ኣብ ጊኒ ኮናክሪ ወተሃደራት እታ ሃገር ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ከምዝሓዙ ኣፍሊጦም

ኣብ ጊኒ ኮናክሪ ወተሃደራት እታ ሃገር ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ከምዝሓዙ ኣፍሊጦም

ምንጪ ስእሊ, GUINEA TV

ኣብ ጊኒ፡ ወተሃደራት እታ ሃገር ኣብ ቴለቪዥን ቀሪቦም ዕልዋ መንግስቲ ከምዘካየዱን ስልጣን ከምዝሓዙን ኣፍሊጦም።

ብሰንኪ እቲ ዕልዋ ሃለዋት ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣልፋ ኮንተ ኣይተፈልጠን ዘሎ። እንተኾነ፡ ኣብ ሓንቲ ዘይተረጋገጸት ቪድዮ ብወተሃደራት ተኸቢቡ ይረአ።

ይኹን እምበር ምኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር፡ እቲ ዝተፈተነ ዕልዋ ብሓለውቲ ፕረዚደንት ኣልፋ ኮንተ ከምዝበርዓነ ኣፍሊጡ።

ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኮናክሪ ድሕሪ ዝተኻየደ ሓያል ተኹሲ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ከምዝተበተነ ኣመልኪቱ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ፡ ነቲ ፈተነ ዕልዋ ከምዝኾነኖን እቲ ፕረዚደንት ብህጹጽ ንክፍታሕ ከምዝጸወዐን ተፈሊጡ።

እዛ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ጊኒ፡ ብባህሪያዊ ጸጋ ሃብታም ምዃና እያ እትግለጽ። እንተኾነ፡ ብሰንኪ ተኸታታሊ ግጭትን ብልሽው ምሕደራን፡ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ሕሱም ድኽነት ከምዝነብር ይሕበር።

ፕረዚደንት ጥራሕ እግሩ

እቶም ዕልዋ ዝፈተኑ ወተሃደራት፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብታ ሃገር ገኒኑ ዘሎ ሕሉፍ ብልሽውናን፡ ሕማቕ ምሕደራን ሕሱም ድኽነት ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰዱዎ ኣፍሊጦም።

እቶም ንነብሶም ሃገራዊ ኮሚተ ዕርቅን ልምዓትን ኢሎም ዝሰመዩ፡ እቲ ዝጸንሐ ሕገ መንግስቲ ከም ዝፈረሰን ሓድሽን ኣድማዕን ንምግባሩ ከኣ ምኽርን ምርድዳእን ከም ዘድሊ ገሊጾም።

ካብታ ሃገር ዝወጽኡ ምንጭታት ከምዝሕብርዎ፡ እቲ ዕልዋ ብኣባል ለጌዎን ፈረንሳ ነበር ሌተናል ኮሎኔል ማሞዲ ደምቦያ ከምዝተፈጸመ እዮም ዝገልጹ።

ኣብ ሓንቲ ቢሲሲ ከረጋግጾ ዘይከኣለ ቪድዮ፡ እቶም ወተሃደራት ነቲ ፕረዚደንት ዝኾነ ጉድኣት ከምዘይበጽሐካ ተዛረብ ክብልዎ ተራእዩም። ንሱ ግን ንሕቶኦም መልሲ ኣይሃበሉን።

እቲ ጥራሕ እግሩ ዝረአ ፕረዚደንት ኣብ ነብሱ ዝኾነ ጉድኣት ኣይረኣን።

ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር፡ እቶም መጥቃዕቲ ዝኸፈቱ፡ ብሓለውቲ ፕረዚደንት ከምዝተደፍኡ ኣፍሊጡ። ዘይተረጋገጹ ምንጭታት ከምዝሕብረዎ ብሰንኪ እቲ ዝተኻየደ ናይ ተዂሲ ልውውጥ፡ ሰለስተ ወተሃደራት ከምዝሞቱ እውን ተገሊጹ።