ብፕረዚደንት ኤርዶጋን ዝተዓደመ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ቱርኪ ኣትዩ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ቱርኪ

ምንጪ ስእሊ, Office of Prime Minister

መግለጺ ስእሊ,

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ቱርኪ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ቱርኪ ወግዓዊ ምብጻሕ ስራሕ ንምክያድ ሎሚ ቱርኪ ኣትዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ፕረዚደንት ረሲፕ ጣይፕ ኤርዶጋን ተራኺቡ ኣብ ዙርያ ክልትኣውን ዞባውን ጉዳያት ከም ዝዝቲ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ሓቢሩ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ፕረዚደንት ቱርኪ ምስ ኣብዪ ኣሕመድ ብስልኪ ምስ ተዘራረበ ሃገሩ ንኢትዮጵያ 'ኩለመዳያዊ ሓገዝ ክትገብር ድሉውቲ ምዃና ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ክልቲኦም መራሕቲ ብ25 ሓምለ 2013 ዓ.ም ብስልኪ ኣብ ዝተዘራረብሉ እዋን ቱርኪ ንርግኣትን ሰላምን ኢትዮጵያ ዓብዪ ዋጋ ከም እትህብ እቲ ፕረዚደንት ገሊጹ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣብታ ሃገር ዝጸንሐሎም መዓልታት'ኳ እንተዘይተገለጸ፡ እቲ ምብጻሕ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝጀመረሉ መበል 125 ዓመት ምዃኑ ፍሉይ ይገብሮ ክብል ኮምዩኒኬሽን ዳይሮክተሬት ቱርኪ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

ኣብዚ ግዜ፡ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ብምግምጋም ርክበን ንምጥንኻር ክውሰዱ ብዛዕባ ዝግብኦም ዝምድናታት ክመያየጡ'ዮም ተባሂሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣቦ መንበር ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ብሰንኪ ዶባዊ ሽግራትን ህንጸት ግድብ ሕዳሰን ምስ ኢትዮጵያ ትወጣወጥ ዘላ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል-ቡርሃን ቅድሚ ሒደት መዓልታት ናብ ቱርኪ ተጓዒዙ ነይሩ።

ሱዳን፡ ምብጻሕ ጀነራል ኣል-ቡርሃን ዝምድና እተን ሃገራት ንምጥንኻር ዝዓለመ'ዩ ኢላ።

ጄነራል ዓብደል ፋታህ ኣል-ቡርሐን ፕረዚደንት ኤርዶጋን ብመሰረት ዘቕረበሉ ዕድመ ንክልተ መዓልታት ምብጻሕ ገይሩ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ተመሊሱ።

ንሱ ብርክት ዝበሉ ስምምዓት ተፈራሪሙ'ዩ።

ቐረብ ሓይሊ፣ ምክልኻል፣ ፋይናንስን መራኸብቲ ሓፋሽን ክልቲአን ሃገራት ካብ ሞንጎ ዝተሰማምዓሎም ጽላታት ምዃኖም ማዕኸን ዜና ኣናዶሉ ጸብጺቡ ነይሩ።

ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ገዚፍ ኢንቨስትመንት ካብ ዘውፈራ ሃገራት ሓንቲ ኮይና፡ ኣብ ዓለባን ምፍራይ መተሓላለፊ ኤሌክትሪክ ዝኾኑ ገመዳትን ሓዊሱ ኩባኒያታት ቱርኪ ናይ 2.5 ቢልዮን ዶላር ከም ዘውፈሩ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ቱርኪ ኣብ ቐጠባውን ፖለቲካውን ጉዳያት ማእኸላይ ምብራቕ ጽልዋ ፈጣሪት ካብ ሞንጎ ዝኾና ሃገራት ሓንቲ'ያ።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ቱርኪ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮናት] ተቕርብ ኣላ ዝብሉ ጸብጻባት ምስ ወጽኡ መንግስቲ እታ ሃገር 'ሓሶት እዩ' ምባሉ ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ዘካይዶ ወተሃደራዊ ስርሒት ዘገልግሉ ኣብ ቱርኪ ዝተሰርሑ ድሮናት ኣእትዩ ኣሎ ዝብል ጸብጻባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሕ ድሕሪ ምዝርግሑ እዩ እቲ ኤምባሲ ምላሽ ዝሃበ።

ኣብ ትግራይ ብዝተኻየደ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምጥቃም ዝተፈላለዩ ስርሒታት ምፍጻሙ ቅድሚ ሕጂ ተገሊጹ ነይሩ።

ብኻልእ ወገን ፍሉይ ልኡኽ ቐርኒ ኣፍሪቃ ኣመሪካ ጄፍሪ ፌልትማን ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ የካይድ ምህላው ተፈሊጡ።

ፌልትማን ካብ 9 ክሳብ 18 ነሓሰ [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ዘለው ዓሰርተ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ፣ ጂቡቲን ሕቡራት ኢመራት ዓረብን ብምኻድ ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ እተን ሃገራት ክዘራረብ'ዩ።