ብመንግስቲ ኣመሪካ እገዳ ዝተነብረሉ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ መን እዩ?

ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ

ምንጪ ስእሊ, Twitter/TesfaNews

ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ ኣብ ጥቓ ኣስመራ እትርከብ ጸሎት ኣብ እትበሃል ዓዲ ተወሊዱ፤ ኣብ 1972 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ተሰሊፉ።

ድሕሪ ወተሃደራዊ ታዕሊም ካብ ከበሳ ናብ ሳሕል ሓደስቲ ተዓላሞ ምስ ዘመላልሱ ዝነበሩ ጉጅለ ሰሪሑ። እቲ ውድብ ብዓቕሚ ሰቡ ክዓቢ ምስ ጀመረ ከኣ ኣብ ክፍሊ ዕቃበ ብረት ንነዊሕ እዋን ኣገልጊሉ።

ኣብ ቃልሲ ዝነበሮ ተራን መዝነትን

ዳሕራይ ኣብ ቦጦሎኒ ትሽዓተ ከም ኮሚሽነር ጋንታ ተመዲቡ፤ ብዙሕ ከይጸንሐ ከኣ ኣዛዚ ሓይሊ ኮይኑ ተመዚዙ። ኣብ መፋርቕ 1977 ኣብ ብርጌድ 23 ኮሚሽነር ቦጦሎኒ ኮይኑ፡ ከተማታት ሓራ ንምውጸእ ኣብ ዝተኻየደ ውግኣት ተሳቲፉ።

ኣብ 1978 እዋን ምዝላቕ [ሰውራ ኤርትራ ብሰንኪ ምትእትታው ሕብረት ሶቬት ካብ ዝሰፍሐ ሓራ መሬት ኤርትራ ተደፊኡ ናብ ኣኽራናት ሳሕል ዝተመልሰሉ እዋን] ኮሚሽነር ብርጌድ 44 ኮይኑ ተመዚዙ።

ካብ ከበሳ ክሳብ ሳሕል ኣብ ዝተኻየደ ዓበይቲ ተኸታተልቲ ወራራት፡ ኣብ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ምስ ዝነበረ ሰራዊት ተዋጊኡ።

ብቐረባ ዝፈልጥዎ ከምዝሕብርዎ፡ ጀነራል ፍሊጶስ ኣብ ከም ምድምሳስ ውቃው እዝ 1984፤ ምድምሳስ ናደው እዝ 1988፤ ስግረ ዶባዊ ስርሒት ኣሶሳ ኢትዮጵያ 1990፤ ንወደባዊት ከተማ ባጽዕ ናጻ ሓራ ብምውጻእ ሎጂስቲካዊ ቀረብ ስርዓት ደርግ ብምድኻም ንምስዓሩ ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት ፈንቅል 1990፤ ከምኡ'ውን ኣብ ዛዛሚ ኵናት 1991 ንሰራዊቱ መሪሑ ንኤርትራ ሓራ ኣብ ምውጻእ ተሳቲፉ።

እታ ጀነራል ፍሊጶስ ዝመርሓ ዝነበረ ክፍለ ሰራዊት ምስተን ንኸተማ ደቀምሓረ ዘጥቀዓን ንከተማ ኣስመራ ቀዲመን ዝኣተዋን ኣሃዱታት እያ ነይራ።

ድሕሪ ናጽነት ዝነበሮ ሓላፍነት

ፊሊጶስ፡ ድሕሪ ናጽነት ናይ ሜጀር ጀነራልነት መዓርግ ተዋሂቡ ኣዛዚ ኮር ኮይኑ ተመዚዙ። ኣብ ኵናት ዶባት ኢትዮ-ኤርትራ [1998-2000] ኣዛዚ ግንባር መረብ ሰቲት ኮይኑ ኣገልጊሉ ምንባሩ ይፍለጥ።

ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ሓሙሽተ ወተሃደራዊ ስርሒት ዞባታት ተኸፋፊሉ ኣብ ዝተመሓደረሉ እዋን ከኣ ኣዛዚ ስርሒት ዞባ ክልተ (ስርሒት ዞባ ጋሽ ባርካ) ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ኣብ 2014 ጠቕላሊ ሓለቓ እስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ነበር ሜጀር ጀነራል ዓንደማርያም ገረዝግሄር (ውጩ) ብሕማም ምስ ዓረፈ፡ ብዓል ኣርባዕተ ኮኾብ ምሉእ ጀነራል ብምዃን ማዕረግ ወሲኹ ንቦትኡ ተኪኡዎ። ክሳብ ሕጂ ከኣ በቲ ሓላፍነት ይሰርሕ ኣሎ።

ጀነራል ፊሊጶስ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ጉዕዞኡ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ጽኑዕ ቁጽጽር ዘካይድ፡ ንወተሃደራዊ ውጥንን መደባቱን ብጥብቂ ዝቆጻጸር፡ ኣብ ኵናት ንኣሃዱታቱ ብቐረባ እናተኸታተለ ጸገማቶም ብምርዳእ መፍትሕን መምህርሕን ዝህብ ‘ተባዕ’ ወተሃደራዊ ሓላፊ ምዃኑ ይንገረሉ።

ኣብ ውልቃዊ ባህሪኡ “ኣዝዩ ዕቱብ፤ ሃንደፍ ኢሉ ዘይዛረብ፤ ኣዝዩ ጥንቁቕ ግን ከኣ ንሕስያ ዘይብሉ ተሃላላኺ ወተሃደር’ዩ” ይብሉዎ መሳርሕቱ ነበር።

ኣብ 2002፡ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ጉዳይ እቶም ሕቶ ለውጢ ዘልዓሉ ግን ከኣ መንግስቲ 'ብኽሕደት' ሃገር ዝኸሰሶም ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝኣተው ብጉጅለ-15 ዝተሰምዩ ኣባላት ማእከላይን ሃገራዊ ባይቶን ክዝቲ ኣብ ዝተጋብአ ኣኼባ፡ ካብቶም ምስ ሚኒስተር ፎዝያ ሓሺም፡ ሚኒስተር ጸዓት ተስፋይ (ቺና) ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ኣመሓዳሪ ዞባ ነበር ሙስጠፋ ኑርሑሴን እቶም ዝተኣስሩ ብተምበርካኽነትን ዕጥቂ ምፍታሕን ካብ ዝኸሰሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ’ዩ ነይሩ።

እቶም ኣብ መስከረም 2001 ዝተኣስሩ ላዕለዎት ሰበስልጣን ክሳብ ሕጂ ን20 ዓመት ኣብ ቤት ፍርዲ ኣይቀረቡን፡ ደሃዮም ኮነ ሃለዋቶም እውን ክሳብ ሕጂ ኣይፍለጥን እዩ።

ጀነራል ፊሊጶስ ኣብተን ብኣሕታሚ ሕድሪ ዝሕተማ ተኸታተልቲ መጻሕፍቲ ኣብታ ዛዛሚ ኵናት እትብል መጽሓፍ፡ “ ኵናት ካብ ስነፍልጠት ንላዕሊ ስነ-ጥበብ እዩ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ተመኩሮኡ ንዘጋጠሞ በዳሂ ኩነታትን ነቲ ጸገማት ንምፍታሕ ዝተወስደ ምትዕጽጻፍን ዘረድእ ዝጸሓፋ ጽሕፍቲ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ተስፋ ኒውስ ‘A Battle is More Like an Art than Science’- Gen. Filipos Weldeyohanes ብዝብል ኣርእስቲ ብመንግስ ሳሙኤል ብኢንግሊዝኛ ተተርጒማ ኣላ።

እገዳ መንግስቲ ኣመሪካ

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ንጠቕላሊ ሓለቓ እስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ፡ ኣብ ትግራይ ምስ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዝተኣሳሰር 'ግሎባል ማግኒትስኪ ኣክት' ተባሂሉ ዝፍለጥ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንዝፈጸሙን ኣብ ብልሽውና ንዝሳተፉን ኣካላት ብተሓታትነት ዝሓትት 'ጸሊም መዝገብ' ኣስፊሩዎ ኣሎ።

እቲ ብክፍሊ ፋይናንስ ኣመሪካ ዝወጽአ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሓይልታት ኤርትራ ኣብቲ ከሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ትግራይ፡ ጃምላዊ ቅትለት፣ ዝምታን ጾታዊ ዓመጽን ዝርከብዎም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ እዩ ዝኸስስ።

ይኹን እምበር ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ በቲ "ዘይሕጋውን፡ መሰረት ዘይብሉ ክስን ጸለመን" ዝበሎ ተግባር ኣመሪካ ከም ዝጎሃየን ከም ዝነጽጎን ኣፍሊጡ’ሎ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እንታይ ይብሉ?

መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብ9 ግንቦት 2016፡ ኣብ ዝተኻየደ መበል 32 ኣኼባኡ፡ ኣቓልቦ ቤት ምኽሪ ዝሓትት’ዩ ኣብ ዝበሎ ጸብጻብ ኮምሽን ምጽራይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ‘’ኣብ ኤርትራ፡ ኣብተን ብላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ዝመሓደራ ኣስታት 300 ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ሲስተማቲክ/ ሜላዊ፡ ሰፊሕን ጉሉሕን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፣ ገበናት ባርነት፣ ጃምላዊ ማእሰርቲ፣ ግዱድ ምስዋር፣ ምስቓይን ምህዳንን፣ ጾታዊ ዓመጽን መቕተልትን’’ ዝኣመሰለ ተግባራት ከምዝተፈጸመ ገሊጹ ነይሩ።

እንተኾነ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሽዑን ድሕሪኡን እቲ ጸብጻብ “ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ፤ ኣብ ጭቡጥ ሓቅታት ዘይተመርኮሰ፤ ኣብ ስደት ካብ ዝነብሩ ንመንግስቲ ከጸልሙ ካብ ዝተዓጥቁ ሓተትቲ ዑቕባ ዝተኣኻኸበ ጸለመ እዩ” ክብል እዩ ዝነጽጎ።

ኣብተን ኣብ ትሕቲ ጀነራል ፊሊጶስ ዝመሓደራ፡ ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝዓበየ ጉዳያትን በደላትን ዝርእያ ከም ዓዲ ኣብየቶ፣ ማይ ስርዋ፣ ማይ ሑጻን ካልኦትን ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብልሽውናን ከምዘጋጥም ግዳያት እተን ኣብያተ ማእሰርቲ ይገልጹ።

ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ምስመጽአ ጀነራል ፍሊጶስ ዝርከቦም ተሓታትነቶም ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝኾነ ሓይሊ ዕማም ዝተሰምዩ ጉጅለ ንኤርትራ ዘመሓድሩዋ ከምዘለው ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተልዎ ሰባት ይሕብሩ።