ፖሊስ ማሊ ኣዛዚኦም ንምፍታሕ ንሓደ ቤት ማእሰርቲ ወሪሮም

ፖሊስ ማሊ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ፖሊስ ጸረ-ራዕዲ ማሊ ኣብ ማእሰርቲ ዝነበረ ኣዛዚኦም ንኽፍታሕ ነቲ ተኣሲሩሉ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ብምውራሮም ተሪር ነቐፌታ ወሪድዎም።

እቲ ዑመር ሳማከ ዝተባሃለ ኣዛዚ ካብ ማእሰርቲ ምፍትሑ እኳ እንተተፈለጠ፡ ብልክዕ ምስቲ ፍጻመ ብዝተኣሳሰር ምኽንያት እንተኾይኑ ግና ኣይተነጸረን።

ገለ ጸብጻባት፡ ሓለውቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተኣለዩሎም ክገልጹ እንከለው ካልኦት ከኣ መንግስቲ ዕግርግር ከይፍጠር ብዝብል ዑመር ክፍታሕ ከም ዝኣዘዘ ይሕብሩ።

እቲ ኣዛዚ ፖሊስ ኣብ ሓምለ 2020 ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ብዝተወሰደ ስጉምቲ ምስ ዝሰዓበ ሞት 14 ሰባት ብዝተኣሳሰር እዩ ተኸሲሱ።

ግዚያዊ መንግስቲ ማሊ ብቴለቪዥን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ “ናይ ፍሉይ ጸረ-ራዕዲ ሓይሊ (ፎርሳት) ደንቢ ክዳን ብዝለበሱን ዝዓጠቑን ሰባት” ዝተፈጸመ ዝበሎ ተግባር ከም ዝኾነነ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።

እቲ ተግባር ኣብ ልዕልና ሕጊ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እዩ ዝበለ ማሕበር ሰብኣዊ መሰላት ማሊ በቲ ተግባር “ከም ዝሰንበደ” ገሊጹ።

ኣባላት ፖሊስ፡ ናብቲ ኣዛዚ ‘ፎርሳት’ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ናብ ዝተቐየደሉ ማእከላይ ቤትማእሰርቲ እታ ከተማ ቅድሚ ምኻዶም ኣብ ማእከል ርእሰ ከተማ ባማኮ፡ ጠያይቲ ናብ ሰማይ ከም ዝቶከሱ’ውን ሓቢሩ።

እቲ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኣንጻር እቶም ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐሱ ጂሃዳውያን ጉጅለታት ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ዝዋሳእ ኮይኑ ብኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣመሪካን ስልጠናታት ዝተዋሃቦ እዩ።

ሕቡራት ሃገራትን ፈረንሳን ነቲ ኣንጻር እቶም ጂሃዳውያን ዝግበር ቃልሲ ንምሕጋዝ ኣብታ ሃገር ዝወፈረ ብኣሽሓት ዝቑጸር ሰራዊት ኣለዎም።