ኣብ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ካብ ሕጊ ወጻኢ ምስ ደቀን ዝተኣሰራ ደቂ ኣንስትዮ ክፍተሓ ተሓቲቱ

ቤኒንንሻንጉል ጉሙዝ

ምንጪ ስእሊ, EHRC

ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ወረዳ ቡለን፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ምስ ደቀን ተኣሲረን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ብህጹጽ ክፍትሓ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ [ኢሰመኮ] ሓቲቱ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እዘን ንዘይግቡእ ማእሰርቲ ዝተቓለዓ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣንስቲ ናይቶም ኣብቲ ክልል ዝድለዩ ተጠርጠርቲ ምዃነን ሓቢሩ።

እቶም ጥርጡራት ናይቲ ከባቢ ጸጥታን ድሕነትን ንምምሕያሽ ብዝብል፡ ኣብ ዞባ መተከል ብዝተጣየሸ ኮማንድ ፖስትን ምምሕዳር እቲ ዞባን ዝህደኑ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።

ብተወሳኺ ድማ ቅድም ክብል፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዝነበሩ ጥርጡራት መሰል ዋሕስ ሂቦም ወይ ድማ ብዋሕስ ክልቀቑ ገይሮም ዝተብሃሉ ሸውዓተ ሰባት ከምዝተኣሰሩ ይዝከር።

እቶም ውልቀሰባት ዝተኣሰሩሉ ምኽንያት ከኣ፡ ደንቢ መሰል ዋሕስ ስለዝተጥሓሰን ተጠርጠርቲ ብምጥፍኦምን ምዃኑ ካብ ሰበ ስልጣን’ቲ ከባቢ ከምዝተረደአ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲታት ዝፍጸመሉ ዘሎ ክልል፡ ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት ይውሰዱ ከምዘለዉ’ዩ ዝዝረብ።

ኣብ 25 ነሓሰ 2013 ዓ.ም፡ ኣብ ወረዳ ቡለን 5 ኣባላት ሚሊሻ ብዕጡቓት ከምዝተቐትሉ ጸብጻብ ምስቀረበ፡ መንግስቲ ተወሰኽቲ ስጉምቲታቱ ኣጠናኺሩ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።

“እንተኾነ፡ ኣብ ክንዲ ነቶም ጥርጡራት፡ ንኣንስቶም ምእሳር ብሕጊ ዝተኸልከለ እዩ” ይብል ኢሰመኮ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ።

እቲ መንግስታዊ ኮሚሽን፡ ነቲ ጉዳይ ከምዝከታተሎን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ምዝርራብ ከምዝቕጽልን ብምግላጽ፡ እተን ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝተኣሰራ ደቂ ኣንስትዮ ብህጹጽ ክፍትሓ ሓቲቱ’ሎ።