ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ልዕሊ 200 ሰባት ተቐቲሎም

ብረት ዝሓዘ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ምዕራብ ኦሮምያ ብዝተወለዐ ግጭት ልዕሊ 200 ሰባት ተቐቲሎም።

ብመንግስቲ ዝምወል ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ [OLA] 150 ሰባት ከምዝቐተሉ ገሊጹ።

ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኸኣ፡ ኣብ ዘሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምብራቅ ወለጋ ተወለድቲ ኦሮሞን ኣምሓራን ንኽልተ መዓልቲ ንሓድሕዶም ጥይት ከምዝተኳኾሱ ገሊጾም።

ናይ ዓይኒ ምስክር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሬሳ ናይ ሰባት ኣብ ጥቃ ሩባ ዛሕ ኢሉ ከምዝርኣየን እቲ ሬሳታት ጸኒሑ ከምዝተቐበረን ሓቢሩ።

ምብራቕ ወለጋ ኣዘዩ ልሙዕ መሬት ኮይኑ ብብዝሒ ካብ ተወለድቲ ብሄረ ኣምሓራ ዝነብርዎ ቦታ እዩ፡ ልሙዕ ብምዃኑ ኸኣ ጠንቁ ምስሕሓብ ክልቲኦም ብሄራት ኮይኑ ይርከብ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብሄር ዕላማ ዝገበረ ምንባሩን ቀንዲ ፈጸምቲ እቲ መጥቃዕቲ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ምዃኖም እዩ ዝገልጽ። እቲ ኮምሽን ብምስዓብ፡ ተወለድቲ ኣምሓራ'ውን ሕነ ንምፍዳይ ኣስታት 60 ተወለድቲ ኦሮሞ ምቅታሎም ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ናይቲ ከባቢ ሰብ መዚ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ብወገኖም፡ ምልሻታት ናይ ኣምሓራን ኦሮሞን ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸምዎ ገሊጾም።

ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣሽሓት ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተፈናቐሉን ብዓሰርተታት ዝቁጸር መንበሪ ኣባይቲ ከምዝዓነወን እዩ ተገሊጹ ዘሎ።

ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ሰለማውያን ሰባት ከምዘይቐተለ ብምግላጽ፡ ንሓርነት ህዝቢ ኦሮሞ ይቃለስ ከምዝሎን ንነበርቲ እቲ ኸባቢ ካብ ምልሻታት ይከላኸለሎም ምህላዉ ገሊጹ።

ኣብ ምብራቕ ወለጋ፡ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ሰራዊት መንግስትን ኵናት ከምዘሎ'ዩ ዝግለጽ።

ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከምዝፍጸም ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ህዝባዊ ወያን ሓርነት ትግራይን ስምምዕ ወተሃደራዊ ሽርክነት ከምዝተበጸሐ ይዝከር።

ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ 2018 ብዘጋጥም ዘሎ ግጭት ሓድሕድ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ካብ ቤቶም ከምዝሃደሙ ጸብጻባት ይገልጹ።