ/ሮ ፍረህይወት ኣረጋጊጻ፡፡
ኣብ ቀረባ ድማ ንኻልኦት እውን ዘካትት ኣሰራርሓ ብምዝርጋሕ ተግባራዊ ብምግባር እቲ ጸገም ከምዝፍታሕ ሓቢራ፡፡
እቶም ዘዘራረብናዮም ሰብሞይ ጥዕና ኣብቲ ወሰኽ ዋጋ ብዙሕ ቅረታ ዘለዎም ኣይመስሉን።
ዘይሰማምዑሉ ኣብቲ መጠን ወሰኽን እቲ ወሰኽ ዝተገበረሉ እዋንን እዩ፡፡
''እቲ ሓሳብ ብሓፈሻ ነቲ ሕብረተሰብ ናብ መድሕን ጥዕና ንምእታው ዝዓለመ ይመስል፡፡ ብኽንያቱ ካብ ጁባኻ ከፊልካ ኣይትኽእሎን፡፡ ኩሉ ሰብ በቲ ዝኸፈሎ ገንዘብ እዩ ዝሕከም፡፡ ናይቲ ዓውዲ ገንዘብ እውን ይመሓየሽ፡፡ እቲ ትካል ከም ምዕራባውያንን ኣመሪካን ንምግባር እዩ፡፡ ብሓፈሻ እቲ ኣሰራርሓ ይድግፎ እየ፡፡ እቲ ትልሚ ዓውዲ ጥዕና ንምዕባይ እዩ'' ይብል ዶ/ር ፈድሉ፡፡
ዶ/ር ሱራፍኤል ብወገኑ ''ንምንታይ በዚ መጠን ዋጋ ከምዝወሰኸ ንምፍላጥ ኣብ ዝገበርክዎ ጻዕሪ፡ ቅድሚ ሕዚ ሆስፒታላት ካብ ልክዕ ብዝነኣሰ ዋጋ ኣገልግሎት ይህባ ስለዝነበራ ንክሳራ ከምዝተቓላዓን እቲ ሐዚ ዝወጸ ዋጋ ግን ግቡእ ክፍሊት ከምዝኾነን እዩ፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ገጠር ዘሎ ሕብረተሰብ ናይ ጥዕና መድሕን ተጠቃሚ ክኸውን ንምብርትታዕ ዝዓለመ እዩ'' ይብል፡፡ ኮይኑ ግና በቲ ዝተወሰኸ መጠን ክፍሊት ኣብ ኣገልግሎት ዝግበር ምምሕያሽከ እንታይ እዩ ክብል ይሓትት፡፡
ኣዲኣ ንሰላማዊት ሕክምነአን ተኸታቲለን ሓውየን እየን፡፡ ንሳ እውን ንጽባሓይትኡ ናይ ጥዕና መድሕን ዓመታዊ ክፍሊት ፈጺማ ኣባል ኮይነን ኣለዋ፡፡ በብግዚኡ ብምኽንያት ኣዲኣ ናብ ሕክምና እትመላለስ ሰላማዊት ሐዚ ''እፎይ ኢለ ኣለኹ'' ትብል፡፡
40 ሚልዮን ሰባት ኣብ መድሕን ጥዕና ተሓቚፎም እዮም
መድሕን ጥዕና ማለት፡ ሓደ ቤተሰብ ብዓመት ዝተወሰነ ገንዘብ ብምኽፋል፡ ኣባላት ቤተሰቡ እንትሓሙ ብነጻ ኣገልግሎት ሕክምና ዝረኽበሉ መንገዲ እዩ፡፡
መደበኛ ዘይኮነ ስራሕ ንዝሰርሑን ቀዋሚ ደሞዝ ንዘይብሎምን ማእከል ዝገበረ ኮይኑ፡ ተግባራዊ ካብ ዝኸውን 10 ዓመት ገይሩ ኣሎ፡፡
40 ሚልዮን ኣባላት ከምዘለዉዎ እውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ፡፡
ካብ ዘለዉዎ ኣባላት 24 ሚኢታዊት (8 ሚልዮን ዝኾኑ) ኣብ ትሕቲ ጸፍሒ ድኽነት ዝርከቡ ብምዃኖም ወጻኢኦም ብመንግስቲ እዩ ዝሽፈን፡፡
በቢከባቢኡ ዝፈላለ፡ ኣብ ዓመት ሓደ ግዘ ብዝፍጸም ክፍሊት ኣባል ምዃን ይከኣል፡፡ ንኣብነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሓደ መራሒ ስድራ 350 ብር ብምኽፋል ምምዝጋብ ይኽእል ነይሩ፡፡
እዚ ድማ ናይ ልብን ኣእምሮን ሕክምና ሓዊሱ ኣብታ ከተማ ኣብ ዘለዉ ትካላት ጥዕና ዝወሃብ ኣገልግሎት እዩ፡፡ እንተኾነ እዚ ዋጋ እውን ወሰኽ ክግበሮ ከምዝኽእል እያ ወ/ሮ ፍረህይወት እትዛረብ፡፡
ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ ሓለዋ ጥዕና ንምርካብ ዝገበርናዮ ተደጋጋሚ ጻዕሪ አይሰመረን፡፡