ኣብ ግምባራት ኲናት ሚዛን ሓይሊ ዝቕይራ ዘለዋ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ

ሰብኣልቦ ነፈርቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብ ቀረባ እዋናት ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ወይ ድሮናት ብዝለዓለ ደረጃ ንውጽኢት ዓውደ ውግኣት ይቕይራ ከምዘለዋ ሰብሞያ ይምስክሩ።

ኣባል ማእከላይ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ዝኾነ ሌ/ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ምስ ቢቢሲ 'ኒውዝ ኣወር' ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናት) ኣብቲ ከካይድዎ ዝጸንሑ ኲናት ግደ ከምዝነበረን ተኣሚኑ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን'ውን ትግራይ ኲናት ካብ ዝኽፈት ንደሓር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝተጠቐመ ዝሕብሩ ጸብጻባት ክወጽኡ ጸኒሖም’ዮም።

ድሮናት ኣብ ስልለላን ዒላማ መጥቃዕቲ ብምዕዋትን ውጽኢት ኲናት ኣብ ምቕያር ወሳኒ ተራ ኣለወን። ነዚ ኣብነት ዝኸውን ኣብ ቀረባ ኣብ ሞንጎ ኣዘርባጃንን ኣርሜንያን ዝተኻየደ ኲናት’ዩ።

ብወገን ኣዘርባጃን ኣብቲ ኲናት ኣገልግሎት ዝሃባ ቱርኪ ዝሰርሐተን ድሮናት እታ ሃገር ዓወት ንኽትረክብ ምኽንያት ካብ ዝኾኑ ተግባራት ሓደ ነይሩ።

ዋላ’ኳ ቢቢሲ ኣብዚ ኲናት ኣየኖት ዓይነት ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ኣበየናይ ወተሃደራዊ ረብሓ ውዒለን ንዝብል ከረጋግጽ እንተዘይከኣለ፤ እተን ቴክኖሎጂታት ኲናት ኣብቲ ግጭት ንኣገልግሎት በቒዐን ከምዝነበራ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣእንፊቱ ነይሩ።

ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሜጀር ጀነራል ይልማ መርዳሳ ብወገኑ፤ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2013 ኣ.ኢ ሃገራዊ መደበር ቴሌቪዥን እታ ሃገር ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፤ ኣብቲ ኲናት ድሮናት ከምዝተጠቐሙ ኣረጋጊጹ’ዩ።

ድሮን ብኸመይ ንዂናት ይውዕል?

ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ዝተፈላለዩ ረብሓታት ካብ ምሃበን ብተወሳኺ ንኽልተ መሰረታዊ ዝበሃሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት እውን ይውዕላ። ንስለያ [ካብ ጸላኢ ሓበሬታ ንምእካብ] ከምኡ’ውን መጥቃዕቲ ንምፍጻም [ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ሚሳኤል ንምትኳስ] የገልግላ።

ግዝፊ ወይ ኣካላዊ መጠን ድሮናት ምስተን ስሩዓት ወተሃደራዊ ኮና ሲቮላዊ ነፈርቲ ክነጻጸራ ከለዋ ኣዝየን ዝነኣሳ እየን። ቁጽጽር ዝግበረለን ከኣ ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ዝኾነ ቦታ ብዘሎ በዓልሞያ’ዩ። እቲ በዓልሞያ ተንቀሳቓሲ ኣብ ዝኾነ መቆጻጸሪ [mobile ground control station] ኮይኑ ብርክብ ሳተላይት ኣቢሉ ነታ ድሮን ይቆጻጸራ።

ኣብ ዓውዲ ኲናት ንጸላኢ ከቢድ ዕንወትን ኪሳራን ብምስዓብ ውጽኢታውያን ካብ ሞንጎ ዝበሃሉ ዓይነታት ድሮን ዘፍርያ ሃገራት ቻይና፣ ቱርኪ፣ ኣሜሪካን እስራኤልን ይጥቀሳ። በዘን ሃገራት ካብ ዝፈርያ ሰብኣልቦ ነፈርቲ ንገሊኤን ክንድህስስ።

ምንጪ ስእሊ, Power Sport Images

መግለጺ ስእሊ,

ስራሓት ቻይና ዊንግ ሎንግ II

ዊንግሎንግ II

እዚ ዓይነት ድሮን ቻይና ንናይ ደገ ዕዳጋ ኣብ ግምት ብምእታው ዘፍረየቶ ኮይኑ፤ ኣብ ማእኸላይ ብራኸ ነዊሕ ርሕቐት (Medium Altitude Long Endurance) ይምደብ።

ብማእኸላይ ካብ 10 ክሳብ 30 ሽሕ ጫማ ብራኸ ንተኸታተልቲ ካብ 24 ክሳብ 48 ሰዓታት ክበርር ይኽእል። ብቻይናዊ ኮርፖሬሽን ኣቪየሽን ኢንዳስትሪ ድማ ይፈሪ።

ዊንግ ሎንግ ቦምባታት፣ ሮኬታትን ሚሳይላትን ክዕጠቕ ዝኽእል ኮይኑ፤ 11 ሜትሮ ንውሓት ከምኡ’ውን 4.1 ሜትሮ ቁመት ኣለዎ። ክንፍታቱ ድማ 20.5 ሜትሮ ስፍሓት ኣለዎም።

ናይ ሳተላይት ርክብ ዝተገጠመሉ እዚ ድሮን ኣብ ውሽጢ 1500 ኪሎሜትር ራድየስ ኮይንካ ቁጽጽር ክግበረሉ ይኽእል። ክሳብ 480 ኪሎ ግራም ዝምዘኑ ቦምባታት ወይ ሚሳይላት ናይ ምሽካም ዓቕሚ ኣለዎ።

ምንጪ ስእሊ, Baykardefence

መግለጺ ስእሊ,

ስረሓት ቱርኪ ባይራክታር ቲቢ2

ባይራክታርቲቢ2

እዚ ብቱርኪ ዝስራሕ ድሮን ኣባላት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ዝኾና ሃገራትን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘለዋ ሃገራትን ዓዲገን ተዓጢቐንኦ ይርከባ። ገሊኡን ድማ ገና ክገዝኣ ኣብ ስምምዕ ኣለዋ።

ነቲ ድሮን ዘፍሪ ‘ባይካር ዲፈንስ’ ኣብዚ እዋን ኣስታት160 ባይራክታር ቲቢ2 ኣብ ቱርኪ፣ ቀጠር፣ ዩክረይንን ኣዘርባጃንን ኣገልግሎት ይህባ ምህላወን ይገልጽ። ኣባል ኔቶ ዝኾነት ፖላንድ’ውን 24 ድሮናት ንምዕዳግ ተሰማሚዓ’ላ።

ሚንስተር ምክልኻል ፖላንድ ባይራክታት ቲቢ2 “ብቕዓተን ኣብ ኲናት ኣመስኪረን ኣለዋ” ክብል ኣብ መደብር ሬድዮ ሃገሩ ምዝራቡ ጸብጻብ ሮይተርስ የመልክት።

ብተመሳሳሊ ሞሮኮ 13 ባይራክታር ካብ ቱርኪ ንምዕዳግ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ስምምዕ ከምዝፈጸመት መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ጸብጺበን ነይረን።

ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጠይብ ኤርዶሃን ስዑዲ ዓረብያ ድሮናት ሃገሩ ንምግዛእ ድልየት ከምዘለዋ ገሊጹ’ዩ። ብተመሳሳሊ ላቲቪያ’ውን ነተን ድሮናት ናይ ምዕዳግ ድልየት ከምዘለዋ ሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ቱርኪ ኣብ ወርሒ ሰነ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ወግዓዊ ከምዝገበረ ይፍለጥ።

ኣብ ማእኸላይ ብራኸ ነዊሕ ርሕቐት (Medium Altitude Long Endurance) ዝምደብ ኮይኑ፤ ክሳብ 150 ኪሎ ግራም ክብደት ተሰኪሙ ክበርር ይኽእል። ክሳብ 300 ኪሎሜትር ርሕቐት ኮይንካ ምቁጽጻር ከምዝከኣል ይግለጽ።

ነዞም ድሮናት ዘፍርይ ትካል ኣብ ዌብሳይቱ ዘስፈሮ ሓበሬታ፤ ስፍሓት ክንፉ/መንፈሩ 12 ሜትሮ፣ ቁመቱ 2.2 ሜትሮ፣ ንውሓቱ 6.5 ሜትሮ ከምዝኾነ የመልክት።

እዚ ዓይነት ድሮን ቁጽጽር ከይተገበረሉ ባዓሉ ክለዓልን ክዓልብን ካብ ምኽኣሉ ብተወሳኺ ካብ 18 ክሳብ 27 ሽሕ ጫማ ብራኸ ኣገልግሎት ክህብ ይኽእል። 4 ሮኬት/ቦምባ ወይ ሚሳኤል ክሽከም ድማ ይኽእል።

ኤምኪው-9 ሪፐር

ምንጪ ስእሊ, General Atomics

መግለጺ ስእሊ,

ስራሓት ኣመሪካ-9 ሪፐር

እዛ ስርሓት ኣሜሪካ ዝኾነት ድሮን ብጀነራል ኣቶሚክስ ብዝበሃል ኩባንያ ትፈሪ። ኣዝያ ዝተራቐቐ ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላን ከምዝኾነት’ውን ይዝረበላ።

11 ሚትሮ ንውሓት፣ 3.6 ሜትሮ ቁመት፣ 21.12 ሜትሮ ስፍሓት ክንፊ ከምዘለዋ ድማ እቲ ኣፍራዪ ትካል ኣብ ዌብሳይቱ ዝዘርግሖ ሓበሬታ የረድእ።

ክሳብ 50 ሽሕ ጫማ ብራኸ ክትበርር እትኽእል ኮይና፤ ክሳብ 1300 ኪሎግራም ዝምዘን ክብደት ተሰኪማ ንተኸታተልቲ 27 ሰዓታት ኣብ በረራ ትጸንሕ።

ኣሜሪካ ነዞም ኣዝዮም ዘመናውያን ድሮናታ ፈተውታ ንዝኾና ሃገራት’ያ ትሸይጥ። ጣልያን፣ ፈረንሳ ስፐይንን ነዛ ድሮን ዓዲገን ይርከባ።

ሄሮንቲፒ

ምንጪ ስእሊ, IAI

መግለጺ ስእሊ,

ስራሓት እስራኤል ሄሮን ቲፒ

ኣብ እስራኤል ኢዳስትሪ ኤሮስፔስ ይፈርይ። እዚ ድሮን ክሳብ 2700 ኪሎ ግራም ተሰኪሙ ክበርር ይኽእል። ኣብ 45 ሽሕ ጫማ ብራኸ ክሳብ 30 ሰዓታት ብዘይምቁራጽ ናይ ምብራር ዓቕሚ ዘለዎ እዚ ድሮን ብርክብ ሳተላይት ቁጽጽር ይግበረሉ።

14 ሜትሮ ንውሓትን 26 ሜትሮ ስፍሓት ክንፍን ኣለዎ። እዚ እስራኤል ዝዓጠቐቶ ድሮን ብዘይሓገዝ ሰብ ክብገስን ክዓልብ ከምዝኽእል እቲ ዘፍርዮ ትካል ይገልጽ።

ከም ጸብጻብ ዘ-ጀሩሳሌም ፖስት እንተኾይኑ ብዙሓት ሃገራት ዓዲገንኦ እየን። ጀርመን፣ ኣወስትራልያ፣ ፈረንሳ፣ ደቡብ ኮሪያን ካናዳን ካብ ሞንጎ እተን ዝዓደግኦ ሃገራት ከምዝኾና ይግለጽ።

ኣብ ኲናት ኣፍጋኒስታን’ውን ምዕራባውያን ሃገራት ኣንጻር ዕጡቓት ጣሊባን ኣብ ዘፈጸምኦ መጥቃዕቲ ነዚ ድሮን ከምዝተጠቐማ ጸብጻብ እቲ ጋዜጣ የመልክት።

ድሮናት ኣብ ዓውደ ውግኣት

ቻይና፣ ቱርኪ፣ ኢራን፣ ኣሜሪካን እስራኤልን ዝሰርሕኦም ድሮናት ብፍላይ ካብ ቀረባ እዋናት ናብዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ውግኣት ከምዘገልገላ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ካናዳ ቅድሚ ሓሙሽተ ወርሒ ቱርኪ ዝሰርሓቶ ድሮን ኣብ ኲናት ኣርሜንያን ኣዘርባጃንን ኣብ ኣገልግሎት ከምዝወዓለ ብምግላጽ ምስታ ሃገር ዝነበራ ስምምዕ ንግዲ ድሮን ሰሪዛ’ያ።

ሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ካናዳ፡ ቱርኪ ደገፍ ዝሃበቶ ሰራዊት ኣዘርባጃን ነተን ድሮናት ከምዝተጠቐመ ተረጋጊጹ’ሎ ክብል ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣዘርባጃን ምስ ኣርሜንያ ኣብ ዘካየደቶ ኲናት ተዓዊታ ንኽትወጽእ ድማ እቶም ድሮናት ዕዙዝ ብጽሒት ከምዝነበሮም ጋዜጣታት እንግሊዝ ጸብጺበን።

ብቻይና ዝተሰርሐ ዊንግ ሎንግ II ከኣ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገር ሊብያ ኣገልግሎት ከምዝሃበ መርመራዊ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣቃሊዑ ነይሩ። ኣብ ወርሒ ጥሪ 2020 ኣብ ሊብያ ከተማ ትሪፖሊ ዋንነቱ ናይ ኢማራት ዓረብ ዝኾነ ስርሒት ቻይና ድሮን ብዝተኮሶ ሚሳይል ዘይዕጡቓት 26 ሓደሽቲ ወተሃደራት ከምዝተቐተሉ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ኣሜሪካ ድማ ኤምኪው-9 ሪፐር ድሮን ነቲ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝነበራ ስርሒት ወተሃደራታ ክትጥቀመሉ ጸኒሓ’ያ። ኣብ ቀረባ እዋን ኢራናዊ ቃሲም ሱሌይማን ዒላማ እቶም ድሮናት ኮይኑ ከምዝተቐተለ ማዕኸናት ዜና ኣሜሪካ ጸብጺበን ነይረን።

ዋጋ ድሮናት ክንደይ ይበጽሕ?

ኣሜሪካን እስራኤልን ዝሰርሕኦም ድሮናት ምስ ናይ ቱርክን ቻይናን ክነጻጸሩ ከለዉ ዘለዎም ኣፈላላይ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ። ዘ-ዲፕሎማት ዝተበሃለ ዌብሳይት ዋጋ ቱርኪ እትሰርሖ ባይራክታር ቢ2 ካብ 1 ክሳብ 2 ሚልዮን ዶላር፤ ናይ ኣሜሪካ ኤምኪው-9 ሪፐር ድማ ልዕሊ 30 ሚልዮን ዶላር ከምዝግመት ይገልጽ።

በዚ ምኽንያት ከኣ ሃገራት ዘለወን ሰራዊት ምክልኻል ንምሕያል ብዝተሓተ ዋጋ ካብ ቻይና ወይ ቱርኪ ድሮናት ክዕድጋ ዝመርጻ ዘለዋ ይመስል።

ሚንስትር ምክልኻል ብሪጣንያ ቤን ዋለንስ ብ 11 ጥቅምቲ 2020 ንሪፎርም ሰራዊት ሃገሩ ብዝምልከት ኣብ ሓደ ጉባኤ ዘረባ ኣስሚዑ ነይሩ። ሽዑ ንሱ ቱርኪ እትሰርሖ ድሮን ኣብ ሶሪያን ሊብያን ኣገልግሎት ኣብ ዝሃበሉ እዋን ንጸረ-ነፈርቲ ሓዊሱ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ወተሃደራዊ ተሽከርከርቲ ከምዘዕነወ’ዩ ተዛሪቡ።

ባይራክታር ቲቢ2 ቴክኒካዊ ብቕዓት ከምዘለዎን ብዋጋኡ ድማ ዝሓሰረ ከምዝኾነ እቲ ሚንስተር ገሊጹ ነይሩ።

ድሮናት ክውቅዓ ይኽእላ’ዶ?

ነዚ ዝወሃብ ‘እወ’ ዝብል ሓጺር መልሲ’ዩ። ብ2019 ኢራን ኣብ ከባቢ ሆርሙዝ ዝበርር ዝነበረ ድሮን ኣሜሪካ ወቒዓ ኣውዲቓ ነይራ። ኣሜሪካ’ውን ነዚ ኣረጋጊጻ’ያ።

ኢራን ‘ንክሊ ኣየረይ ጥሒሱ ኣትዩ’ ንዝበለቶ ድሮን ወቒዓ ከምዘውደቐት ብመጥቃዕቲ ድሮን ኣሜሪካ ዝተቐተለ ኣዛዚ ሰውራዊ እስላማዊ ሓላዋ ኢራን ዝነበረ ቃሲም ሱሌይማን ተዛሪቡ ነይሩ።

ሽዑ ኢራን ‘ግሎባል ሆውክ’ ንዝተባሃለ ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ ብዝውንጨፍ ሚሳይል ወቒዓ ከምዘውደቐቶ ይፍለጥ። ብተመሳሳሊ ኣሜሪካ’ውን ንናይ ኢራን ድሮን ወቒዓ ከምዘውደቐት ኣፍሊጣ ነይራ።

ምጥቃም ድሮን ብመንጽር ዓለማዊ ሕጊ

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራናዊ ጀነራል ቃሲም ብመጥቃዕቲ ድሮን ንክቕተል ትእዛዝ ኣብ ዝሃበሉ እዋን ጉዳይ ሕጋውነት ኣጠቓቕማ ድሮን ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ።

ኣብ ዙርያ ሲቪላት ክጥቅዑሎም ዝኽእሉ ዓውደ ውግኣት ትኹርት ገይሩ ዝሰርሕ ‘ጄኔቭ ኮል’ ዝተባሃለ ዘይመንግስታዊ ትካል፤ ንዕጡቓት ድሮናት ብቐጥታ ዝቆጻጸር ዓለምለኻዊ ሕጊ’ኳ እንተዘይሃለወ፤ ኣጠቓቕምኦም ግን ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊታት ከምዝምራሕ የመልክት።

ዓለማዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ብወገኑ፤ ኣብ ዓለምለኻዊ ኣጠቓቕማ ኣጽዋር ወይ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታት ድሮናት ዝምልከት ነገር እንተዘይሰፈረ’ውን ኣብ እዋን ኲናት ልክዕ ከም ካልኦት ኣጽዋር ኣጠቓቕማ ድሮናት’ውን ንዓለምለኻ ስብኣዊ ሕግታት ተገዛእቲ ከምዝኾኑ ይሕብር።

ሓንቲ ሃገር ብኣጽዋር ዝተሓገዘ ስግኣት መጥቃዕቲ እንተኣጋጢምዋ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ክትወስድ ከምእትኽእል ቻርተር ሕቡራት ሃገራት የነጽር።

ኣሜሪካ’ውን እቲ ፕረዚደንት መጥቃዕቲ ድሮን ክካየድ ዝኣዘዘ “ኣብ መጻኢ ካብ ኢራን ንዘንጸላሉ መጥቃዕቲ ንምፍሻል’ዩ” ክትብል ኣፍሊጣ ነይራ።

ይኹን እምበር ቻርተር ሕቡራት ነገራት ዝተፈላለየ ትርጉም ከምዝወሃቦ ሰብ ሞያ ይሕብሩ።

“ኣብ ጉዳይ ሱሌይማን፤ ኣሜሪካ ‘ስጉምቲ ዝወሰድኩ ኣብ ዝኾነ እዋን ከጋጥም ዝኽእል መጥቃዕቲ ንምትራፍን ንምክልኻልን እዩ’ ትብል። እቲ ሓቂ ንሱ እንተኾይኑ [እቲ ስጉምቲ] ብቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዝተፈቐደ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ መምህር ዓለምለኻዊ ሕጊ ኦግነስ ካላማርደ።