'ህወሓት ኣብ ደቡብ ጎንደር ሆስፒታላት ከይተረፈ ዘሚቱ እዩ' ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብልጽግና እቲ ዞባ

ምንጪ ስእሊ, AMHARA COMMUNICATION
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ጎንደር ንዝርከቡ ዝተፈላለዩ ከባብታት ተቖጻጺሩ ዝነበረ ሓይሊ ህወሓት ሰፊሕ ዘመተ፣ ዕንወት መሰረተ-ልምዓትን መጥቃዕትን ከምዝፈጸመ ተገሊጹ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ ከባብን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብልጽግና እቲ ዞባን፡ ነቲ ከባቢ ንምቁጽጻር ኣብ ዝተኻየደ ውግእን ብድሕሪኡ ኣብ ዝነበሩ መዓልታትን፡ ብሓይልታት ትግራይ ዝተቐተሉ ሰባት ከምዘለዉ ተዛሪቦም።
ሓይልታት ትግራይ ግን ኣብቶም ዝቆጻጸርዎም ዘለዉ ከባብታት ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ነበርቲ ዝፈጸምዎ መጥቃዕትን ዘካየድዎ ዝምታን ከምዘየለ ሓቢሮም።
ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብልጽግና ኣይተ ይርጋ ሲሳይ ቅጣው ከምዝብሎ፡ እቶም ሓይልታት ናብታ ዞባ ብምእታው ብፍላይ ንጋይንት፣ ንፋስ መውጫ፣ ጎብጎብ ሳሊህ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ጉና በጌ ምድርን ብኸፊል ከባብታት ፋርጣ ተቖጻጺሮም ነይሮም።
ሽዑ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሆስፒታላት፣ ትካል መሰልጠኒ ቴክኒክን ሞያን፣ መደበር ሓይሊ ኤለትሪክ ፣ ባንክታትን ካልኦት መሰረተ-ልምዓትን ከምዝተዘመቱ ዝገለጸ ኣይተ ይርጋ፤ ካልኦት ንብረታት ድማ ኣገልግሎት ከምዘይህቡ ኮይኖም ከምዝዓነዉ ሓቢሩ።
ሸውዓተ ትካላት ጥዕና ከምዝተዘመታ ብምግላጽ “ብተግባር ከምዘረጋገጽናዮ ማዕጾታት ተሰይሮም፤ መድሓኒታትን ናውቲ ሕክምናን ተዘሚቶም’ዮም። ነቲ ኣቑሑት ወሲዶም ነተን ትካላት እንተዝገድፍወን’ኳ ጽቡቕ ነይሩ ግን ክፈርሳ እዮም ገይሮም” ኢሉ።
ሰራሕተኛ መንግስቲ ዝኾነ ነባሪ ከተማ ንፋስ ማውጫ ኣይተ ኣልማው ጥጋቡ ብወገኑ፡ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝኣክል ደብረዘቢጥ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ውግእ ከምዝነበረን ድምጺ ከቢድ ብረት ከምዝሰምዐን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
“ናብ ከተማና ብድሕሪ ምእታዎም ከም ማእኸላት ጥዕና፣ ሆስፒታል፣ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ባንክን ዝመሳሰሉን ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ዘሚቶም። ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ክኾኑ’ውን ገይሮም” ኢሉ።
ኣብ ንፋስ መውጫ ዝርከብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ጨንፈር ፊታውራሪ ገብርዬ ድማ ብሚልዮናት ዝግመት ዘመተን ዕንወትን ከምዝተፈጸሞ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ባንኪ ኣይተ ዓለምነው ስዩም ንቢቢሲ ገሊጹ።
እቶም ሓይልታት ናብቲ ክልል ኣብ ዝኣተዉሉ እዋን ነበርቲ ብውልቆምን ብጉጅለን ኮይኖም ክከላኸሉ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ብዉሕድ 21 ሰባት ምሟቶም ሓበሬታ ከምዝበጽሖ ዝዛረብ ኣብ ዞባ ደቡብ ጎንደር ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብልጽግና ኣይተ ይርጋ፤ እቲ ቁጽሪ ልዕሊኡ ክኸውን ከምዝኽእል ኣዘኻኺሩ።
ኣብቲ ባንኪ ጉድኣት ምብጽሑ ዝገለጸ ኣይተ ይርጋ፤ ነቲ ባንኪ ካብቶም ሓይልታት ንምክልኻል ዝፈተነ ሓለዋ ከምዝተቐተለን ዝምታ ከምዝተፈጸመን ገሊጹ’ሎ።
ያሬድ ኣለነ ዝተባሃለ ነባሪ ከተማ ንፋስ መውጫ ብወገኑ፡ እታ ከተማ ብሓይልታት ትግራይ ምስተትሓዘት ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐተሉ ብምሕባር እቶም ሰጊኦም ናብ ካልኦት ከባብታት ዝሃደሙ ነበርቲ ምስተመለሱ ትኽክለኛ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ምፍላጥ ከምዝከኣል ኣረዲኡ።
ምንጪ ስእሊ, AMHARA COMMUNICATION
“ንፋስ መውጫ ከምዘይነበረት ኮይና’ላ” ዝብል ያሬድ፡ ባንክታትን ካልኦት ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ህዝባዊ ትካላትን ከምኡ ድማ ናይ ውልቀሰባት ንብረት ስለዝተዘመቱን ዝዓነዉን ኣብዚ እዋን ዝደኸመ ምንቅስቓስ ከምዝረኣይ ሓቢሩ።
ዋና ከተማ እቲ ዞባ ካብ ዝኾነት ደብረታቦር ብተወሳኺ፤ ሓይልታት ትግራይ ናብ ንፋስ መውጫ ብዝተኮስዎ ከቢድ ብረት ምኽንያት ኣባላት ሓደ ስድራ ከምዝተቐተሉ ኣይተ ይርጋ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ነባሪ ከተማ ንፋስ ማውጫ ኣይተ ኣልማው ብወገኖም “ኣነ ብቐረባ ዝፈልጦምን ብስም ጥራሕ ዝፈልጦምን ልዕሊ 20 ሰባት ተቐቲሎም’ዮም” ብምባል ንገለ ካብ ዝፈልጥዎም ሰባት ኣስማቶም ዘርዚሮም።
“ንንፋስ መውጫ ቅድሚ እቲ ኲናት ዝፈልጣ ሰብ ሕዚ ተመሊሱ እንተዝሪኣ ንሳ ምዃና ምተጠራጠረ፤ እታ ንፈልጣ ከተማ ምዃና ኣፍካ መሊእኻ ምዝራብ ዝከኣል ኣይኮነን” ኢሉ።
ኣብቶም ከባብታት ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ካብ ዝበጽሐ ጉድኣት ብተወሳኺ፤ “ብዙሓት እንስሳት ብጻላኢ ተወቒዐን። ከብቲ፣ ኣፍራስን ኣባጊዕን ዝጠፍኣሉ ኩነታት እዩ ዘሎ” ክብል ኣይተ ይርጋ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ከባቢ ብዛዕባ ዝበጽሐ ጉድኣት ብዝርዝር ንምፍላጥ ኮሚቴ ኣቚሞም ይሰርሑ ምህላዎም ጠቒሱ።
ካብ 17 ነሓሰ 2013 ኣ.ኢ ጀሚሩ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ምስ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ኮይኖም ነቶም ከባብታት ነጻ ከምዘውጽእዎም ኣይተ ይርጋ ይዛረብ።
ሓይልታት ትግራይ ግን ሕዚ’ውን ኣብቶም ከባብታት ከምዘለዉ ብምሕባር ኣብዚ ቕነ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ፣ ፍሉይ ሓይሊ ኦሮሞን ካልኦት ክልላትን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ፈቲኖም ስዕረት ከምዝገጠሞም ይገልጹ።
ነቶም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ክልል ኣምሓራ ተፈጺሞም ዝበሃሉ መጥቃዕትታት ከምዘይወዓልዎም ብምግላጽ፤ ኣብ ዝተቖጻጸርዎ ኩሉ ምስ ህዝቢ ብምርድዳእ ሰላምን ጸጥታን እቲ ከባቢ ውሑስ ክኸውን ይገብሩ ምህላዎም ይሕብሩ።
ወሃቢ ቓል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብቴሌቪዥን ክልል ትግራይ ቀሪቡ ኣብ ዝገበሮ ጸንሒት ህዝቢ ክልል ኣምሓራ እንኳዕ ብደሓን መጻእኹም እናበለ ይቕበሎም ከምዘሎ ብምጥቃስ፤ “ኣብ ደቡብ ጎንደር ሓቢርናኩም ክንቃለስ” ዝበልዎም ነበርቲ ከምዝነበሩ ተዛሪቡ።
እቲ ብህወሓት ዝምራሕ ንርእሱ "ሕጋዊ መንግስቲ ትግራይ" ኢሉ ዝጽውዕ ኣካል፡ "ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ዝኾነ ይኹን ጭካነ ዝተላበሰ ተግባር ብትሪ ከምዝቃወም" ብምግላጽ ነቲ ዝቀረበሉ ክሲ ክነጽጎ ጸኒሑ እዩ።
ብሓፈሻ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓይልታቱ ኣብ ዝተቖጻጸርዎም ቦታታት ተፈጺሞም ዝበሃሉ ገበናት እንተሃልዮም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝስይሞ ዘይሻራዊ ኣካል ምጽራይ ክግበር'ውን ይሓትት።