ኣብ መትረብ እንግሊዝ ሓደ ኤርትራዊ ድሕሪ ምማቱ ሰብ መዚ ፈረንሳ ናይ ቅትለት ክሲ መስሪቶም

ምንጪ ስእሊ, PreMarManche
ሓደ ኤርትራዊ ናብ ሆስፒታል ካለይስ ድሕሪ ምብጽሑ ህይወቱ ሓሊፉ
ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ብንእሽቶ ጃልባ ንመትረብ እንግሊዝ ክሰግር ኣብ ዝፈተነሉ ድሕሪ ብምማቱ፡ ሰብ መዚ ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብኣይ ናይ ቅትለት ክሲ መስሪቶም።
ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ሓንቲ 36 ሰባት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ክትጥሕል ምስ ጀመረት ሓደ ወዲ 27 ዓመት ኤርትራዊ ህይወቱ ከም ዝሓለፈ ይዝከር።
ሰበስልጣን ፈረንሳ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ሓደ ኣልጀርያዊ ብቀዳም ናብ ቤትፍርዲ ክቐርብ እንከሎ ጌና ኣብ ቀይዲ ምህላው ገሊጾም።
እቲ ኣልጀርያዊ ንህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ምእታውን ከምኡ'ውን ብዘይሕጋዊ መገዲ ሰባት ናብ ፈረንሳ ኣሰጋጊሩ ዝብሉ ክስታት'ውን ተመስሪቶምሉ ኣለው።
ብሓሙስ ኣስታት 600 ስደተኛታት ብናኣሽቱ ጀላቡ ጌሮም ናብ ብሪጣንያ ክኣትው እንከለው፤ ብዙሓት ጀላቡ ኣብ ሓደጋ ድሕሪ ምውዳቐን ሰብመዚ ፈረንሳ 160 ካልኦት ስደተኛታት ኣድሒኖም እዮም።
ምንጪ ስእሊ, PA Media
ሓለዋ ዶባት ብዓርቢ 285 ሰባት ሒዞም
እቲ ህይወቱ ዝሓለፈ ኤርትራዊ ካብቲ ማያት ክወጽእ ከሎ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ከምዝነበረን ብሄሊኮፕተር ናብ ሆስፒታል ካሌይስ ፈረንሳ ከም ዝተወሰደን ተገሊጹ። እንተኾነ ግና ብህይወት ክተርፍ ኣይከኣለን።
እታ ጃልባ ከትጥሕል ምስ ጀመረት፡ ክብደት ንምጉዳል ብዝብል እቲ ወዲ 27 ዓመት ካብታ ጃልባ ዘሊሉ ናብቲ ማይ ከም ዝኣተወን፣ ጓል 22 ዓመት ዓርኩ ኣብታ ጃልባ ከም ዝነበረትን፤ ምስ ትካል ግብረሰናይ 'ዩቶፕያ 56' ዝሰርሕ ኒኮላይ ፖዝነር ካብ'ቶም ስደተኛታት ንዝረኸቦ ሓበሬታ ብምጥቃስ ይነግር።
"እታ ጃልባ ክትጥሕል ትጅምር ነይራ፤ ስለዚ ክብደት ከጉድሉ ደልዮም . . . በዚ ድማ እቶም ሰባት ናብቲ ማይ ክዘሉን ባልጃታቶም ናብቲ ማይ ክድርብዩን ጀሚሮም" ኢሉ።
ብሰንበት 285 ሰባት ብትሽዓተ ንኣሽቱ ጃላቡ ጌሮም ናብ ብሪጣንያ ምእታዎም ቤትጽሕፈት ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ዛጊት ልዕሊ 11,000 ሰባት በቲ መገዲ ናብ ብሪጣንያ ኣትዮም ኣለው።