ኣብ ሞንጎ ጣሊባን፣ ኣይኤስን ኣል-ቃይዳን ዘሎ ኣፈላላይ እንታይ’ዩ?

ሓይልታት ጣሊባን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዓለም ዝርከቡ ጀሃዳዊ ጉጅለታት ጣሊባን ናብ መሪሕነት ኣፍጋኒስታን ብምምጽኡ ብጽምብል ተዓጂቦም ተቐሚሎምዎ ኣለዉ።

ኣብ የመንን ካልኦት ሃገራትን ርችታት ክተኮስ እንከሎ፤ ኣብ ሶማሊያ ድማ ምቁር ጣዕሚ ዘለዎም ህያባት ዓዲሎም። ኣብ ደቡብ እስያ ዝርከቡ እስላማዊ ጉጅለታት ብወገኖም ኣብ ልዕሊ ምዕራባዊ ሰራዊት ዝተረኸበ ዓወት ገይሮም ይቖጽርዎ።

ኪኢላታት ግን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕን ማእኸላይ እስያን ሓድሽ ምዕራፍ ጂሃዳውነት ክፍጥር ከምዝኽእል ስግኣቶም ይገልጹ።

እቲ ዝዓበየ ስግኣት ካብቶም ምስ ኣል-ቃኢዳን እስላማዊ መንግስቲ (ኣይ ኤስ)ን ምትእስሳር ዘለዎም ጉጅለታት ክመጽእ ከምዝኽእል ይግመት።

ጣሊባን ምስ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበሮ ስምምዕ ኣብ ዝኾነት ምዕራባዊት ሃገር መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ንዝሓስቡ ኣኽረርቲ ጉጅለታት ከይዕቑቡ ኣብ ምርድዳእ በጺሖም’ዮም። እንተኾነ ምስ ኣል-ኣይዳ ዘለዎ ርክብ ቅሉዕ ዘይኮነ ጉዳይ ኮይኑ’ሎ።

እስላማዊ መንግስቲ ግዝኣት ኮራሳን (ኣይ ኤስ-ኬ ወይ ኣይኤስኬፒ) ዝተባሃለ ጽልዋ ኣይኤስ ዘለዎ ጉጅለ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል መጥቃዕቲ ንምፍጻም ጊዜ ክወስድ ኣይደለየን። ብ26 ነሓሰ 2021 ኣብ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ከኣ 13 ወተሃደራት ኣሜሪካ ዝርከብዎም 170 ሰባት ተቐቲሎም።

ኣብዞም ሰለስተ ጉጅለታት ዘሎ ኣፈላላይ እንታይ’ዩ?

ኣብ ኒውዮርክ ማእኸል ሱፋን ተመራማርን ተንታኒ ድሕነትን ኮሊን ክላርክ፡

“ኣብ ኣፍጋኒስታን እቲ ዝለዓለ ተፈላጥነት ዘለዎ ጣሊባን’ዩ። ኣል-ቃይዳ ድማ ሃለዋቱ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝንቀሳቐስን ርክባቱ መሊሱ ንምጥንኻር ዝጽዕርን ጂሃዲስት ጉጅለ ምዃኑ ይፍለጥ። እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ) እውን ከምኡ ኮይኑ ምስ ኣል-ቃይዳን ታሊባንን ግን ሰነያ የብሉን” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

መቦቆል

ኣልቃኢዳን ታሊባንን ብ1980ታት ኣንጻር ወራር ሶቪየት ከምኡ’ውን ኣብ መእተዊ 1990ታት ኣብ ውሽጢ ኣፍጋኒስታን ንምቅላስ ዓሊሞም ተጣይሾም።

ኣይኤስ ድማ ኣብ ዒራቕ ካብ ዝንቀሳቐስ ኣልቃይዳ (ኤኪው ኣይ - AQI)ዝተረፉ ኣባላት ኣብ ዒራቕ ዝወደብዎ ጉጅለ’ዩ። ኣል-ቃይዳ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ብ2003 ንዝፈጸመቶ ወረራ ክቃለስ ውዳብኡ ኣጠናኺሩ ነይሩ።

እንተኾነ ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ 2007 ብዝፈጸምዎ ወተሃደራዊ ስርሒት እቲ ጉጅለ ክለምስ ኪኢሉ። ኣብ 2011 ድማ ዳግም ኣንሳእሪሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣል-ቃኢዳ ማለት ‘መዋፈሪ’ ወይ ‘ኔትወርክ’ ዝብል ትርጉም ኣለዎ። ስዑዳዊ ቢልየነር ዘጣየሾ ኮይኑ ኦስማን ቢን ላደን ኣብ ዝተፈላለያ እስላማዊ ሃገራት ዝርከቡ ዜጋታት ኣብቲ ጉጅለ ክጥርነፉ ይገብር ነይሩ።

‘ዘ ጣሊባን’ ብቋንቋ ፓሽቶ ‘ተምሃሮ’ ዝብል ትርጉም ዝሓዘ ኮይኑ፤ ንምውጻእ ሰራዊት ሶቪየት ሕብረት ካብ ኣፍጋኒስታት ስዒቡ ብ1990ታት ኣብ ሰሜናዊ ፓኪስታን ተጣይሹ። ብ1998 ከኣ ዳርጋ 90 ሚኢታዊት ግዝኣት ኣፍጋኒስታን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ነይሩ።

ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣል-ቃይዳ ዝሓሸ ሎጂስቲካዊ ቀረባት ዝረኽበሉ ኔትወርክ ነይርዎ። ሽዑ ንጥቕምታት ዝበሃጉ ታሊባንያውያን ሓንጎፋይ ኢሎም ተቐቢሎምዎም።

እቲ ኣብ ዒራቕ ንዝነበረ ኢድ ኣእታውነት ሃገራት ብትሪ ዝቃለስ ዝነበረ ‘ኤ ኣይ ኪው’ [AQI -ኣልቃይዳ ኣብ ዒራቕ] ብሓሳባት ካብ ቀንዲ መትከላት ኣል-ቃይዳ ዝፍለዩ ዓለማዊ ባህግታት ነይሮምዎ። ኣብ 2006 ከኣ ምስ ካልኦት ኣኽረርቲ ጉጅለታት ተጠርኒፉ ስሙ ናብ እስላማዊ መንግስቲ ዒራቕ (Islamic State of Iraq) ቀይሩ።

ትርጓመ እስላም

ሓበራዊ ጠባይ ጣሊባን፣ ኣል-ቃይዳን ኣይ ኤስን ኣብ ሱኒ እስላም ዘለዎም ተመሳሳሊ ርእይ ከምዝኾነ ይፍለጥ።

ኣብ ለንደን ኮሌጅ ኪንግስ መምህር ሚሸል ግሮፒ “ሰለስቲኦም ጉጅለታት ፖለቲካውን ማሕበራውን ህይወት ካብ ሃይማኖታዊ ህይወት ዝፍለ ኣይኮነን ኢሎም’ዮም ዝኣምኑ። ብስም እምነት ዝፍጸም ጥሕሰት ፍትሓዊ ከምዝኾነ ቅቡል ይገብሩ። ዘይቃለስ እንተሃልዩ ከኣ እከይ ሙስሊም ገይሮም ይቖጽርዎ” ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

“ልክዕ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ኣብ ቁርኣን እውን ኣዝዮም ከበድቲ ፍቕዲታት (ምዕራፋት) ኣለዉ። ግን ከኣ ዝበዝሖ ሙስሊማት ነቶም ዓመጽ ዘጓሃህሩ መትከላት ይቃወሙ’ዮም” ይብል።

ስግር እዚ ሓበራዊ ኣመለኻኽታ፤ ሰለስቲኦም ማለት ታሊባን፣ ኣል-ቃይዳን ኣይ ኤስን ብመሰረት ዕላማታቶም ኣብ ደረጃ ኣኽራርነቶም ይፈላለዩ እዮም። ገለ ኪኢላታት ከምዝብልዎ ድማ እቲ ቀንዲ ናይ ሰለስቲኦም ኣፈላላያት ኣብዚ ዝምስረት ይኸውን።

ዕላማታት

ድልየታት ታሊባን ኣብ ኣፍጋኒስታን ጥራይ ዝተሓጸረ ክኸውን ከሎ፤ ኣል-ቃይዳን ኣይ ኤስን ግን ዓለምለኻዊ ብህግታት ኣለዎም።

እቲ ጉጅለ ንመወዳእታ ጊዜ ሕጊ ሸሪዓ ዘፈጸመሉ እዋን ኣብ 1990ታት ኮይኑ፤ ንደቂኣንስትዮ ጥራይ ዒላማ ዝገበሩ ሕግታትን ከበድቲ መቕጻዕትታት፣ ናይ ሞት መቕጽዕትቲ መግረፍትን ኣካል ምጉዳልን ዘካተተ ነይሩ።

ጉጅለ ታሊባን ናብ ስልጣንን ብምምጽኡ እቲ ታሪኽ ከይድገም ስግኣት ዝሓደሮም ኣፍጋኒስታናውያን ካብታ ሃገር ይሃድሙ ኣለዉ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጆርጅታውን ዋሺንግተን በዓልሞያ መጽናዕቲ ግብረሽራን ማእኸላይ ምብራቕን ዳንኤል ባይማን ኣስተምህሮታት ኣል-ቃይዳን ኣይኤስን ኣዝዮም ኣኽራርነት ዝተላበሱ ምዃኖም ይገልጽ።

ጣሊባን ኣብ ኣፍጋኒስታን ጥራይ ብምትኳር ንሕግታት እስላም ከቐጽልን ከስርጽን ድልየት ከምዘለዎ ዘረድእ ባይማን፤ ብዛዕባ ነዚ ኣብ ካልኦት ሃገራት ተፈጻሞ ምግባር ግን ከምዘይግደስ ይገልጽ። ኣልቃይዳን ኣይኤስን ግን ዓለምለኻዊ ባህጋታት’ዩ ዘለዎም።

“ኣይኤስ፡ ግዝኣት ወይ ምድረ ከሊፋ [caliphate] ሎሚ ንምፍጣር ድልየት ክህልዎ ከሎ፤ ኣል-ቃይዳ ግን እዋኑ ሕዚ ከምዘይኮነ ይኣምን። ጀሃዳውያንን ሙስሊምን ማሕበረሰባት ድልዋት ከምዘይኮኑ ድማ ይሕብር። ስለዚ ነዚ ቀዳምነት ዝህብዎ ኣይኮነን” ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጸላእቲ

ጣሊባን፣ ኣል-ቃይዳን ኣይኤስን ‘ናይ ርሑቕን ቀረባን’ ዝብልዎም ጸላእቲ ኣለውዎም። ኣሜሪካን ምዕራባውያን ብቐዳምነት ይስርዑ። መሻርኽቲ እተን ሃገራት ዝኾኑ ከምኡ’ውን ንመንግስትን ሃይማኖትን ፈላልዮም ዝርእዩ ከኣ ብኻልኣይ ደርጃ ዝሰርዕዎም ጸላእቶም’ዮም።

“ካብ መፈለምታ ኣይኤስ ካብ ኣል-ቃይዳ ብዝዛየደ ዓማጽን ነይሩ። ኣብ ልዕሊ ምዕራባውያን ኲናት ካብ ምእዋጁ ብተወሳኺ ኣንጻር ካልኦት ንስነ-ሓሳቦም ዘይቕበሉ ሙስሊም እውን ቃልሲ ጸዊዑ’ዩ” ይብል ባይማን።

ካልእ ቀንዲ ኣፈላላዮም ከኣ ኣልቃይዳ ንኣሜሪካ ከም ቀንዲ ጸላኢቱ ገይሩ ክቖጽር ከሎ፤ ኣይኤስ ግን ንማሕበረሰብ ሙስሊም ሾዓን ካልኦት ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝርከቡ ውሑዳን ሃይማኖታትን ዝፍጽሞ መጥቃዕቲ ቀጺሉሉ ይርከብ።

ዳንኤል ባይማን “ኣል-ቃይዳ ንሺዓ ሙስሊም ዋላ’ኳ ከም ከሓድቲ እምነት እንተቖጸሮም ነዓኣቶም ምቕታል ግን ብኽነት ሃብትን ንጂሃዳዊ ውጥናት ከም ምህሳይን ገይሩ’ዩ ዝቖጽሮ” ክብል የረድእ።

ኣብዚ እዋን ታሊባን ናብ ስልጣን ምምጽኡ ንተወሳኺ ምፍልላያት ምኽንያት ኮይኑ’ሎ። ኣብቲ ኣሜሪካ ካብታ ሃገር ንኽትወጽእ ኣቐዲሙ ዝተትሓዘ መደብ ዝደራደር ‘ከዳዕ/ተጣላዒ’ ክብል ኣይኤስ ነቲ ጉጅለ ይነቕፎ። እንተኾነ ግን ዘለዎም ርክብ መሊኡ ዝተበተኸ ከምዘይኮነ ይግለጽ።

ኪኢላታት ከምዝብልዎ ኣብ ሞንጎ’ቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ክንፊ ኣይኤስን መርበብ [‘ኔትወርክ’] ሃቃኒ ብዝብል ዝፍለጥ ምስ ታሊባን ርክብ ዘለዎ ጉጅለ ሚልሻን ጥቡቕ ርክባት ኣሎ።

ስልቲታት

ኣል-ቃይዳ ብቐንዱ ዝፍለጠሉ ሓደ ተግባር እቲ ብ11 መስከረም 2001 ኣብ መናቱ ህንጻታት ኒውዮርክ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ምዃኑ ይዝከር።

ብኸምዚኦም ዝበሉ ዓበይቲ ግብረሸበራዊ መጥቃዕቲታት ከኣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ሙስሊም ተቓለስቲ ከነቓቕሕን ኣሜሪካ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘለዋ ኢድ ኣእታውነት ክትስሕብን ይደልይ።

ፕሮፓጋንድኡ ድማ ጂሃድ ግቡእ ኩሉ ሙስሊም ዝኾነ ሰብ ከምዝኾነ ከስርጽ ይፍትን።

“ንኣይ ኤስ ሽበራ ማለት ኣካል ወያናይ ኲናት’ዩ። ኣብ ዝተቖጻጸርዎም ከባብታት ጃምላዊ ቅትለት፣ ርእሲ ምስያፍን ጾታዊ ግህሰትን ይፍጽሙ። ነዚ ዝገብሩ ድማ እቲ ሕብረተሰብ ራዕዲ ኣትይዎ ኣብ ሓሳቦም ንኽግዛእ ብዝብል’ዩ” ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጆርጅታውን ዋሺንግተን በዓልሞያ መጽናዕቲ ግብረሽራን ማእኸላይ ምብራቕን ዳንኤል ባይማን።

ክንፊ ኣይኤስ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝኾነ ‘ኣይኤስ-ኬ’ ብ26 ነሓሰ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ 170 ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር። እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ውሑዳን ማሕበረሰብ እታ ሃገር መጥቃዕቲታት ብምፍጻም’ውን ይፍለጥ።

ታሊባን ድማ ብስልትታት ኲናት ከምኡ’ውን ኣንጻር መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ሓይልታት ጸጥታን መጥቃዕትታት ብምኽፋት ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ንዝተፈላለያ ከተማታት እናሓዘ ብምምጻእ ኣብ ቀረባ ድማ ዋና ከተማ እታ ሃገር ንዝኾነት ካቡል ምቁጽጻሩ ይፍለጥ።

ንህዝቢ ናይ ምእማን ስራሕቲ’ውን ካልእ ስልቱ ከምዝኾነ ይግለጽ።

ጉዳይ ኣባላት

ታሊባን፣ ኣል-ቃይዳ ኮነ ኣይ ኤስ ንዘፈጽምዎም ዕላማታቶም ክቃለሱሎም ዝኽእሉ ኣባላት ካብቶም ዝተቖጻጸርዎም ከባብታት’ዮም ዝምልምሉ። ከምዚ ዝገብሩ ድማ ከኣ ጂሃድ ንሃይማኖቶም ከምዘድሕንን [ንሰባት ካብ ሓጢያቶም] “ከምዘንጽህን” ናይ ምእማን ስራሕቲ ብምስራሕ’ዩ።

ዓለምለኻዊ ውጥናት ዘለዎም ኣል-ቃይዳን ኣይ ኤስን ካብ ስግር ዶባት ማእኸላይ ምብራቕ ከይተረፈ ኣባላት ናይ ምምልማል ዓቕሚ ኣለዎም።

ኣይኤስ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ብዝገብርዎም ጽዕርታት ንቐልቢ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝርከቡ ውልቀሰባት ይስሕቡ ምህላዎም ዝገልጽ ባይማን “[እቶም ውልቀሰባት] ምስቲ ጉጅለ ዝተወሰነ ርክባት ይሃልዎም ወይ ኣይሃልዎም ብዘየገድስ፤ ናብ ሶርያን ዒራቕን ክጓዓዙ’ኳ እንተዘይከኣሉ ኣብተን ዝነብሩለን ሃገራት መጥቃዕቲታት ንምፍጻም ወጢኖም’ዮም” ይብል።

ካብ ሞንጎኦም ከኣ ኣብ ፓሪስ ብ2015 ዝተፈጸሙን ብዙሓት ዝሞቱሎምን መጥቃዕትታት ምጥቃስ ይከኣል።