ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚቕነ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተዋጋእቲ ሞይቶም ተባሂሉ

ምሩኻት ወተሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተዋጋእቲ ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ብሰንኪ እቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተጀመረን ዓስራይ ወርሑ ዘቑጸረን ደማዊ ኲናት፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ንሓደጋ ዓጸቦ ተቓሊዕዎም ከምዘለው ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ሓይልታት ትግራይ፡ ብቴሌቪዥን ትግራይ ኣቢሎም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት 3073 'ወተሃደራት ጸላእቲ' ከምዝቐተሉን 4,473 ከምዘቑሰሉን ገሊጾም።

እዚ ዝተገልጸ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ልዕሊ 5,600 ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ከምዝቐተለ ዋና ኣተሓባባሪ ህንጸት ሰራዊት ሌተናል ጀነራል ባጫ ደበሌ ድሕሪ ምሕባሩ እዩ።

ጀነራል ባጫ፡ ኣብ'ቲ ትማሊ ቀዳም ዝሃቦ መግለጺ፡ ብተወሳኺ 2 ሽሕ ከምዝቖሰሉን 2 ሽሕ ድማ ከምዝተማረኹን’ኳ እንተተዛረበ፤ መዓስ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ከምዝኾነ ግን ኣየነጸረን።

እንተኾነ ነዚ ብኽልቲኦም ወገናት ዝቐረብ ዘሎ ቁጽሪ ዘረጋገጸ ሳልሳይ ኣካል ዛጊት ኣይተረኸበን።

ኣብ ኣመሪካ ኣምባሳደር ነበር ኢትዮጵያ ሕዚ ደጋፊ ህወሓት፡ ኣቶ ብርሃነ ገብረክርስቶስ፡ እቲ ብመንግስቲ ዝቐርብ ዘሎ ጸብጻብ "መስሐቕን ሕሶትን" ክብል ገሊጽዎ።

"ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ወይ ሽድስተ መዓልታት፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልቲኦም ክልላት ከቢድ መጥቃዕቲ ፈጺሞም እዮም። ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሸሞንተ ክፍላተ ሰራዊት ስኢኑ ኣሎ" ኢሉ።

እንተኾነ፡ ናይ ወተሃደራቶም ሞራል ንምልዕዓል 'ስኑዕ ሓበሬታ' ኣብ ምዝርጋሕ ከምዝርከቡ ከሲሱ።

ሓይልታት ትግራይ ብሓፈሻ፡ ንልዕሊ 7600 ወተሃደራት ኢትዮጵያ፣ ሓይልታት ኣምሓራን ደገፍቶምን ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ከምዝገበሩ፡ ሴንትራል ኮማንድ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ካብ 21 ክሳብ 24 ነሓሰ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ግንባር ዓፋር-ሰሜን ወሎ ሃሩ ፍሉይ ቦታ ሰዶማ ብዝፈነውዎ መጥቃዕቲ፡ 1800 ከምዝቐተሉ፣ 3600 ከምዘቑሰሉን 60 ከምዝማረኹን ገሊጾም።

ብተመሳሳሊ ብግንባር ወልዲያ፡ ሱዳን ሰፈረን ወርጌሳን ኣብ ዝተበሃሉ ቦታታት ካብ 23 ክሳብ 26 ነሓሰ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ 1273 ምዉታት ከምኡ’ውን 870 ቁሱላት ከምዝገበረ ሓቢሩ’ሎ።

ሌ/ጀነራል ባጫ ኣብ ናይ ትማሊ መግለጺኡ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኲናት ብምኽፋት “ንኢትዮጵያ ክበታትኑ ፈቲኖም” ክብል ከሲሱ።

ሓደ ክፍለጦር ሓይልታት ትግራይ ንሑመራ ክቆጻጸር ፈቲኑ “ምሉእ ብምሉእ ከምዝተደምሰሰ” እቲ ጀነራል ወሲኹ ሓቢሩ።

ጀነራል ባጫ፡ ብነፈርቲ ዝተሓገዘ ከቢድ ውግእ ከምዝተኻየደ እዩ ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብዚ እዋን ብሰንኪ’ቲ ካብ ትግራይ ሰጊሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተላቢዑ ዘሎ ኲናት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ክፈናቐሉን ክጠምዩን ከለዉ፤ ልዕሊ 60 ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ይርከቡ።

ብኽልቲኡ ወገን ዝተሰለፉ ሓይልታት ከኣ ብጾታዊ ግህሰት፣ ጃምላዊ ቅትለት ሲቪላትን ካልኦት ከበድቲ ግህሰታትን ይኽሰሱ።

ቀጻልነት እቲ ኲናት

ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ብዘይተገመተ መልክዑ፡ ንኣብዝሓ ከባብታት ትግራይ ምስ ተቖጻጸሩ፡ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝቐጸሉ ኾይኖም፡ ወኪል ቢቢሲ ኣብ ኢትዮጵያ ቃልኪዳን ይበልጣል፡ እዚ ናይቲ ኲናት ዕምቆት ዘመልክት እዩ ይብል።

ኣብተን ክልላት ብርክት ዝበሉ ከባብታት ዝተቖጻጸሩ እቶም ሓይልታት፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እታ ክልል ብመንግስቲ ተነቢሩ ዘሎ ዕግታ ክሳብ ዘይተኸፍተ ውግእ ጠጠው ከምዘየብሉ ኣፍሊጦም እዮም።

ጋዜጠኛ ቃልኪዳን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት ነቶም ሓይልታት ደፊኦም ገለ ከባብታት መሊሶም ሒዞም ክኾኑ ከምዝኽኡ ብምሕባር፡ እንተኾነ ዛጊድ ከም በዓል ታሪኻዊ ከተማታት ላሊበላን ዝኣመሰሉ ወሰንቲ ቦታታት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ኢዶም ከምዘሎ እዩ ዝዛረብ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ 'ናብ ትግራይ ረድኤት ከይበጽሕ መንገዲ ዓጽዩ' ኢሉ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምኽሳስ፡ ብሰንኪ እዚ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ንሓደጋ ዓጸዎ ተቓሊዖም ከምዝርከቡ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ነዚ ክስታት ዕግታ ዝነጽግ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ረድኤት ዝጸዓና 500 መካይን፤ ካልኦት ድማ 152 ወሲኹ፡ ናብ ትግራይ ከምዝኣተዋ ትማሊ ቀዳም ገሊጹ፤ እቲ ምስ ተፍትሽ ተኣሳሲሩ ዝነበረ መሕንቖታት ድማ ተመሓይሹ ኢሉ። እንተኾነ፡ ነዚ ኣበሃህላ ሓቃውነቱ ከረጋግጽ ዘኽእል ሳልሳይ ወገን ኣይተረኽበን።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ መዓልታዊ 100 መኪናታት ከግዕዛ ከምዘለዎን ብምግላጽ፡ ካብ 22 ነሓሰ 2021 ጀሚሩ ዋላ ሓንቲ ረድኤት ዝጸዓነት መኪና ናብ ትግራይ ከምዘይኣተወት ይጠርዕ።