ቅልውላው ኣፍጋኒስታን፡ ጉጀለ ኣይኤስ-ከይ [IS-K] መን’ዮም?

ኣብ ካቡል ኣብ 2019 ኣብ መርዓ ዝተፈጸመ ናይ ቦንባ መጥቃዕቲ

ምንጪ ስእሊ, AFP

እዚ ኣይኤስ-ከይ [IS-K] ዝተብሃለ ሽሙ ኢስላሚክ እስቴት ኮሮሳን’[እስላማዊት ሃገር ኣብ ዞባ ኮሮሳን] ካብ ዝብል ዝመንጨወ ኮይኑ ኣብ ኣፋጋኒስታንንፓኪስታን ዝንቀሳቐስ እስለማዊ ጉጅለ እዩ።

ካብቶም ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ጅሃዳውያን ጉጅለታት እቲ ኣዝዩ ሕሉፍን ጎነጽ ዝጥቀምን ጉጅለ ምዃኑ ድማ ይፍለጥ።

እዚ ኣብ ጥሪ 2015 ዝተመስረተ ጉጅለ ኣባላቱ ካብ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን እዮም።

ክሳብ ክንደይ’ዮም ሕሉፋት?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣይኤስ-ከይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ቤት ትምህርቲ፡ ሆስፒታልን ኣብ እንዳ መዋለዳንን ከምኡ’ውን ንነፍሰጾርን ነርስን ቶኵሶም ብምቕታል ዝተፈላለየ ጭካነ ዝተሓወሶ ቅትለታት ከምዝፈጸሙ እዩ ዝንገር።

ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ንምቁጽጻር እዩ ዝቃለስ፤ ኣይኤስ-ከይ ግን ዘይከም ጣሊባን ኣብ ሓደ ካብ ክፋላት ናይ ኣይኤስ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ምዕራባውያንን ዓለምለኻውያንን ትካላት መጥቃዕቲ ምፍጻም እዩ ዕላምኡ።

ቀንዲ መደበሮምከ ኣበይ እዩ?

ኣይኤስ-ከይ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ናንጋርሃ ኮይኑ እቲ መስመር ካብ ኣፍጋኒስታን ናብ ፓኪስታን ዕጸፋርስን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ዝካየደሉ ቦታ እዩ።

ቁጽሪ ኣባላት ናይቲ ጉጅለ ክሳብ 3000 ዝግምት ኮይኑ፡ እንተኾነ ዘይከምቁጽሩ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኣመሪካንን ኣፍጋኒስታን ብዙሕ ሞት ዘስዓበ መጥቃዕትታት እዩ ፈጺሙ። ስሕት ኢሉ’ውን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ጣሊባን መጥቃዕቲ ይፍጽም እዩ።

ኣይኤስ-ከይ ምስ ጣሊባን ርክብ ኣለዎም ድዩ?

ብመንገዲ ሃቃኒ ኔትዎርክ ኣለዎም ከብል ዝኽል ብዙሕ ነጥቢ ኣሎ። ሃቃኒ ምስ ጣሊባን ጥቡቕ ርከብ ዘለዎ ጉጅለ ኮይኑ፡ ኣይኤሰ-ከይ ኸኣ ምስ ሃቃኒ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ ጉጅል እዩ።

ዶክተር ሳጃን ኮሀል ካብ ‘ኤስያን ፓሲፊክ ፋውንደሽን’ ንኣባላት ኣይኤስ-ከይ ንዓመታት ክከታተሎም ዝጸንሐ ተመራማሪ’ዩ።

ንሱ “ካብ 2019 ክሳብ 2021 ዝተኻየዱ ዓበይቲ መጥቃዕትታት ናይ ጣሊባን ሃቃኒን ካልኦት ኣብ ፓኪስታን ዝመደበሮም ጉጅለታትን ብሓደ ውህደት ፈጢሮም እዮም ክፍጽምዎ ጸኒሖም” ይብል።

ጣሊባን ብ15 ነሓሰ ንካቡል ምስተቆጻጸርዋ፡ ጣሊባን ካብ ፑል ኢል ቻርኪ ዝተብሃለ ቤት ማእሰርቲ ኣባላት ኣይሴስን ኣልቃዒዳን ዝነበሩ ብዙሓት እሱራት’ዮም ነጻ ፈንዮም።

እንተኾነ ኣብ ሞንጎን ጣሊባንን ኣይኤስ-ከይን ዓቢ ፍልልይ ኣሎ።

ኣይሴስ-ከይ፡ ጣሊባን ኣብ ዶሓ ምስ ኣመሪካ ዝገበሮ ስምምዕ ጅሃዳዊ ቃልሶም ዘካይድሉ ባይታ ከምዝኸልኦም እዮም ዝገልጹ። በዚ መሰረት ነቲ ኣብ ዶሓ ዝተበጸሐ ስምምዕ ኣይድግፍዎን እዮም።

ጣሊባን ኣብ ኣፍጋኒስታን ንዝገብሮ መንግሰቲ ናይ ምትካል መስርሕ ቀንዲ ዕንቅፋት ክኾንዎ ካብ ዝኽእሉ ዝበሎም ኣይኤስ-ከይ ሓደ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ብኣጋ ተገሚቱ ዘሎ።

እቲ ትማሊ ኣብ መዓርፎ ነፍቲ ካቡል ዝተፈጸመን ልዕሊ 90 ሰባት ዝቐተለን ክልተ መጥቃዕትታት’ውን ብኣባላት ኣይኤስ-ከይ ከምዝተፈጸመ እቲ ጉጅል ባዕሉ ሓቢሩ ኣሎ።