ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ተጋሩ ግዳይ መጥቃዕትን ዘመተን ከም ዝኾኑ ይዛረቡ

ብምኽንያት እቲ ግጭት ኣስታት ክልተ ሚሊየን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ,

ብምኽንያት እቲ ግጭት ኣስታት ክልተ ሚሊየን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም

ኣብዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከቡ ከተማታት ሑመራ፣ ኣደባይ፣ እድሪስ፣ ወረዳ ቃፍታ ሑመራን ቁሸት ደጓጉምን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዘቕንዐ ፆታዊ ዓመፅ፣ ዝምታ፡ ጃምላዊ ማእሰርትን ቅትለትን ይፍፀም ከምዘሎ ግዳያት ንቢቢሲ ገሊጾም።

እዚ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዳግማይ ዝጀመረ ሓድሽ መጥቃዕቲ ከም ዝኾነ ብምሕባር ህይወቶም ንምድሓን ኣብ ፎቖዶ በዓቲ ተሓቢኦም ከም ዘለዉ ተዛሪቦም።

ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ድሕነትን ክልል ኣምሓራ ዶክተር ሰማ ጥሩነህ፡ "ኣብቲ ዝብሃል ዘሎ ከባቢ ፀገም በፂሑኒ ኢሉ ናብ ቢሮይ ሪፖርት ዝገበረ ዋላ ሓደ ተዛራቢ ትግርኛ የለን። ኣነ ኣብ ዘመሓድሮ ከባቢ ዝነብር ዝኾነ ይኹን ሰብ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ይኹን ፀገም ከይበፀሖ ክነብር ምግባር ከኣ ናተይ ስራሕ'ዩ" ብምባል ነቶም ዝቐርቡ ዘለዉ ክስታት ነፂጉ።

ኣብ ጎኒ ሰራዊት መንግስቲ ፌደራል ተሰሊፎም ኣንፃር ሰራዊት ትግራይ ክዋግኡ ዝፀንሑ፡ ፍሉይ ሓይልን ሚሊሻን ኣምሓራ፣ ዕጡቓት ፋኖን ሰራዊት ኤርትራን ንምዕራብ ትግራይ ተቖፃፂሮምዎ ከም ዘለው ይፍለጥ።

ኣገዳስነት ዞባ ምዕራብ ትግራይ

ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝርከብ መስመር ሑመራ መንግስቲ ክልል ትግራይ ምስ ወጻኢ ዓለም ዝራኸበላ ሓንቲ መስመር ብምዃና መንግስቲ ፈደራል ኮነ ዕጡቓት ክልል ኣምሓራን ኣብ ኵናት ትግራይ መሻርኽቲ ሰራዊት ፈደራል ኮይኑ ዝፀንሐ ሰራዊት ኤርትራ ንሰራዊት ትግራይ ትንፋስ ንምኽላእ እዛ ስትራቴጂካዊት ቦታ ኣብ ትሕቲ ሓያል ቁፅፅርር ከም ዘላ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ሰራዊት ፈደራል 'ብበይናዊ ናይ ተዂሲ ደው ምባል' ውሳነ ካብ ትግራይ ሰራዊቱ ክስሕብ ምስ ተገደደ፡ ቅድሚ እቲ ኵናት ምጅማሩ ኣብ ትሕቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ክመሓደር ዝፀንሐ ከተማ ሑመራ ዝርከቦም ከባቢታት ምዕራብ ትግራይ ዛጊድ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እቶም ሓይልታት ይርከብ።

እቲ ኵናት ምስ ኣጋጠመ ፍሉይ ሓይልን ሚሊሻን ኣምሓራን ከምኡ'ውን ዕጡቓት ፋኖ 'ቀደም ብሓይሊ ተወሲዱና ዝነበረ መሬት ብሓይሊ ኣምሊስናዮ ኣለና' ብምባል ነቲ መሬት ክሳብ መወዳእታ ክንዋደቐሉ ኢና ክብሉ ፀኒሖም።

ካብ ትግራይ ናብ ዶባቱ ስሒቡ ዝፀንሐ ሰራዊት ኤርትራ'ውን ኣብዚ እዋን ተመሊሱ ናብቲ ከባቢ ይኣቱ ምህላው፡ ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ኣብ ሓባራዊ መግለጾኦም ብምሕባር እቲ ሰራዊት ብቕልጡፍ ናብ ቦትኡ ክምለስ ተማሕጺኖም።

ኣብ ምዕራብ ትግራይ እንታይ'ዩ ዘጋጥም ዘሎ?

ንዝሓለፈ 18 ዓመታት ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ቁሸት ደጓጉም ክነብራ ዝፀንሓ ወይዘሮ ኣብርሀት፡ ካብ ዝሓለፈ 16 ሓምለ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ነበርቲ እታ ቁሸት መጥቃዕቲ ይፍፀም ኣሎ ኢለን።

ገንዘበንን ንብረተንን ብዕጡቓት ፋኖ ስለ ዝተዘምተ ድማ ህይወተን ንምድሓን፡ ክዳን ለይቲ እኳ ከይሓዛ ሓሙሽተ ርእሰን [ምስ ደቀንን ደቂ ጓለንን] ኣብ በዓቲ ይነብራ ምህላወንን ንቢቢሲ ሓቢረን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

"ንቡን ዝበልክወን ኣብ መቐነተይ ዝነበራ ሳንቲም ሂበዮም፣ ንብረት ገዛይ'ውን ወሪሶሞ። ክልተ ደቀይን ክልተ ደቂ ጓለይን ሒዘ ኣብ በዓቲ ይነብር ኣለኹ" ኢለን።

ንሰን፡ ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ንብረትን ጥሪትን ኣብ ዓውዲ ዝነበረ ህዝቢ እቲ ከባቢን ከም ዝተዘምተ ኣብዚ ወርሒ ሓምለ ከኣ ሓድሽ ዝምታን መጥቃዕትን ከም ዝጀመረ ይዛረባ።

ወዲ 58 ዓመት ሽማግለ-ዓዲ ከተማ ኣደባይ ኣይተ ኣብርሃ እቲ ኩናት ካብ ዝጅመር ክሳብ ሕዚ ን10 ወርሒ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እታ ከተማ ግህሰት ከም ዝተፈፀመ፡ ብፍላይ ካብ 21 ሓምለ ንደሓር ዕጡቓት ፋኖ፡ ኣፈሙዝ ናብ እዝንን ኣፍን ኣዴታት እናቕንዑ 'ቅርሺ ኣምፅኣ፤ ወርቅኽን ኣምፅኣ' እናበሉ ብሓይሊ ይዘምትዎ ከም ዘለው ይዛረቡ።

"ወርቅኺ ኣብ ብሑቕ ሓቢእኽዮ ትኾኒ እናበሉ ብሑቐን ይግልብጡዎ። ገንዘብ ወሲዶም እውን ንኣንስትናን ኣሕዋትናን ርእሰን ላፅዮመን'' ኢሎም።

ኣይተ ኣብርሃ ንርእሶም'ውን ግዳይ ዝምታን መውቃዕትን ከም ዝኾኑ ክዛረቡ እንከለው፡ ሓሙሽተ ዕጡቓት ኣብ ቅደሚ ሓራስ በዓልቲ ቤቶም ኢዶም ኩርንኩሪት ኣሲሮም ምስ እግሮም ኣላጊቦም ከም ዝቐጥቀጡዎምን ገንዘቦም ከም ዝወሰዱሎም ሓቢሮም።

እቲ ዘጋጠሞም ንምምሕዳር እቲ ከባቢ'ኳ እንተሓበሩ ፍታሕ ከም ዘይረኸቡ ይገልፁ።

ቀሺ ሃይላይ ዝተባህሉ ካልእ ነባሪ እታ ከተማ እውን ጥሪቶምን 50 ሽሕ ገንዘብ ከም ዝተዘምቱን ኣብ ከተማ ሑመራ ንሓሙሽተ መዓልታት ከም ዝተኣሰሩን ብምሕባር፡ ሰብ ንብረቱ እናተዘምተ ይቕተልን ይእሰርን ከም ዘሎ፡ ካብታ ቦታ ክወፅኡ እንተደለዩ እውን ዕጡቓት ኣምሓራ ከምዝኽልክሉዎም ሓቢሮም።

ድሃይ ደቆም ክገብሩ ናብ ቢሮ ምምሕዳር ምስ ከዱ

"እቶም ዕጡቓት ፋኖ፡ 'ንዓኻ ኢና ደሊና'ምበር ቖልዑ ደኣ እንታይ ኢልናዮም' ኢሎም ቀጥቂጦምኒ። ኣብ ጁባይ ዝነበረ 5500 ብርን ሞባይልን ብምውሳድ ካድረ ኢኻ 'ቅርሺ ኣምፅአልና ኢሉ ሓደ ካብኦም፡ ብካራ ክሓርደኒ ምስ በለ፡ እቲ ሓደ 'በቃ ግደፎ' ኢሉ ኩሩንኩሪት ኣሲሮም ዓስራይ ርእሰይ ካብ ኣደባይ፡ ናብ ሑመራ ሒዞምና ከይዶም'' ይብሉ።

ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ፡ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ 18 ሰባት፡ ጥራሕ ነብሶም ኩሩንኩሪት ተኣሲሮም ከም ዝተወሰዱን፡ እቲ ሓላፊ መፂኡ ገንዘብ እንተዘይከፊልካ ንዐኦም ዝረኸበት ክትረኽበካ እያ ምስበሎም ተለቓቒሖም ኣስታት 200 ሽሕ ብር ከፊሎም ከምዝወፅኡ እቶም መራሒ ሃይማኖት ይሕብሩ።

መግለጺ ቪድዮ,

“ኣቦ ሓሙሽተ ደቀይ ቀቲሎሞ” ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበለት

ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ድሕነትን ክልል ኣምሓራ ዶክተር ሰማ ጥሩነህ፡ "ብክልል ኣምሓራ ዝተትሓዘ ምዕራብ ትግራይ ዝብሃል ከባቢ ኣይፈልጥን" ብምባል ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ተጋሩ ዝበፅሐ መጥቃዕቲ ሓበሬታ ከም ዘይብሉ ንቢቢሲ ገሊፁ።

"ብመንነተይ ምኽንያት ተዘሚተ፣ ጸገም በጺሑኒ ዝብል ሰብ እንተሃልዩ ናባይ መጺኡ የመልክት፤ ሕጊ ብዝፈቕዶ መሰረት ክነፃርዮን ስጉምቲ ክንወስድን ኢና። ክሳብ ሕጂ ግን ኣብዚ ጉዳይ ዝቐረበለይ መረዳእታ ወይ ክሲ የለን" ከኣ ኢሉ።

ማእሰርትን ዝምታን ኣብ ጥቓ ሩባ ተከዘ

ኣብ ከተማታት ሑመራ፤ እድሪስን ኣደባይን'ውን ብጅምላ ዝተኣሰሩ ተጋሩ ከም ዘለው፣ ደቅናን ኣንስትናን ፆታዊ ዓመፅን የጋጥመን ንብረትና'ውን ይዝመት ኣሎ፣ ካብቲ ዝመፅእ ዘሎ ረድኤት እውን ኣይንወሃብን ዝብሉ ተጋሩ ብዙሓት እዮም።

ነባሪ ኣደባይ ኣይተ ሓጎስ፡ "ኣብታ ከተማ ህዝቢ ብዙሕ ስቓያት ይበፅሖ ኣሎ። ንሃፋትም ቀቲሎም፡ ገለ ሃፋትም ድማ ብሂወት ናብቲ ዝሞተ ሬሳ ወሲዶም፡ ክሳብ 300 ሽሕ እንተዘይኸፊልኩም ከምዚኦም ክንቀትለኩም ኢና እናበሉ የፈራርሕዎም" ኢሉ።

ከምዚኦም ዓይነት 'መጥቃዕትታት' ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ከም ዝነበረ'ኳ እንተተገልፀ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ "ሓድሽ ወፍሪ መጥቃዕቲ" ከም ዝኾነ ነበርቲ እታ ከተማ ንቢቢሲ ገሊፆም።

ነዚ ፀገሞም ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ምምሕዳር ስለ ዘይሰምዖም፡ ኣብኡ ንዝርከቡ ሰራዊት ኤርትራ ከም ዝሓበርሎምን፡ እቲ ፀገም ንምፍታሕ እንትፍትኑ ዕጡቓት ክልል ኣምሓራ "ኣይምልከተኩምን" ከም ዝበሉዎም ተዛሪቦም።

እንተኾነ: ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ድሕነትን ክልል ኣምሓራ ዶክተር ሰማ ጥሩነህ፡ ኣብቶም ዝተጠቕሱ ከባብታት ከምዚ ዓይነት ግፍዕታት ተፈፂሞም ዝብል ሓበሬታ ጌጋ ምዃኑን ናብ ቤት ፅሕፈቱ ዘመልከተ ከም ዘየለ ሓቢሩ።

"ህዝቢ ትግራይ ኣብ ወልቃይትን ሑመራን ጥራሕ ኣይኮነን ዝነብር፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ጎንደርን ባህርዳርን'ውን ይነብር እዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ፀልሚቱና"- ግዳያት ዘመተን ፆታዊ ዓመፅን

ጓል 14 ዓመት ነባሪት ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ቤተልሄም ብ19 ሓምለ ብሰለስተ ተዛረብቲ ኣምሓርኛ ከም ዝተዓመፀት ገሊጻ።

ወለዳ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ኣብ ፅርግያ ወዲቓ ምስ ፀንሐቶም ከም ዘልዓሉዋን ሕዚ ክትንቀሳቐስ ከም ዘይትኽእልን ሕክምና'ውን ከም ዘይረኸበት ትሕብር።

ካልኦት ብዙሓት እውን ተመሳሳሊ ዓመፅን ስቅያትን ከም ዘጋጠመን ይሕብራ።

ነባሪ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ *በሪሁ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ትሕቲ ዕድመ ጓል ጓሎም ከም ዝተዓመፀት ንቢቢሲ ይገልፁ።

"19 ሓምለ ምሸት ከባቢ ሰዓት ኣርባዕተ፡ መጀመርያ ገንዘብ ኣምፅኡ ኢሎም ዶግዲጎምና። ገንዘብ ስለ ዘይነበረ ንብረት፣ [ሞባይላትን ሶላራትን] ንብረተይ ብኣግማለይ ፅዒኖም ወሲዶሞ። ምስ ስድራይ ኣብ ገዛ እናሃለና ንዓይን ንበዓልቲ ገዛይን ወቒዖም፡ ንኣዲኣ'ውን ወቒዖም ኢዳ ሰይሮምዋ። ካብ ገዛ ኣውፂኦም ደርብዮምና፤ ካብኡ ጓል 15 ዓመት ጓል ጓለይ ዓሚፆምለይ" ብምባል እቲ ዝበፅሖም ግፍዒ ንምግላፁ ከም ዝኸብዶም ይገልፁ።

ድሕሪ እዚ ኣይተ በሪሁ፡ ምስ ሸውዓተ ስድርኦም ሂወቶም ንምድሓን ናብ በረኻታት ክሃድሙ ግድን ከም ዝኾኖም ይዛረቡ።

ካልእቲ ነባሪት ቃፍታ ሑመራ ጓል 23 ዓመት ንእስቲ ኪሮስ ብ19 ሓምለ ጀሚራ ካብ ፆታዊ ዓመጽ ሃዲማ ህይወታ ንምድሓን ኣብ ጣሻታት ዝተዓቖበት እያ።

ኣርባዕተ ዕጡቓትን ሲቪል ዝተኸድኑን ውልቀሰባት ናብ መንበሪ ገዝኣ መፂኦም 'ገንዘብ ኣምፅኢ' ኢሎም ከም ዝወቕዕወን እውን ጠቒሳ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ወተሃደራት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሚሊሻታት ኣምሓራን ኣብ ነፍሰ ፆራትን ትሕቲ ዕድመን ከይተረፈ ፆታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈፀሙ ገሊፁ ነይሩ።

እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣገባብ ኣተኣኻኽባ ሓበሬታ እቲ ኣብ መዓስከራት ሱዳን ዝተኻየደ መፅናዕትን ፀብፃብን ሚዛኑ ዘይሓለወን ዝተጋነነን ምስሊ ዝሃበን እዩ ክብል ተቓዊሙዎ ነይሩ።

ሕቡራት ሃገራትን ምዕራባውያን ሃገራትን፡ ኣብ ኲናት ትግራይ ፆታዊ መጥቃዕትን ምናልባት ከም ገበን ኲናት ክረኣዩ ዝኽእሉ ከበደቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝተፈፀሙ ክገልፁ ፀኒሖም'ዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን እቲ ክስታት 'ፃዕዳ ሕሶት'ዩ' ኢዩ ብምንፃግ፡ ሓይልታት ኣምሓራ ካብ ምዕራብ ትግራይ ይውፅኡ ንዝብል ፃውዒት 'እዚ ውሽጣዊ ጉዳያት' ክብል ይምጉት።

ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ'ውን ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ፀለመ ምዃኑ እዩ ዝገልፅ።

ብምኽንያት ኲናት ትግራይ፡ ብሚልዪናት ዝኣኽሉ ሰባት ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ክመዛበሉ እንከለው፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ዝኾኑ ድማ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ይርከቡ።

*ቢቢሲ፡ ኣስማት ናይቶም ኣብዚ ዛንታ ዝተፀርሑ ሰባት ንድሕነቶም ክብል ከም ዝቐየሮ ይሕብር።