ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሰንኪ ከቢድ ዝናብ ህይወት ሸውዓተ ሰባት ሓሊፉ

ሓደጋ ውሕጅ

ምንጪ ስእሊ, FBC

ትማሊ ሰሉስ፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝወቕዐ ከቢድ ዝናብ ስዒቡ፡ ናይ ሸውዓተ ሰባት ህይወት እንትሓለፍ፡ ሃለዋት ሓንቲ ሰበይቲ ዛጊድ ኣይተፈልጠን።

እቲ ሓደጋ፡ ብልሙድ መካነ እየሱስ ሴሚናሪ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ኮሌጅ ቀጽሪ እዩ ኣጓኒፉ።

ሓላፊ ሚድያን ጉዳያት ሕግን እቲ ኮሌጅ፡ ኣቶ ኣሴር ሰይፉ፡ ትማሊ ሰዓት ዓሰርተ ኣቢሉ [ብኣቆጻጽራ ግእዝ] ብጥቓ እቲ ኮሌጅ ዝሓልፍ ሩባ መካኒሳ መሊኡ፡ ሓጹር እቲ ኮሌጅ ኣፍሪሱ ምስኣተወ እዩ፡ እቲ ሓደጋ ከምዝበጽሐ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ንሱ ወሲኹ፡ በቲ ሓደጋ ህይወቶም ዝሓለፈ ሰባት፡ እቲ ሓደጋ እንተጓንፍ፡ ኣብ መንበሪ ገዘኦም ከምዝነበሩን፡ ናይ ሓደጋ እዋን ሰራሕተኛታት፡ እታ ሃለዋታ ዘይተፈልጠ ንምርካብ ኣብ ኣለሻ ከምዝርከቡ ተዛሪቡ።

ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ፡ ኣዳነች ኣቤቤ፡ መካነ እየሱስ ሴሚናሪ ዝርከበሉ ጀርመን ኣደባባይ፣ ኣደይ ኣበባ ጎልፍ ክለብን ተባሂሎም ዝፍለጡ ከባብታት ሓደጋ ውሕጅ [ዕልቕልቕ] ከምዝገጠሞምን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዘብጸሐን ኣብ ትዊኡተር ገጻ ኣስፊራ።

እቲ ሓደጋ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ቐጽሪ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ መምህራንን ካልኦት ሰራሕተኛታትን ከምዝኾነ ዓቕሚ ዝረኸቡ ናብ ዝባን ቆርቖሮ ወጺኦም ህይወቶም ከትርፉ ከምዝኸኣሉን፡ ሓላፊ ሚድያን ሕግን’ቲ ኮሌጅ፡ ኣቶ ኣሴር ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ኮሌጅ ሓደርቲ ዝኾኑ ኣስታት 300 ዝኾኑ ተምሃሮ እንተሃለዉ’ኳ፡ እቲ መንበሪኦም ኣብ በሪኽ ቦታ ብምዃኑ ጉድኣት ከምዘይበጽሖም’ውን ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ ልዕሊ ኣብ ውሽጢ እቲ ቀጽሪ ዝነበሩ ተሽከርከርትን ካልኦት ንብረትን’ውን ከቢድ ጉድኣት ከምዝወረደ ሓቢሩ።

“ቅድሚ ሕዚ ተመሳሳሊ ሓደጋ ኣጓኒፉ እንተነበረ’ኳ፡ እቲ ናይ ሕዚ ግን ኣዝዩ ዝኸፍአን ህይወት ሰባት ዝመንዘዐን እዩ” ድማ ኢሉ።

ሰራሕተኛ እቲ ኮሌጅ ዝኾነ ሲማ ጉደታ መንበሪ ገዛ ሰራሕተኛታት በቲ ውሑጅ'ኳ እንተዕለቕለቐ ንሱን ሓፍቱን ግን ብህይወት ክተርፉ ከም ዝኽኣሉ ሓቢሩ።"ሰለስተ ኣባይቲ ሓደጋ ክበጽሖም እንከሎ፡ ካብ ሓደ ገዛ ሓሙሽተ ሰባት ሞይቶም፤ ካብቲ ካልኣይ ገዛ ድማ ቖልዓ ሓደ ዓመትን ሓደ ወርሕን ህጻን ምስ ሓብሓቢቱን ህይወቶም ሓሊፉ፤ ካብቲ ሳልሳይ ገዛ ከኣ ቖልዓ 10 ዓመት ሞይታ" ኢሉ።

እቲ ኮሌጅ፡ ኣብ ምሕደራን መሪሕነትን ኣትኲሩ ስልጣና ብምሃብ ዝፍለጥ ማእከል ኮይኑ፡ ልዕሊ ዕስራ ዓመታት ዘቑጸረ፡ ቤት ትምህርቲ ሙዚቃ ጃዝ መካነ እየሱስ’ውን ኣካል እዚ ኮሌጅ ምዃኑ ይዝረብ።

ሕዚ’ውን ትንቢታት ኣየር ጸባይ፡ ኣብታ ከተማ ከቢድ ዝናብ ከምዝወቅዕ ዘመልክቱ ኮይኖም፤ ነበርቲ ቅድመ-ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዘለዎም ይሕተቱ።